"ቅቡልነት ካብ ዘይብሉ መንግስቲ ምስ ፀገማቱ መረፃ ምክያድ ዝሓሸ ኣማራፂ'ዩ" ምሁር ሕጊ መኮነን ፍስሃ

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃ Image copyright MEKONNEN FISSEHA

ህወሓት ንድፊ ሓሳበይ'ዩ ኣብ እትብሎ መጽሄት ወይን ዝወጽአ ሓሳብ፡ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ግዚኡ ክካየድ ጸዊዓን፡ ትግራይ 'መንግስታዊ ቁመና' (de facto state) ንምምስራት ዘኽእል ምድላዋት ክትገብር ጠሊባን።

እቲ መረጻ ዝደናጔ እንተኾይኑ፡ ሕገ መንግስቲ ዝጻረርን 'ናብ ፍጹም ቅልውላው' ዘምርሕን ብምኻኑ፡ ህወሓት ኣብ ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ከም ዝግደድ ድማ ትሕብር።

ወርሒ ግንቦት ዝካየድ መረጻ ኣብቲ ዝተትሓዘሉ ግዘ ከም ዝካየድ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ይገልጽ። እንተኾነ ግን፡ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ምርጫ ክናዋሕ ኣለዎ ዝብሉ ርኢይቶታት ሓሓሊፎም ይስምዑ'ዮም።

እዚ ኣካታዒ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ምርጫ፡ ብደረጃ ሃገር እንተዘይተኻይዱ ብብርኪ ክልል ከመይ ክካየድ ይኽእል? ምስረታ 'መንግስታዊ ቁመና' እንታይ የመላኽት ዝብሉን ካልኦትን ንምብራህ ግን፡ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቐረባ ንዝከታተል ሙሁር ሕጊ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃ ተወኪስናዮ ኣለና።


ቢቢሲ፡ ዝተፈላለዩ ፓለቲካውያን ወገናት ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ግጭታትን ዘይምርግጋእን ከይተኣልየ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ ስለ ዘይክእል፡ ክናዋሕ ኣለዎ ይብሉ። ልሳን ህወሓት ዝኾነት መጽሄት ወይን ድማ ብደረጃ ክልል መረጻ ክካየድ ኣለዎ ትብል። ትግራይ ንበይና ምርጫ ክተካይድ እትኽእለሉ ዕድል ኣሎ'ዶ?

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃ ህወሓት፡ መረጻ ብእዋነኑ ክካየድ ኣለዎ፣ ሕገመንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትን ብዘይኣግባቡ ክፈርስ የብሉን፣ መሰል ብሄረሰባት ክጻባእ የብሉን፣ ሕዚ ዘሎ ኣካይዳ ስርዓት ሚዛን ነዚኦም ኩሎም ዝጻባእ ብምኻኑ፡ ኣካይድኡ ክእረም ኣለዎ ዝብል ቅዋም ብሰዓቱ ኣቐሚጡ እዩ።

ኣብዛ ሃገር ክልተ ዓይነት መንግስቲ'ዩ ዘሎ፤ ክልላውን ተወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንንን ዝሓዘ ፌደራላዊ መንግስትን። በዚ መሰረት ክልላት ናይ ባዕለን ባይቶ፣ ሕገመንግስትን ተወከልትን ኣለወን።

እዚ ክልላዊ ባይቶ፡ ኣነ ኣብ ክልለይ ሰላም ኣለኒ'ዩ፤ መረጻ ከካይድ'የ እንተይሉ፡ መረጻ ናይ ምክያድ መሰልን ስልጣንን ስለ ዘለዎ ይኽእል'ዩ።

ኾይኑ ግን፡ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ሃገራውን ክልላውን መረጻ ከካይድ ነጻን ዘይሻራውን ኮይኑ ዝተጣየሰ ሓደ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ'ዩ ዘሎ ይብል። ብመሰረት እቲ ሕገመንግስቲ ክልላት ቦርድ መረጻ የብለንን።

ስለዚ፡ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ክልለይ ሕጋዊ መንግስቲ ንከጣይስ፡ ኣብ ክልለይ መረጻ ከካይድ ስለ ዝኾንኩ፡ ኣተሓባብር ዝብል ሕቶ ናብቲ ቦርድ መረጻ ብምቕራብ ኩሉ ምድላዋት ክገብር፡ ክሓትት ኣለዎ እምበር ባዕሉ ኮሚሽን መረጻ ኣጣይሱ መረጻ ከካይድ ኣይኽእልን።

መረጻ ክመርሕን ክእውጅን ዝኽእል ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ጥራሕ ብምኻኑ፡ ካብኡ ወጻእ ዘሎ ካልእ ትካል መረጻ ኣካይዱ ክእውጅ ንስኻ ኢኻ ተዓዋቲ ክብል ኣይኽእልን።

ኣብ ትግራይ ዘለው ተወከልቲ ባይቶ ህዝቢ ፌደራል ግን ንብሕቶም እቲ ባይቶ ስለ ዘይመልኡዎ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት መረጻ እንተዘይተኻይዱ ኣብ ፌደራል ናይ ትግራይ ጥራሕ ፓርላማ ክህሉ ኣይኽእልን።

Image copyright Getty Images

ቢቢሲ፡ መጽሄት ወይን፡ መረፃ እንተተናዊሑ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ሕጋዊ ቕቡልነት ቅልውላው ኣሳታፊ ብዝኾነ ናይ መላእ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ድሕንነትን ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይን ፅኑዕ መርገፂ ዘለዎም ናይ ክልልና ውድባት ብምዃን ብደረጃ ክልል ሕጋዊ መረፃ ምግባር ኢላ ኣላ።

ኣብቲ ክልል ግን ብደረጃ ሃገር ዝወዳደር ሓደ ሰልፊ'ዩ ዘሎ። እዚ ሰልፊ ነቲ ዘሎ ሃገራዊ ኩነታት ቕቡል ገይሩ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝካየድ ምርጫ ኣይሳተፍን እንተይሉ፡ ህወሓት ምስ መን'ዩ ክወዳደር? እንታይ ዓይነት ምርጫ'ዩ ክኸውን?

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃመረጻ ንክካየድ ናይ ግድን ተቓዋሚ ሰልፊ ክህሉ የብሉን። መረጻ ዝካየድ'ውን ንተቓውሞ ጥራሕ ክኸውን ኣይግብኦን። ናይ ግድን ፖለቲካዊ መባልዕቲ ስለ ዘየለ፡ መረጻ ኣይካየድን ዝብል የለን።

ሓደ ፓርቲ ሃገር ለኸ ይወዳደር ስለ ዘሎ፡ [ከም ኣብነት ዓረና] ኣብ ትግራይ ስለ ዝወዳደር፡ ኣብ ካልእ ይወዳደር ስለ ዘየሎ ኣብ ትግራይ'ውን ኣይወዳደርን እሞ ሙሉእ ንሙሉእ ይናዋሕ ዝብል ነገር፡ ንዓይ ክልቲኦም ርሕቕ ዝበለ ርክብ'ዩ ዘለዎም።

ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ኣብ ትግራይ ተወዳዲረ ክዕወት'የ ኢሉ እንተሓሲቡ ክወዳደር ይኽእል'ዩ። ኣብ ትግራይ ዝጣየስ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ህዝቢ ዝተመርጸ ክኸውን ኣለዎ እንተተባሂሉ፡ እቶም ካልኦት ብናይ ባዕሎም መሓውር ገይሮም ክወዳደሩ ይኽእሉ'ዮም።

ስለዚ፡ ህወሓት ምስ መን'ዩ ክወዳደር ንዝብል፡ ህዝቢ ይጉስጉስ፣ እንተስ 40 ሚኢታዊት እንተስ 20 ሚኢታዊት ይርከብ፡ ሽዑ እቲ ናይ ኣሰላልፋ ሓይሊ ክርአ'ዩ። ግን ካብ ቅቡልነት ዘይብሉ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ዝህሉ፡ ዋላ ሓደ ፓርቲ ንበይኑ ተወዳዲሩ እንተዝዕወት'ውን ተቓውሞ የብለይን።


ሕሉፍ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ

  • ኣብ ሕሉፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ግዘ ምርጫ ተኻይዱ ኣሎ
  • ገዛኢ ሰልፊ ኢህወደግ፡ ኣብ 2010 ድሕሪ ዝተኻየደ መረጻ ብሓደ ተቓዋሚ ተታሒዛ ዝነበረት መንበር ሓዊሱ ሙሉእ መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ተዓዊቱ ተባሂሉ
  • ኣቦ መንበር ኮሚሽን ምርጫ ዝነበረ መርጋ በቃና፡ እቲ ሽዑ ዝተኻየደ ምርጫ ናጻን ፍትሓውን ነይሩ ኢሉ
  • ተቓወምቲ ሰልፊታት ግን፡ መስርሕ እቲ ምርጫ ዝተጨውየ ምንባሩ ተዛሪቦም
  • ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቲ መረጻ ሰላማውን ተኣማንን ምንባሩ ተዛሪቦም
  • ኢህወደግ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ ልፍንታዊ ገዛኢ ሰልፊ'ዩ
  • ኣብ 2005 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝተሳተፈ ፖለቲካዊ ሰልፊ ቅንጅት፡ 150 መናብር ኣብ ፓርላማ ረኺቡ ተባሂሉ ነይሩ፤ እንተኾነ እቲ ሰልፊ እዚ ቑጽሪ ውሑድ ምኻኑ ብምግላጽ ከይተቀበሎ ተሪፉ

ቢቢሲ፡ከምዚ ዓይነት መረጻ ግን ውጽኢታዊ፣ ፍትሓውን ክኸውን ይኽእል'ዶ?

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃእዞም ኩሎም ብደረጃ ዓለም ዝውግዑ መዐቀኒታት መረጻ፡ ኣብ ዓለም ይትገበሩ'ዶ ኣይትግበሩን ንግደፎ እሞ፡ እንተውሓደ ሓደ ውድብ ንህዝቢ ኣገዲዱ ምረጸኒ ከይብል፣ ጨቋኒ ከይኸውን እናወጽዐ ከይገዝእ ምግባር እዩ ዘድሊ።

20 ሰልፊ ብምህላዎም እቲ መረጻ ዲሞክራሲያዊ'ዩ ክበሃል ኣይከኣልን፤ ክልተ ብምኻኖም'ውን ዲሞክራሲያዊ ክኸውን ኣይኽእልን። እቲ ቅውም ነገር ድልየት ህዝቢ ከመይ ይንጸባረቕ ዝብል'ዩ።

ስለዚ ህዝቢ ዝኣምኖ ውድብ ኮይኑ ከይተገደደ'ዶ ይመርጽ ኣይመርጽን ዝብል ክቕድም ኣለዎ። መማረጺ ብምህላዩ ጥራሕ ሓደ ፓርቲ ፍትሓዊ መረጻ ኣካይዱ ክበሃል ኣይኽእልን።

ብኻልእ ወገን፡ መማረጺ ከይሓዘ በይኑ ዝወዳደር ፓርቲ እንትህሉ፡ ህዝቢ እንታይ'የ ድኣ ክመርጽ? ኣብ ሞንጎ እንታይ'ዩ ዘሎ እቲ መማረጺ? ክብል ስለ ዝኽእል፡ ንኡሽቶ ዘይፍትሓውነት ትርእየሉ። ኮይኑ ግን፡ ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን መንግስቲ ካብ ዝህሉ ግን፡ ምስ ጸገማቱ መረጻ ምክያድ ዝሓሸ ኣማራጺ'ዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኮሮጆ መውሃቢ ድምጺ ምርጫ

ቢቢሲ፡ መረጻ ግን ዝካየድ ይመስለካ'ዶ?

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃሕዚ ብርክት ዝበሉ ሃገራውን ክልላውን ምዕባለታት መጺኦም ኣለው። ጸገም ጸጥታ ድዩ ወይ ናይ ቅሩብነትን ድልውነትን ጸገም ዝብል ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ድማ መረጻ ከም ዘይካየድ ሕዚ ግልጺ ኮይኑ ኣሎ።

ናይ ሎጀስቲክስን ግዘን ጸገም ዘይኮነስ፡ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ መረጸ ንክካየድ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ስለ ዘየርኣየ፡ መረጻ ክካየድ ኣይኽእልን።

እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር መረጻ ክካየድ'ዩ ካብ ዝብሎ ወጻእ፡ ዝተርኣየ ነገር የለን። ካልእ ተሪፉ ዓብዪ ምድላው ዝተገበረሉ 'ሪፈረንደም' ሲዳማ ንምክያድ'ውን ረይረይ'ዮም ዝብሉ ዘለው።

እቲ ሃገራዊ መረጻ'ውን፡ ኮነ ተባሂሉ ክናዋሕ ዝግበር ዘሎ ይመስለኒ። እቲ ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም መንግስቲ ክፈትሖ ምኽኣለ ነይሩ፤ ኣብ ገሊኡ መሓውር የብሉን ኣብ ገሊኡ ድማ ኮነ ኢሉ ክጋደድ ይገብር ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ መረጻ 2012 ንምክያድ ዘኽእል ምውዕዋዕ ኮነ ካልእ ምንቅስቓስ ስለ ዘይርአ ዘሎ፡ ከም ናተይ መደምደምታ መረጻ ኣይካየድን።


መረጻ እንተዘይተኻይዱ ክህልው ዝኽእሉ ተርእዮታት [Scenarios]

  • እቲ ፓርላማ ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝገበሮ ቖጸራ ህዝብን ኣባይትን ኣናዊሑ፡ ንሓደ ዓመት መረጻ'ውን ናይ ባዕለይ ስልጣን ኣናዊሐዮ'የ ክብል ይኽእል፤ እዚ ዘይሕገመንግስታዊ'ዩ።
  • እታ ኣብ ሕገመንግስቲ ዘላ ዕድመ ሓደ ፓርላማ ሓሙሽተ ዓመት'ያ፡ ንዕኣ ዘመሓይሽ ሓሳብ ከቕርብ ይክእል'ዩ።
  • ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ምእዋጅ ድማ ካልእ ኣማራጺ ኮይኑ ክመጽእ ይኽእል
  • ሙሉእ ንሙሉእ እቲ ሕገመንግስቲ ኣጀንዳ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ ብዛዕባ መረጻ ኣይነውግዕን፤ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ስለ ዘቕረበለይ ብምባል ስቕ ኢሉ ኣናዊሐዮ እየ ክብል ይኽእል።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃ


ካልእ ዓብዪ ጸገም፡ ኢህወደግ ባዕሉ ፈሪሱ'ዩ።

ከምቲ ኣብ ሕክምና ዝጸንሐ ሓደ ሰብ ህይወት ክሓልፍ ብሓኪሙ ሞይቱ ተባሂሉ ዝንገር፡ ብኣዋጅ'ዩ ዘይተነግረ እምበር፡ ኢህወደግ ብብዙሕ መልክዑ ሓድነት የብሉን።

ብሓባር ተኣኪቦም ተቐራሪቦም ዝዘራረቡ ኣይመስለንን፣ ስለዚ ከም ግንባር ብሓባር ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን።

ከም ኢህወደግ እንተፈሪሱ፡ ብቐጥታ መንግሰቲ ይፈርስ ኣሎ ማለት ማለት'ዩ። ድሕሪ እዚ ቅቡልነት ዘለዎ መንግስቲ ስለ ዘይህሉ፡ ዕድል እዛ ሃገር እንታይ'ዩ ክኸውን ዝብል የተሓሳስበካ።

ቢቢሲ፡ ካልእ፡ መጽሄት ወይን፡ ኣብ ትግራይ 'መንግስታዊ ቁመና' ክቐውም ጠሊባ ኣላ። እንታይ ማለት'ዩ? እንታይ ዘመላኽቶ ነገር ኣሎ?

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃብሕጊ ዓይኒ 'ዲፋክቶ ስቴት' ዝበሃል የለን። ብኹሉ መለክዒ ድማ፡ ትግራይ ሕዚ ክልል እያ።

ሓደ መንግስቲ ፌደራል፣ ትሸዓተ ክልላትን ክልተ ዓርሰን ምምሕዳር ዝኸኣላ ከተማታትን [ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን] ኣለዋ። ካብኡ ወጻእ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካልእ ሃገር የለን።

እቲ 'ዲፋክቶ ስቴት' ዝበሃል ዘሎ ዓርሱ ዝኸኣለ ስርዓት ምሕደራ፣ ጸጥታ፣ ሰላም ኩሉ ኣረጋጊጽኻ ምኻድ ይከኣል'ዩ ዝብል እንተዘይኮይኑ፡ ከም ሃገር እትሰርሐሉ መገዲ ውጥጥ ዝበለ'ዩ። ክትብሎን ክትትግብሮን ዝተፈላለየ'ዩ።

'ዲፋክቶ ስቴት' ከም ሓደ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፡ ብጽሑፍ ከም ሓሳብ መጺኡ ሃገረ መንግስቲ ናይ ምምስራት፡ ኣንፈት ዘትሕዝ ክኸውን ይኽእል። ትግራይ መጻኢ ዕድላ እንታይ'ዩ? ዝብል'ውን ከመላኽት ይኽእል'ዩ፤ ግን ብዙሕ ክበስልን ክሕሰበሉን ዝግብኦ ነገር'ዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ርክብ ብዙሕ ጸገማት ዋላ እንተሃለዎ፡ ብዙሕ ምትእስሳር ስለ ዝነበረ፣ ናይ ሓባር ቑጠባ፣ ሃብቲ፣ ዕዳን ካልእን ስለ ዘሎ፡ ስቕ ኢልካ ኣይትወጽእን።

ከመይን ኣበይን ዝብል ክጽናዕ ኣለዎ። ካብ ናይ መንግስቲ ፌደራል ጽግዕተኝነት ተናጊፍካ ብናይ ባዕልኻ መሓውር ምንቅስቓስ እንተኾይኑ ልክዕ'ዩ።

እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ፡ ንመንግሰቲ ፌደራል ኣይእዘዝን፣ ርክብ የብለይን፣ ዝብል መልክዕ ኣለዎ ኢለ ድማ ኣይርድኦን።

ቢቢሲ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ሃገራዊ ፖለቲካ፡ ብዙሓት ዘይጸረዩ ነገራት ዝሓዘ ብምኻኑ፡ ኣብ ማእኸል ህዝቢ ግዳይ ከይኸውን ኢሎም ዝሰግኡ ኣለው። ንስኻ እንታይ ትብል?

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃሕዚ ህዝቢ እንታይ'ዩ ዝደሊ? ስምዒት ህዝቢ ትግራይ እንታይ'ዩ? ዝብል፡ ካብቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ሕልፍ ኢልካ እንተዝርአ፡ እንተዝጽናዕ እየ ዝብል። ነቲ ብዙሕ መዓልቲ መስዋእቲ ዝኸፈለ ገባር ናብ ዘይድለ መስዋእቲ ንከይነእትዎ ይሰግእ።

እቲ እንሪኦ ዘለና ፖለቲካዊ ምትፍናንን ኮፍ ኢልካ ዘይምዝርራብን፡ እቲ ምስ መኸተ ኣንበጣ ዝቃለስ ዘሎ ገባራይ ዘየድሊ ዋጋ ከየኽፍሎ ይፈርሕ ኣለኹ።

ካልእ እቲ ኣብ ፌደራል መንግስቲ ዘሎ ሓይሊ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ራኢ ዘይብሉ፣ ንኡሽቶ ናይ ምድርዳርን ምርድዳእን ባህሪ ዘይብሉ ብምኻኑ፡ ኣፈላላይ ኣጽቢብካ ሃገር ነድሕን ከይብል መዓልታዊ ስራሕቱ፡ ኣብ ህልኽ፣ ብሽሽቕ፣ ቂምን ምፍራስ ሃገርን ዝተጸመደ ህኩይን በሰሮን መንግስቲ'ዩ ተፈጢሩ ዘሎ።

ካልኦት'ውን፡ ተገሊለ ዝብል ክህልው ይኽእሉ፣ ኣይሰማዕኹምንን ኣነ እየ ሓሳብ ክህብ ዝኽእል ዝብል'ውን ክህሉ ይኽእል። ከፍ ኢሎም፡ እዚ'ዩ ድልየተይ ከምዚ ንግበር፣ ብዛዕባ ምእሳርን ዘይምእሳርን ገዲፍና እስኪ መረጻ ነኺድ ናብ ዝብል ምርድዳእ ክመጽኡ ኣይክኣሉን።

እቲ ናይ ኢትዮጵያ ጸገም ተኣኪቡ . . . ተኣኪቡ ጫፍ በጺሑ ኣሎ። እቲ 'ፖለቲካል ዲስኮርሰ'፡ ኣንፈቱ ስሒቱ፣ ምርድዳእ፣ ምስምማዕን ምድምማጽ ጠፊኡ፡ ኩሉ ኣነ ልክዕ ይብል ስለ ዘሎ፡ ንዓይ እዚ ሃናጺ ዘይኮነ ኣካይዳ'ዩ።

መወዳእትኡ ድማ ዘየድሊ ኪሳራ ከስዕብ ይኽእል'ዩ። መድመይቲ ማህሰይቲ ክህሉ ይኽእል'ዩ። ብሓፈሻ፡ ከም ሃገር ዓብዪ ሽማግለ ዝብሃል ጠፊኡ'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ