ኢትዮጵያ፡ "ንጀነራል ብርሃኑ ጁላ ንምቕታል ተኣሊሙ ነይሩ" ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል

ጀነራል ብርሃኑ ጁላ
ናይ ምስሊ መግለጺ ምክትል ኢታ ማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ 15 ሰነ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳርን ዝተፈጸመ ገበን ቕትለት ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮንን፣ ምስኦም ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ ከምኡ'ውን፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ፡ ብብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ዝተመርሐ'ዩ ነይሩ ኢሉ።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብቶም መራሕቲ ዝተፈጸመ ቕትለት 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ'ዩ' ነይሩ ብምባል፡ ንኣዋርሕ ምድላው ክግበረሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ብመርመራ ከረጋግጽ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ ከካይዶ ዝጸንሐ መርመራ፡ መንግስቲ ንምዕላው ዝተፈጸመ ቕትለት ምዃኑ ከም ዘረጋገጸሉ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ሰሙን ክሲ ክምስረት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ነቲ መግለጺ ዝሃበ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ብርሃኑ ጸጋይ፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት እንክሞቱ፡ ካልኦት 20 ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖም ሓቢሩ።

ኣብቲ ብ15 ሰነ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስትን ቅትለትን፡ ንጀነራል ብርሃኑ ጁላ ንምቕታል'ውን ውጥን ከምዝነበረ ኣይተ ብርሃኑ ጸጋይ ተዛሪቡ።

ኣብ ልዕሊ ንብረትን ሃብትን'ውን ከቢድ ዕንወት በጺሑ'ዩ ዝበለ እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ምስዚ ርክብ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣጽዋር፣ ፍላሽ ዲስክ፣ ተንቀሳቓሲ ስልኪ፣ ኮምዩተርን መሰኻኽር ሰባትን ኣብቲ መርመራ ከም ዝተኻተቱ ገሊጹ።

በዚ መሰረት 114 ክላሽንኮቭ፣ ሰለስተ ብሬን፣ ኣርባዕተ ማካሮቭ ሽጉጥ ናብ መርመራ ፎረንሲክ ተላኢኹ። 11 ክላሽንን ሓደ ብሬንን፣ ሓደ ማካሮቭ ሽጉጥ ኣብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ምስ ዝተተኮሰ ጥይት ተመሳሳሊ ኮይኑ ከም ዝተረኸበ ብመርመራ ኣረጋጊጽና ኢና ድማ ኢሉ።

15 ሰነ፡ ኣብቲ ኣብ ባህርዳር ዝተፈጸመ ቕትለት መራሕቲ፡ ኣብ ሓለዋ እቲ ዝተቐትለ ርእሰ ምምሕዳር ዝነበሩ ኣርባዕተ ኣባላትን፡ ናይ ቀረባ ዓጀብቲ መራሕቲ ዝኾኑ ሸሞንተ ኣባላትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብምውዓል፡ ናይ መርመራ ስራሕ ተሰሪሑ'ዩ ዝበለ እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ናይ መእሰሪ ትእዛዝ ደብዳበ ካብ ዝወጽኦም 71 ጥርጡራት፡ እቶም 31 ከም ዝተትሓዙ'ዩ ሓቢሩ።

እቶም ዝተረፉ 39 ግን ኣይተትሓዙን። ካልኦት 22 ጥርጡራት ድማ፡ ናይ ባንኪ ሕሳቦም ተኣጊዱ ይጻረ ከምዘሎ ገሊፁ። ብድምር ኣብ ባህርዳር፡ ካብ 147 ሰባት ናይ ቃል መረዳእታ ከም ዝተወሰደ ድማ ሓቢሩ።

Image copyright FBC

እቲ ገበን፡ ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2011 ጀሚሩ ምድላው ዝተገበረሉ'ዩ ዝበለ ኣቶ ብርሃኑ ጸጋዬ፡ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ዝፈጸሞ ምዃኑ ኣመልኪቱ። እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተመልመሉን፡ ስልጠና ዝተውሃቦምን ብስነ ምግባርን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን፡ ካብ ኣባልነት ምክልኻልን ካልኦት መሓውር ጸጥታን ዝተሰናበቱ ኣባላት ምዃኖም ሓቢሩ።

ምስቲ መጥቃዕቲ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣብ ባህርዳር 277፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 140 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም።

ኣብ ልዕሊ እዞም ጥርጡራት ድሕሪ ዝተኻየደ መርመራ፡ ካብቶም ኣብ ባህርዳር ዝተኣሰሩ 45፡ ኣብቲ ገበን ዝነበሮም ተሳትፎ ውሑድ ዝበለ ብምዃኑ፡ ብመሰኻኽር ክፍለዩ ተገይሩ'ዩ ድሕሪ ምባል፡ ካብቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰሩ ድማ እቶም 61፡ ብዋሕስ ከም ዝተፈትሑ ኣቶ ብርሃኑ ጸጋየ ተዛሪቡ። ሓሙሽተ ድማ ምስ ምዝውዋር ኣጽዋር ጉዳዮም ይርአ ከምዘሎ ገሊጹ።

በዚ መሰረት ካብ ባህርዳር 55 ካብ ኣዲስ ኣበባ ድማ፡ 23 ጥርጡራት ክሲ ንምምስራት ከም ዝተዳለወ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ