መንግስቲ ሌሴቶ ብዛዕባ ሕማም ኢቦላ ዝዘርግሖ ናይ ሓሶት ዜና ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ፈጢሩ

መንግስቲ ሌሴቶ ዝዘርግሖ ናይ ሓሶት ዜና ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ፈጢሩ Image copyright Getty Images

ኣብታ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ እትዳወብ ሌሴቶ ንፈተነ ዝተዘርግሐ ናይ ሓሶት ዜና፡ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ራዕዲ ከም ዝወዓለ ተገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ሌሴቶ ዝዘርግሖ ናይ ሓሶት ዜና፡ ሓንቲ ብቫይረስ ኢቦላ ዝተለኽፈት ሰበይቲ ኣብታ ሃገር ከም ዝኣተወትን፡ ህዝቢ ክጥንቀቕ ከም ዘለዎን ዝሕብር እዩ።

መንግስቲ ነቲ ዜና ዝዘርግሐ፡ ሕማም ኢቦላ ናብታ ሃገር እንተኣተወ፡ ንድልውነት እቲ ህዝቢ ንምርግጋጽ ምዃኑ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ ምስ ሓንቲ ብሕማም ኢቦላ ዝተለኽፈት ሰበይቲ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሌሴቶ ከም ዝሰገረት እዩ ተዛሪቡ።

እዚ ሓበሬታ ዝበጽሐን ጋዜጣታታት እታ ሃገር፡ ነቲ ዜና ኣብ ቀዳማይ ገጽ ሕታመን ሒዘንኦ ወጺኤን። መደበራት ሬድዮን ቴለቪዥንን'ውን ነቲ ዜና ብምቅላሕ ህዝቢ ክጥንቀቕ ሓቲተን።

እቲ ሚኒስተር ጥዕና፡ እታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣብ ሆስፒታል ህክምናዊ ረድኤት ይግበረላ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ቅሩብ ጸኒሑ ግን ሃገራዊ ትካል ተመሓላለፍቲ ሕማማት እታ ሃገር፡ ብኢቦላ ዝተለኽፈ ሰብ ኣብታ ሃገር ከም ዘይተራእየን፡ እቲ ዜና ናይ ፈተነ ምዃኑን ኣረዲኡ።

መንግስቲ ነቲ ዜና ዝዘርግሐ፡ ዜጋታት ናብ ሆስፒታል ከይዶም መርመራ ንምክያድ ክሳብ ክንደይ ድልዋት ምዃኖም ንምርኣይ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንብዙሓት ዘገረመ ግና፡ እቲ ሚኒስተር ጥዕና፡ ኢቦላ ሌሴቶ ኣትዩ ዝብል ዜና ንምጽራይ ዝድውልሉ ንዝነበሩ መራኸቢ ብዙሓን 'ሓቂ እዩ' እናበለ ይምልስ ምንባሩ እዩ።

እቲ ሚኒስተር ጥዕና ድሕሪ ገለ ሰዓታት ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ