ንፋስ ሰላም ዝነፍሰለን ገለ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ

ኣርማታት ዩኒቨርሲቲ ራያ፣ ሰመራ፣ መቐለ

ቅድሚ ሕዚ ተምሳሌት ሕብረ ብሄር ኢትዮጵያ ከምዝኾና ክግለጻ ዝፀንሓ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ መኣዲ ፍልጠት ወጽየን መኣዲ ዕግርግር ካብ ዝኾና ውዒለን ሓዲረን። ኣብታ ሃገር በብግዚኡ ዘጋጥም ፖለቲካዊ ረስንታት ጉሂሩ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዝተኣጎደ ጓህሪ ከሳውሩን ዋጋ ክኸፍሉን ምርኣይ መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ዝነበሩ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ጎንፅታትን ምምዝባላትን፡ ምዕጻው ትምህርቲ ዝሓለፈ ዓመት ስዒቡ፡ እቲ ኩነታት ክመሓየሽ እዩ ዝብል ተስፋ እንተነበረ እውን፡ ሕዚ'ውን ተጋዲዱ ህይወት ሰብ ይበልዕ ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርስቲታት ወልድያን ደምቢደሎን ብዝጋጠመ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎንጺ፡ ህይወት ሰለስተ ተምሃሮ ጠፊኡ እዩ፤ ኣብዘን ዩኒቨርስቲታት ዝተርኣየ ጎንጺ ክላባዕ እዩ፡ ብዝብል ስግኣት ድማ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር እናተሓለዉ ክመሃሩ ግድን ኮይኑ ኣሎ።

ኣዱንያ ሰላም ዝተርሓዋ ዩኒቨርስቲታት

ኣብታ ሃገር ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ዝሕመሳሉ እዋን: ኣብ ክልላት ዓፋርን ትግራይን ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርስቲታት ሰላማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣሎ። እዘን ዩኒቨርስቲታት ኣብ ካልኦት ብዝረኣዩ ብሄር ተኮርን ፖለቲካውን ጎንጽን ዘይተጸለዋሉ ምኽንያት እንታይ ይኸውን ?

ካብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ደቡብ ጎንደር ዝመጽአ ሃብታሙ እሸቴ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ራያ ክፍሊ ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ ተምሃራይ ሳልሳይ ዓመት እዩ።

"ኣብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ንክትሰምዖ ዘሰቅቕ ኩነታት ከምዘሎ ኢና ንሰምዕ። እዚ ዩኒቨርሲቲ ግን ሰላም እዩ፤ ንኹሉ ብሄር ብማዕረ ዝርኢ ማሕበረሰብ እዩ ዘሎ፤ ብካልእ ቋንቋ ወይ ብኣምሓርኛ ኣውጊዕካ፡ 'ውይ ትግርኛ ኣይትኽእልን ድኻ?' ኢሉ ብሰላም ዘአንግድ ማሕበረሰብ እዩ" ይብል።

መንእሰይ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ደገ ንዘለዉ ፖለቲከኛታት ስለዘይለኣኣኽ፡ ኣብ ደገ ዘሎ ሰላም ነዚ ዩኒቨርሲቲ ይጸልዎ እዩ ዝብል ተምሃራይ ሃብታሙ፡ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ኣመራርሓ'ውን ንኹሉ ተምሃራይ ብማዕረ ዓይኒ ከምዝርእይዎ ይዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ራያ ዕግርግር ንምልዓል ዝተፈተነ ተርእዮ ነይሩ፤ 37 ተምሃሮ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ድማ፡ ብፍቓዶም ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ክወጽኡ ሓቲቶም። ብምንታይ ምኽንያት ክንብል? ንምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ራያ ዶክተር ነጋ ዓፈራ ተወኪስናዮም።

"ኣብ ዝሓለፈ 1 ሕዳር ዝተወሰኑ ተምሃሮ፡ ብናይ ጽሑፍ መልእኽትን ብስልክን እናፈራርሑ፡ ኣብዚ ንዓና ኣስጋኢ እዩ፤ ተጋሩ ተምሃሮ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣይከዱን፡ ስለዚ ዝሓሰቡልና ነገር ኣሎ ማለት እዩ፡ ስለዚ እንከይቀደሙና ንቐድሞም፡ ዝብል ፖለቲካዊ ጎስጓስ ከካይዱ ጀሚሮም" ዝብሉ እቶም ምክትል ፕረዚደንት፡ ክሳብ 100 ዝኾኑ ተምሃሮ ነቲ ዕላማ እንከይፈለጡ ተኸቲሎምዎም 'ዮም ኢሎም።

"ዝሓሰብዎ ደም ምፍሳስ ስለዘይሰመረ...."

ይኹን'ምበር ኣካላት ጸጥታ፣ ኣካላት ምምሕዳር መድረኽ ፈጢሮም ምስ ኣዘራረብዎም ግና፡ እቶም ብዘይፍላጥ ዝሰዓብዎም ተምሃሮ ከምዝተጠዓሱ ይገልጹ።

"ከምዚ ዓይነት ዕላማ ዘለዎም ምዃኑ ኣይፈለጥናን፤ ብሱሩ'ውን ክሳብ ህውከትን ትምህርቲ ምቁራጽን ዝበጽሕ ዕላማ ሒዞም ምንቅስቓሶም ንዓና ዝጎድእ እዩ፤ ብዘይፍላጥና ኢና ተኸቲልናዮም፡ ይቕረታ ኢሎም ተመሊሶም" ይብሉ።

"እቶም ካብ መፈለምትኡ ካልእ ዕላማ ሒዞም ዝተበገሱ ግን ኮነ ኢሎም ቀጺሎምሉ"፡ ዝብሉ ዶክተር ነጋ፡ ብማሕበረሰብ እቲ ከባብን እቲ ዩኒቨርሲቲን እንተተመዓዱ'ውን፡ ንክመሃሩ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም፡ ብፍቓዶም ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝለቐቑ ሓቢሮም።

"እታ ዝሓሰብዋ ደም ምፍሳስን ሰላም ናይ ምህዋኽን ዕላማ ስለዘይሰመረት፡ ከም ኹራ ብህልኽ፡ 'ሰላም ኣሎ፣ ጽልዋ ኣይበሕጸሐናን፡ እንሓቶ መሰረታዊ ሕቶ'ውን የለን፡ ግን ክንለቅቕ ፍቐዱልና' ስለዝበሉና ብመሰረት ኣሰራርሓ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፡ ክሊራንስ ፈሪሞም ንክወጽኡ ፈቒድናሎም።

ኣመራርሓ ሕብረት ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝኾነ ተምሃራይ ሃብታሙ እሸቴ፡ ነቶም 'ፈተነ ዕግርግር ዘልዓሉ ተምሃሮ' ትምህርቶም ንክቅጽሉ ከምዝተማሕጸኖም ይዛረብ።

"ንሕና ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ዓመት ተምሃሮ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብዚ እንትንመሃር ጸገም ኣይገጠመናን። ንሕና'ውን ካብ ጎጃም፣ ሸዋን ወሎን ኢና መጺእና ንስኹም ፍሉያት ኣይኮንኩምን። ኣይኮነን'ዶ ክትከዱ፡ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ትሓስብሉ ግዘ ኣይነበረን፤ ሕዚ ከይድኩም ንስድራ ካብ ምጭናቕን ነገራት ካብ ምግዳድን ሓሊፍኩም፡ ፖለቲከኛታት እዮም ክጥቀምልኩም ኢለ ብጣዕሚ ተዛሪበዮም እየ" ይብል።

እቲ ሕመረት ሰላም ካበይ'ዩ?

ኣብቲ ከባቢ ጥራሕ እንተይኮነስ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፍጹም ሰላምን እቲ ማሕበረሰብ እውን ትርጉም ሰላም ዝርዳእ ምዃኑን፡ ዩኒቨርሲቲ ራያ ሰላም ክኸውን ክኢሉ ዝብሉ ዶክተር ነጋ ዓፈራ፡ ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ 'ውን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዘጣይሽኦም ውዳበታት ብተወሳኺ፡ እቲ ከባቢ ሰላም ዝዓሰሎን ንሰላም ዋጋ ዝህብን ማሕበረሰብ ክረጋገጽ ይግባእ፤ እንተዘይኮይኑ ዩኒቨርስቲታት ጥራሕ ናይ ሰላም ደሴት ክፈጥሩ ኣይኽእሉን ዝብል እምነት እዩ ዘለዎም።

መጽናናት ኣበበ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ተምሃሪት ካልኣይ ዓመት እያ። ካብ ክልል ደቡብ ከተማ ኣዋሳ ዝመጽአት መጽናናት፡ "ዪኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት እንትወዳደር፡ ሰላማዊ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ፍጹም ሰላማዊ እዩ" ብምባል እያ ትገልጾ።

"ኣብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ዘለዉ ኣሕዋትና ኣብ ከመይ ዓይነት ኩነታት ከምዘለዉ ንፈልጦ ኢና። ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምምሃርና ዕድለኛታት ኢና፤ ከም ክልል'ውን ክልል ትግራይ ሰላም እዩ፤ እቲ ማሕበረሰብ ድማ ደቅና ኢኹም ኢሉ እዩ ተቐቢሉና፤ ኣብ ናይ ኣደና ገዛ ከምዘለና እዩ ዝስመዐና። ስለዝኾነ ድማ፡ ናይ ኩላትና ስድራ ቀሲኖም እዮም፣ ኣነ'ውን ኣብዚ ብምምሃረይ ሕጉስቲ እየ" ትብል።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ዝርከቡ ተምሃሮ ካልኦት ክልላት ብዝሓደሮም ስግኣት እቲ ቐጽሪ ለቒቖም እዮም

ልዕሊ ትሽዓተ ሽሕ ተምሃሮ ተቐቢሉ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ'ውን፡ ካብቶም ንፋስ ሰላም ዝነፍሰሎም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሓደ ኮይኑ፡ 'ኣምባሳደር ሰላም' ብዝብል መሪሕ ድማ ይንቀሳቐስ። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሕጽረት መሰረተ ልምዓት ምህላውን እቲ ከባቢ ብተፈጥሮ ዘይምቹው ምዃኑን ተደራሪቦም፡ ተምሃሮ ናዕቢ ንከልዕሉ ምኽንያት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝገልጹ፡ ምክትል ፕረዚደንት ጉዳያት ምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ኣይተ መሓመድ ኢብራሂም፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ሰላማዊ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

"እቲ ቀንዲ ሚስጥር ሰላም ዩኒቨርሲቲ ሰመራ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲና፡ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕላዋይ ፕረዝደንት ዘሎ ኣመራርሓ|፡ ብቐረባ ምርካብ ስለዝኽእሉ እዮም። ፀገማት እንተጋጥሙ ኩላትና ተምሃርን መምህርን ከምኡ'ውን ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲን፡ ሓቢርና ስለንፈትሖም እዩ። ፀገማት ሱር ንከይሰዱን ናብ ዘይተደለየ ኣንፈት ከየምርሑን ንጽዕር ኢና፤ ፀገማት እንተጋጥም፡ ንተምሃሮና ቀልጢፍና ስለንበጽሐሎም እዩ" ይብሉ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ተምሃሮ ብተወሳኺ፡ ካብ ዝሓለፈ 2011 ጀሚሩ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ምምሕዳር እቲ ከባቢን ስሙያት ሰባትን ብኣባልነት ዘካተተ 'ቤት-ምኽሪ ሰላም' ከምዝተጣየሸን፡ እዚ ባይቶ ንሰላም እቲ ዩኒቨርሲቲ ጥራሕ ዝከታተልን ከምዝኾነ፡ ኣይተ መሓመድ ይዛረቡ።

"ተምሃሮና ብመሰረት ዝመጽእሉ ዕላማ ኣብ ትምህርቶም ጥራሕ ንከድህቡ፡ ካብ ኣቀባብላ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ዓመት፡ ስራሕ ተኸፋፊልና ሓቢርና ኢና ንሰርሕ፤ ዘይተሓሰቡ ጸገማት እንተጋጥሙ ድማ፡ እዞም ኣካላት ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ኩነታት እዩ ዘሎ" ዝብሉ ኣይተ መሓመድ፡ እቲ ማሕበረሰብ ባዕሉ ነቶም ተምሃሮ ከም ደቁ ከምዝርእዮም ሓቢሮም።

ዝመጻእናሉ ማሕበረሰብ ምርሳዕና እዩ እቲ ጸገም ዝብል ተምሃራይ ሃብታሙ እሸቴ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝመጻእናሉ ዕላማ ኣይንዘንግዕ ክብል ይምሕጸን።

"ጥራሕ እግሮም ዝኸዱ ወለድና ረሲዕና......"

"ካብ ዘለናሉ ድኽነት ኢና ክንናገፍ ዘለና፡ ኣነ ሕዚ ትምህርተይ ወዲአ ንርእሰይ ክኽእል እየ ዝደልይ፤ ጥራሕ እግሮም እናኸዱ፡ ንዓና ናብዚ ዝለኣኹና ወለድና ረሲዕና ናብ ዘይረብሕ ነገር ክነምርሕ የብልናን" ይብል።

"እዚ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ዘጋጠመ ሞትን ኩሉ እናፈለጠ እዩ፡ ንዓና ሓቢኡ ኣጽሊሉና ዘሎ፣ ምስቲ ማሕበረሰብ ናይ ኣደን ውላድን ርክብ እዩ ዘለና" ብምባል ነቲ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ትግራይን ዘሎ ሃዋህው ሰላም ትገልጾ ተምሃሪት መጽናናት፡ እቲ ኣብ ካልእ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ናብ ግጉይ መገዲ እንትኸዱ ከም ውላዱ ክምዕድን ክግስጽን ይግባእ ትብል።

"እቲ መፍረይ ሓይሊ መንእሰይ'ውን ፡ ከልምዕን ከጥፍእን ይኽእል እዩ፤ ስለዚ ህዝባ ተሓላልዩ፣ተፋቒሩ ዝነብረላ፡ ጋሻ ተቐባሊት ሃገር ንፍጠር" ብምባል ሓሳባ ትዛዝም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ተወልድቲ ትግራይ ይፍጸም ብዝነበረ መጥቃዕቲ፡ ቁጽሮም ቀሊል ዘይበሃል ተምሃሮ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ዝበኾሩ እንትኾኑ፡ ተምሃሮ ኣብ ክልሎም ንክምድብ ዝጠልቡ ሰልፍታት'ውን ተኻይዶም። ግን፡ እተን ትካላት ትምህርቲ ዋንነት ፌደራል ብምዃነን፡ ተምሃሮ ኣብ ዝተመደቡዎ ዩኒቨርሲቲ ክመሃሩ ኣለዎም ካብ ዝብል ልሙድ መልሲ ወጻኢ፡ ዝተውሃበ ምላሽ ኣይነበረን። እናሓደረ ፈኸም ዝብል ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎንፅታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ግን ምስ ቀጸለ እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ