ካብ ጾታዊ ርክብ ዝተሓረሙ ኢራናውያን ተጋደልቲ

ኢራናውያን ተጋደልቲ Image copyright Getty Images

ኣብ ወተሃደራዊ ሕጊ ህዝባዊ ግንባር፡ ዘይተማእከለ ጾታዊ ፍቕሪ ካብቲ ብኸቢድ ዘቕጽዕ ሕጊ እዩ ነይሩ።

ታዕሊም ወዲእካ ናብ ዝተመደብካዮ ኣሃዱታት ቅድሚ ምፍናውካ ወተሃደራዊ ሕጊ ይንበበልካ። ካብቲ ብዙሕ ዝዓንቀጻቱ ሕግታት እቲ ዝኸበደ ምስ ጓልን ጾታዊ ርክብን ዝተኣሳሰረ እዩ ነይሩ።

ሒደት ካብቲ ዝርዝራት፡ ንጓል ዝተጋሰሰ ሞት፡ ዝሰዓማ ሞት፡ ብፍላጥ ንጾታዊ ርክብ ዝደፋፍእ ዕላል ዘዕለላ ሞት... ወዘተ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ሕጊ ንመፈራርሒ ደኣ እምበር፡ ምስ ጾታዊ ርክብ ብዝተኣሳሰር ጌጋ ዝተቐትለ ሰብ ከምዘይፈልጥ ገዲም ተጋዳላይ እቲ ግንባር ብርሃነ መጎሰ ይዛረብ።

ኣብ 1979፡ ኣብቲ ውድብ፡ መርዓ ብወግዒ ቅድሚ ምፍቃዱ፡ ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ዝተረኽቡ፡ ወይ ድሕሪ ርክብ ጥንሲ ምስ ዘጋጥም፡ እቶም ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ኣወዳት ከቢድ መቕጻዕቲ የጋጥሞም ከምዝነበረ ብዙሓት ኣባላቱ ይዝክሩ።

ድሕሪ 1979 እውን እንተኾነ፡ ዘይምእኩል ጾታዊ ርክብን ዝምድናን ብኸቢድ ዘቕጽዕ ምንባሩ፡ ተጋዳሊት ኣበባ ፍስሃየ ሓንቲ ካብቶም ነቲ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ሕጊ ዝዝከሩ እያ።

ንምዃኑ፡ ንጾታዊ ርክብን ዝምድናን ብዝምልከት፡ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም፡ ከም ናይ ህዝባዊ ግንባር ዝመሳሰል ተመኩሮ ዝነበረን ውድባት ይህልዋ'ዶ ይኾና?

ቢቢሲ እቶም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክሓስቡ ዘይፍቀደሎም ኢራናውያን ተጋደልቲ እዚ ዝስዕብ ዛንታ ኣቕሪባ ኣላ።

ኣልባንያ፡ ንኢራናውያን ተቓወምቲ ጉጅለ ሙጃሂዲን ኢ-ኻልቕ ንሽዱሽተ ዓመታት ዓዶም ኮይና ጸኒሓ ኣላ። ኣማኢት ኣባላት`ቲ ጉጅለ ግን ገሊኦም ብጾታዊ ርክብ ከይሓስቡ፡ ገሊኦም ምስ ስድራኦም ከይራኸቡ ምስተኸልከሉ፡ በቲ ተሪር ሕጊ ናይቲ ጉጅለ ተማሪሮም ነቲ ውድብ ራሕሪሖምዎ ከይዶም።

ሕጂ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ኣባላት እቲ ጉጅለ ንዓዶም ክምለሱን ህይወቶም ክመርሑን ብዘይምኽኣሎምን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልባኒያ ቲራና ይሳቐዩ ኣለዉ።

"ምስ በዓልቲ ቤተይን ወደይን ካብ ዘይዛረብ 37 ዓመታት ኮይኑኒ። ዝሞትኩ`ዩ ዝመስሎም ነይሩ። "ኣይሞትኩን ኣብ ኣልባኒያ`የ ዝነብር ዘለኹ" ምስ በልክዎም ግን በኽዮም።

እታ ፈላሚት ናይ ቴሌፎን ርክብ፡ ንጎላም ሚርዛይ ንባዕሉ`ውን ከባድ`ያ ነይራ። እቲ ሕጂ ወዲ 60 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ጎላም፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ነቲ ካብ ከተማ ቲራና ውጽእ ኢልካ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝመስል መደበር ናይ`ቲ ጉጅለ ራሕሪሕዎ ከይዱ።

ሕጂ ኣብ`ታ ከተማ ብብዙሕ ጸገም ይነብር። ብዙሕ ጣዕሳ ኣለዎ። እቶም ብጾቱ ዝነበሩ ሙጃሂድን ከይተረፉ፡ ንመንግስቲ ኢራን ይስሊ እዩ ኢሎም ይወቕሱዎ እዮም።

እቲ ጉጅለ ህዉጽን ደማውን ታሪኽ ኣለዎ። ከም እስላማውያን ማርክሳውያን ሕሉፋት መጠን፡ ኣባላት`ቲ ጉጅለ ነቲ ኣብ 1979 ንመንግስቲ ሻህ ናይ ኢራን ዝዓለወ ሰውራ ደጊፎም። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ዝምድንኦም ምስ`ቲ ዝተዓወተ ኣያቶላ ኾመይኒ ሓርፊፉ። እቲ መንግስቲ ከቢድ ስጉምትታት ክወስድ ምስ ጀመረ ድማ እቶም ሙጃሃዲን ህይወቶም ንምድሓን ሃዲሞም።

ጎረቤት ሃገር ዒራቕ ዑቕባ ሂባቶም። ኣብ`ቲ ናይ 1980-1988 ኲናት ኢራንን ዒራቕን ድማ ኣብ ምድረበዳዊ ፍቕያኦም ኮይኖም ኣብ ጎኒ ሳዳም ሑሴን ኣንጻር ሃገሮም ተሰሊፎም።

ጎላም ሚርዛይ ብሓይልታት ሳዳም ሑሴን ዝተማረኸ ወተሃደር ኢራን`ዩ ነይሩ። ምሩኽ ኮይኑ ድማ ንሸሞንተ ዓመት ኣብ ዒራቕ ተታሒዙ ነይሩ። ዳሕራይ ግን ሚርዛይን መሰልቱን ኢራናውያን ምሩኻት ምስ ሓይልታት ደቂ ዓዶም ክጽንበሩ ተተባቢዖም፡ ንሱ ከኣ ተጸምቢርዎም።

ሚርዛይ ሕጂ "ካብ ብጾቱ ዝተነጸለ`ዩ"፡ ሓደ ካብ`ቶም ናብ ኣልባኒያ ምስ ገዓዙ ነቲ ጉጅለ ዝራሕርሑ ኣማኢት ኣባላት`ቲ ጉጅለ`ዩ። ገሊኦም ካብ ቤተሰብ ዝረኸብዎ ገንዘባዊ ሓገዝ ተጠቒሞም ንኣስገርቲ ዶብ ናብ ኤውሮጳ ከስግርዎም ገንዘብ ከፊሎም። ምናልባት ክልተ ኸኣ ናብ ኢራን ተመሊሶም። ብደርዘናት ዝቑጸሩ ግን ሃገር-ኣልቦ ኮይኖም ወግዓዊ ስራሕ ክሰርሑላ ኣብ ዘይካሉ ከተማ ቲራና ተሪፎም።

እሞ ከመይ ገይሮም ደኣ`ዮም እዞም ብውግእ ዝተረሩ ኣባላት`ዚ ብኣሜሪካን ኤውሮጳን ግብረ-ሽበራዊ ተባሂሉ ተኾኒኑ ዝነበረ ጉጅለ ናብ`ዚ ኩርናዕ ናይ ኤውሮጳ መጺኦም?

ኣብ 2003፡ ወራር ሓይልታት ኪዳን ንህይወት`ቲ ጉጅለ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዎ። እቲ ጸግዒ/ጸዋናይ ናይ`ቲ ጉጅለ ዝነበረ ሳዳም ሑሴን ብሃንደበት ተዓልዩን ተቐቲሉን። እቲ ጉጅለ ሙጃሃዲን ድማ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ወሪድዎ።

ኣማኢት ተቐቲሎምን ቆሲሎምን። ዝኸፍአ ሰብኣዊ መዓት ከይስዕብ ዝሰግአ መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ፡ ኣብ 2013 መንግስቲ ኣልባኒያ ኣስታት 3,000 ኣባላት`ቲ ሙጃሃዲን ተቐቢሉ ኣብ ቲራና ከዕቁብ ኣእሚኑዎ።

"ካብ መጥቃዕትን ግፍዕን ከነድሕኖምን ንቡር ህይወት ክመርሑን ኢልና ኢና ተቐቢልናዮም" ይብል መራሒ ናይ`ቲ ሽዑ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሕጂ ተቓዋሚ ሰልፊ ዲሞክራሲ።

ፖለቲካ ኣልባኒያ ዝተኸፋፈለን ዝተረሓሓቐን`ዩ። ኩሉ ነገር ኣዋጣጢ`ዩ። ፍሉይ ብዝኾነ ኩነት ግን ህላወ ናይ`ዚ ጉጅለ ኣየዋጥጥን። ክልቲኦም እቲ መንግስትን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ነቶም ኢራናውያን ኣጋይሾም ይድግፉ።

ነቲ ጉጅለ፡ ህይወት ኣብ ኣልባኒያ ፍጹም ሓድሽ ሃዋህው`ዩ ነይሩ። ንጎላም ሚርዛይ ቆልዑ ከይተረፉ ሞባይል ቴለፎን ሒዞም ምርኣዩ ደንጽዩዎ`ዩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ፡ ገለ ኣባላት`ቲ ሙጃሃዲን ኣብ ወሰናስን ናይ`ታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ኣፓርታማታት ሰፊሮም ብምንባሮም፡ ቁጽጽር`ቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ቁሩብ ፈዂሱ።

Image copyright Getty Images

እቲ ጉጅለ ኣብ ኢራን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኩሉ ህይወት ናይ`ቶም ኣባላቱ ይቆጻጸር ነይሩ። ኣብ`ዚ ኣብ ኣልባኒያ ግን ዝተወሰነ ናጽነት ረኺቦም።

"ብድሕሪ`ቶም ንነብረሎም ዝነበርና ኣፓርታማታት ክፉት ቦታ ነይሩ። እቶም ኣዘዝትና ድማ መዓልታዊ ኣብኡ ምውስዋስ ኣካላት ክንገብር ይእዝዙና ነይሮም" ይብል ሓደ ካብ`ቶም ንጹላት ኣባላት ዝኾነ ሓሰን ሔይራኒ"።

ሔይራኒን ብጾቱን ከውሊ ናይ ኣግራብን ቆጥቋጥን ተጠቒሞም ኣብ`ቲ ከባቢ ናብ ዝነበሩ ኢንተርኔት -ካፈ ከይዶም ደሃይ ስድራ ቤቶም ይገብሩ ነይሮም።

"ኣብ ዒራቕ እንከለና፡ ደሃይ ቤተሰብ ክንፈልጥ እንተፈቲንና፡ እቲ ውድብ ከም ድኹማት ይርእየና ነይሩ። በ`ዚ ምኽንያት ድማ ምስ ቤተሰብና ዝምድና ኣይነበረናን" ኢሉ ንሱ። "ናብ ቲራና ምስ መጻእና ግን፡ ኢንተርኔት ንውልቃዊ ጥቕምና ኣውዒልናዮ" ይብል።

ኣብ መወዳእታ ናይ 2017 ግን፡ እቲ ጉጅለ ናብ ሓድሽ መዓስከር ግዒዙ። እቲ መዓስከር ካብ ከተማ ቲራና ኣስታት 30 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ሓደ ጸድፊ ዘለዎ ገጠራዊ ቦታ ናይ ኣልባኒያ`ዩ ተደኲኑ። ዘይተዓደሙ ጋዜተኛታት ክኣትዉ ኣይፍቀድን።

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ግን "ንኢራን ሓራ ኣውጽእ" ኣብ ዝተሰምየ ጽምብል ኣሽሓት ሰባት ተሳቲፎም። ካብ ምሉእ ዓለም ዝመጽኡ ፖለቲከኛታት፣ ደረኽቲ ኣልባናውያንን ብዙሓት ነበርቲ ናይ`ቲ ከባብን ነቶም ኣሽሓት ኣባላት`ቲ ጉጅለን መራሒቶም ማርያም ራጃቪን ተጸምቢሮሞም። ውልቃዊ ጠበቓ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝኾነ ሩዲ ጁሊያኒ ድማ መደረ ኣስሚዑ።

"እዚኦም ንናጽነት ዝተወፈዩ ህዝቢ`ዮም" ኢሉ ጁሊያኒ፡ ብዛዕባ`ቶም ሓደ ዓይነት ክዳን ለቢሶም ብጾታ ተፈላልዮም ዝተቐመጡ ኣባላት`ቲ ጉጅለ ክዛረብ እንከሎ።

"እዚ ኣምልኾ`ዩ ኢልኩም እንተሓሲብኩም ድማ ገለ ጸገም ኣለኩም ማለት`ዩ" ከኣ ኢሉ።

ከም ጁሊያኒ ዝኣመሰሉ ሓያላት ፖለቲከኛታት ነቲ ናይ`ቲ ጉጅለ ኣብ ኢራን መንግስቲ ናይ ምልዋጥ ዕላማ ይድግፉ`ዮም። መትከላዊ ፖሊሲ ናይ`ቲ ጉጅለ ምኽባር መሰል ሰባትን ጾታዊ ማዕርነትን ኣሳታፊ ዲሞክራሲ ኣብ ኢራንን የጠቓልል።

Image copyright Getty Images

ሓሰን ሔይራኒ ግን ሕጂ ነቲ ከምኡ ዝብል መትከል ኣይኣምኖን`ዩ። ኣብ ውልቃዊ ህይወቱ ብዘጋጠሞ፡ "ጨፍላቒ" ዝበሎ ምቁጽጻር መራሕቲ ዓሚ ነቲ ጉጅለ ራሕሪሕዎ። ብተወፋይነት`ቲ ውድብን ንፖለቲካዊ ብዙሕነትን ተመሲጡ`ዩ ወዲ ዕስራታት እንከሎ ነቲ ጉጅለ ተጸምቢርዎ።

"ኣዝዩ መሳጢ`ዩ ነይሩ። ኣብ ዲሞክራሲ ትኣምን እንተኾይንካ ግን ንመንፈስ ኣባላትካ ኣይትቆጻጸርን ኢኻ" ይብል ሔይራኒ።

እታ ዝኸፈአት ኩነት/መዓልቲ ናይ ሔይራኒ ሓደ ምሸት ኣብ ኣኼባ ክሳተፍ ምስተኣዘዘ`ያ ነይራ።

"ሓንቲ ንእሽቶ መዘኻኸሪት መዝገብ [ኖትቡክ] ነይራትና። ጾታዊ ድሌት እንተተሰሚዑና ኣብኡ ንጽሕሮ ነይርና። ንኣብነት፡ `ሎሚ ንግሆ ውትረት ነይሩኒ [ወይ ተሰሚዑኒ]`" ኢልካ ትጽሕፍ።

መርዓን ጾታዊ ዝምድናታትን ኣብ`ቲ ውድብ ክልኩላት`ዮም። ወትሩ ግን ከምኡ ኣይነበረን። ወለድን ደቆምን ነቲ ጉጅለ ይጽምበርዎ ነይሮም`ዮም።

ድሕሪ ፍሽለት ናይ ሓንቲ ደማዊት መጥቃዕቲ ናይ`ቲ ውድብ፡ ኣድህቦ`ቶም ተዋጋእቲ ብውልቃዊ ዝምድናታት ስለዝተሰልበ`ዩ ተሳዒርና ኢሎም። በዚ ድማ ብዙሓት ተፋቲሖም። ቆልዑ ካብ ስድረኦም ተፈልዮም ናብ መዕበዪ ቆልዑ ኤውሮጳን ካልእን ተላኢኾም። እቶም ዘይተመርዓዉ ኣባላት ድማ ክምንኑ ቃል ኣትዮም።

ዝኾነ ውልቃዊ ናይ ቀትሪ ሕልምኻ/ትምኒትካ`ውን ኣብ`ታ መዘኻኸሪት መዝገብ ከተስፍር ኣለካ ይብል ሔይራኒ።

"ንኣብነት፡ 'ኣብ ቴለቪዥን ህጻን ምስ ረኣኹ፡ ሓዳር መስሪተ ከምኡ ዓይነት ቖልዓ ክህልወኒ ተመንየ'"።

እቶም ሙጃሃዲን [ተጋደልቲ] ድማ ንኹሉ`ቲ ኣብ`ታ መዘኻኸሪቶም ዘስፈርዎ ጽሑፋት ኣብ ቅድሚ መራሒኦምን ብጾቶምን ከንብብዎ ኣለዎም።

"ዝኾነ ሰብ ከምኡ ክገብር ከቢድ`ዩ" ይብል ሔይራኒ። ነቲ መዓስከር ናይ`ቲ ጉጅለ ድማ ምስ`ታ ንመነባብሮ ሶቬት ሕብረት ኣብ እዋን ስታሊን እትነቅፍ ኣኒማል ፋርም እተባህለት ልብ ወለዳዊት መጽሓፍ ናይ ጆርጅ ኦርዌል የመሳስሎ። "ኣምልኾ`ዩ" ድማ ይብል።

ሓደ ኣብ ቲራኒያ ዝመደበሩ ዲፕሎማት ግን "ኣምልኾ ኣይኮነን፡ ግን ከምኡ ዝመስል ባህላዊ ጉጅለ`ዩ" ኢሉ ይገልጾ።

እቲ ውድብ ንቢቢሲ ቃለ-መሕትት ምሃብ ፍቓደኛ ስለዘይኮነ፡ ቢቢሲ ነዚ ብዛዕብኡ ዝበሃል ነገራት ከረጋግጽ ኣይከኣለን። ኣብ`ታ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀጻዕቲ፣ ዕጹዋትን ዴሳውያን ስርዓታት ዘሕለፈት ሃገረር ኣልባኒያ ግን ምስ መሪሕነት`ቲ ውድብ ምድንጋጽ ኣሎዋ። ብውሑዱ ኣብ ጉዳይ እገዳ ውልቃዊ ዝምድናታት።

"ኣብ ጽንኩር እዋናት፡ ጽንኩራት ኣማራጺታት ኢኻ ትወስድ" ትብል ደራሲት፣ ተጣባቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮን ኣባል ባይቶ ኣልባኒያ ዝነበረትን ዳያና ኩሊ።

"ንሃገሮም ካብ`ቲ ምልካዊ ስርዓት ንምንጋፍ ዕድሚኦም ምሉእ ክቃለሱ ቃል ኣትዮም`ዮም። ሓደ ሓደ ጊዜ ዕላማኻ ንምስኻዕ ዝውሰድ ሓያል እምነት ምቕባል የሸግረና`ዩ። እዚ ውልቃዊ ተወፋይነት`ዩ፡ ኣጋውለ-ኣኣምሮ/ኣተሓሳስባ ምዃኑ ኸኣ ይርድኣኒ`ዩ" ድማ ትብል።

ገለ ኣልባናውያን ግን ህላወ ናይ`ቲ ጉጅለ ኣብ ሃገሮም ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ`ዩ ኢሎም ይሻቐሉ።

ክልተ ኢራናውያን ዲፕሎማሰኛታት ኣንጻር`ቲ ጉጅለ ነውጻዊ ውዲት ነይርዎም ተባሂሎም ካብታ ሃገር ተባሪሮም`ዮም። ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ኢራን ንመራሕቲ`ቲ ጉጅለ ሓዊስካ ኣብ ሆላንድ፣ ዴንማርክን ፋረንሳይን ተቓወምቲ ንምቕንጻል ኣብ ዝተገብረ ውዲት ኢድ ኣለዋ ኢሉ ጠቂኑዋ። (ኤምባሲ ኢራን ኣብ ቲራኒያ ንቢቢሲ ቃለ-መሕትት ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን)።

ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ዴሳዊ ሰልፊ ኣልባኒያ ድማ ክፍሊ ስለያ`ታ ሃገር ንልዕሊ 2,500 ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ዕጡቓት ክቆጻጸር ዓቕሚ የብሉን ኢሉ ስክፍትኡ ገሊጹ።

"ዝኾነ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኣይምተቐበሎምን ነይሩ" ድማ ይብል።

ሓደ ዲፕሎማሰኛ ድማ ብርግጽ ገለ ካብ`ቶም "ንጹላት" ንመንግስቲ ኢራን ይሰርሑ`ዮም ይብል።

ጎላም ሚርዛይን ሓሰን ሔይራኒን`ውን ሃሱሳት መንግስቲ ኢራን ምዃኖም በቲ ጉጅለ ተጠቂኖም`ዮም። ንሳቶም ግን ነቲ ጠቐነ ይነጽግዎ።

ሕጂ ክልቲኦም ናብ መጻኢ`ዮም ዘማዕድዉ። ሔይራኒ ኣብ ኢራን ካብ ዝርከቡ ቤተሰብ ብዝረኸቦ ሓገዝ ሓንቲ እንዳ ሻሂ ክኸፍት ይዳሎ ኣሎ፡ ምስ ሓንቲ ኣልባንያዊት ድማ ፍቕራዊ ምሕዝነት ጀሚሩ`ሎ። እዚ ወዲ 40 ዓመት ሔይራኒ ካብ ኩሎም ብጾቱ ዝነኣሰ`ዩ፡ ትስፉው ድማ`ዩ።

ኩነታት ጎላም ሚርዛይ ግን ኣየተኣማምንን'ዩ። ጥዕና የብሉን። ኣብ ዒራቕ ኣብ ሓደ ደብዳብ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ይሕንክስ`ዩ - ገንዘብ`ውን የብሉን።

ኣብ ህይወቱ ብዝፈጸሞም ጌጋታትን ንፈለማ እዋን ደሃይ ቤተሰቡ ምስረኸበ ብዝሰምዖ ነገርን ይሳቐ`ዩ።

ሚርዛይ ኣብ 1980 ኣንጻር ዒራቕ ክዋጋእ ምስ ከደ፡ ወዲ ሓደ ወርሒ ቖልዓ ነይርዎ። ኲናት ዒራቕን ኢራንን ምስ ኣብቅዐ ከኣ በዓልቲ ቤቱን ካልኦት ኣባላት ቤተሰቡን ንዕኡ ንምድላይ ናብ`ቲ ኣብ ዒራቕ ዝነበረ መዓስከር ናይ`ቶም ሙጃሃዲን ከይዶም። እቲ ጉጅለ ግን መሊስዎም። ንሚርዛይ ድማ ስድርኡ ብዛዕባ ምምጽኦም ኣይሓበሮን።

ኣቲ ወዲ 60 ዓመት ሚርዛይ ግን ክሳብ`ታ ድሕሪ 37 ዓመት ደሃይ ስድርኡ ዝሰማዓላ መዓልቲ፡ ብዙሕ ዝናፍቕዎን ዝብህግዎም ስድራ ከምዘለውዎ ኣይፈለጥን ነይሩ።

Image copyright HASSAN HEYRANY

"ስድራይ ክደልዩኒ ናብ ዒራቕ ከምዝመጽኡ [እቶ ሙጃሂዲን] ኣይነገሩንን። ብዛዕባ ወደይን በዓልቲ ቤተይን ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነገሩንን" ይብል ሚርዛይ።

"እዚ ኩሉ ዓመታት ብዛዕባ ወደይን በዓልቲ ቤተይን እሓስብ ነይረ። ምናልባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም እንተኾይኖም`ውን ዝፈልጦ ኣይነበረንን"።

እቲ ክሳብ ሕጂ ብኣካል ዘይረኸቦ ወዱ፡ ሕጂ ወዲ 40 ዓመት ኮይኑ`ሎ። ስእሊ ናይ ወዱ ድማ ኣብ ናይ ዋትስኣፕ ሕሳቡ ብሓበን ለጢፉ`ሎ። እቲ ዳግማይ ርክብ ምስ ስድርኡ ግን ቃንዛ ዝመልኦ`ዩ።

"ነቲ ምፍልላይን ሳዕቤኑን ብሓላፍነት ዝሕተት ኣነ`የ። ብዛዕብኦም ክሓስብ ለይቲ ብዙሕ ኣይድቅስን`የ። ወትሩ ርቡሽን ቁጡዕን`የ። ብነብሰይ ይሓፍር`የ" ይብል ሚርዛይ።

ሓፊርካ ምንባር ቀሊል ኣይኮነን። ሕጂ ድማ ሓንቲ ባህጊ ጥራይ`ያ ዘላቶ።

"ናብ ኢራን ተመሊሰ ምስ ወደይን በዓልቲ ቤተይን ክነብር`የ ዝደሊ። ንሳ`ያ ትምኒተይ" ይብል።

ጎላም ሓገዝ እንተረኸበ ኣብ ቲራኒያ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢራን ከይዱ ነይሩ። ስድርኡ ድማ ንመንግስቲ ኢራን ተማሕጺኖም ኣለዉ። ዛጊት ግን ዝሰምዖ መልሲ የለን። ብዘይ ፓስፖርትን ዜግነትን፡ ይጽበ ኣሎ - ምጽባይ ጥራይ!