ኒውዚላንድ፡ ብዛዕባ ብድሌትካ ዝፍጸም ሞት ህዝበ-ውሳነ ክተካይድ'ያ

ቀዳመይቲ ሚንስትር ኒውዝላንድ ጃሲንዳ አርደን Image copyright Getty Images

ባይቶ ኒውዝላንድ ሰባት ብድልዮም ህይወቶም ክትሓልፍ ኣብ ዝፈቅድ ሕጊ ኣብ ስምምዕ ዝበጽሐ ኮይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ ዓመት ድማ ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ክካየደሉ እዩ።

'ኢዩታናሲያ' እናተብሃለ እዩ ዝፍለጥ። ሰባት ብፍላይ ክሓውይ ብዘይኽእል ሕማም ዝሳቐዩ እንተኾይኖም፡ ብመሰረት ፍቓዶም ህይወቶም ክትሓልፍ ይግበር።

እቲ ሕጊ፡ ካብ ሽድሽተ ወርሒ ዘይሰግር ዕድመ ከምዘለዎም ብሓኻይሞም ዝተነገሮም ሕሙማት፡ ብሰብ ሞያ ሕክምና ተሓጊዞም ብዘይስቓይ ክሞቱ የፍቅድ።

ሰፊሕ ክትዕ ዝተገበረሉ እዚ ሕጊ፡ 69 ብ51 ዝኾነ ድምጺ ተቓብለነት ረኺቡ።

ናይታ ሃገር ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጃሲንዳ ኣርደን ግን፡ እቲ ሕጊ ፍቓድ ሞት ክመሓየሽ ካብ ዝደልዩ ሓንቲ እያ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ 72 ሚኢታዊ ካብ ዜጋታት ኒውዝላንድ ነቲ ሕጊ ይድግፉ።

እቲ ሕጊ ዕድመ ሽድሽተ ወርሒ ጥራሕ ከምዝተረፎም ንዝተነገሮም ሰባት'ዶ ንኻልኦት ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ዝሓውስ ይኹን ዝብል ኣካታዒ ኮይኑ ነይሩ።

'ፈረስት ፓርቲ' ዝበሃል ሰልፊ'ታ ሃገር፡ እቲ ሕጊ ግብራዊ ቅድሚ ምዃኑ ህዝበ ውሳነ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ።

ባይቶ ኒውዝላንድ ነቲ ውሳነ ከሕልፍ ከሎ "ክንመውት ዘይኮነስ ንኽንነብር ሓግዙና" ብዝብል ተቓውሞ ዘስምዑ ዜጋታት ነይሮም።