ኣብ ቦሊቪያ ሓሙሽተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም

ዕግርግር ቦሊቪያ፡

ኣብ ቦሊቪያ፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ሞራሌስን ተቓወምትን ብዝተፈጥረ ጎንጺ ሓሙሽተ ሰባት ምማቶም ተፈሊጡ።

ኣብ ማእከል ጥዕና ሰካባ ዝሰርሕ ሓደ ሓኪም እቶም ሓሙሽተ ሰባት ብጥይት ተሃሮሞም ከምዝሞቱ ገሊጹ። ሰበስልጣን ቦሊቪያ ግን ብዛዕባ እቲ ሓደጋን ሞትን ዝበሉዎ ነገር የለን።

ወዲ 60 ዓመት ሞራሌስ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት'ዩ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ንሜክሲኮ ብምኻድ ዑቕባ ረኺቡ።

ሞራሌስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ድምጺ ተሰረቑ ኣሎ ብዝብል ዕግርግር እዩ ካብ ስልጣን ክእለ ተቐሲቡ። ንሱ ግን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ጉድለት ከምዘይተፈጸመን ኣበር ከምዘይብሉን እዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሞራለስ ተኪኣ ስልጣን ዝሓዘት ጄነኔ አኔዝ፡ ሞራሌስ ናብ ቦሊቪያ እንተተመሊሱ ክሲ ክኽሰስ ይኽእል እዩ ክትብል ተዛሪባ። እቲ ንሞራለስ ዝተከአ ሓዲሽ መሪሕነት ካብ ጸጋማዊ መስመር ንምርሓቕ ኣብ መንጎ ቦሊቪያን ቬንዝዌላን ንዝነበረ ርክብ ኣቋሪጹዎ ኣሎ። ልዕሊ 700 ዝኾኑ ኩባውያን ሓካይም ከኣ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው።

ዳይረክተር ሆስፒታል ሳካባ ጉዳልቤርቶ እቶም ሓሙሽተ መወትቲ ብጥይት ከምዝተሃርሙ ንአሶሽየትድ ፕሬስ ሓቢሮም። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝብልዎ እቶም ዝተቐትሉ ተቓወምቲ ሞራሌስ ናብ ሃገሩ ቦሊቪያ ንክምለስ እናሓተቱ እዮም ፖሊስ ተኲሶሙሎም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ ሞራለስ ስልጣን ዝሓዘት ሴነተር ጄነኔ አኔዝ

ጋዜጠኛ አጃንስ ፍራንስ ፕሬስ እውን ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጺቡ ኣሎ።

ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን እውን ዘንብዕ ጋዝ ተኲሶም ነይሮም። ፕሬዚደንት ነበር ሞራሌስ ከኣ ንህይወቱ ብምስጋእ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣን ለቒቑ ናብ ሜክሲኮ ዝኸደ። ስልጣን ቅድሚ ምግዳፉ እውን ኣብ መንጎ ደገፍቱን ተቓወምትን ግጭት ተኻይዱ እዩ።

ሞራለስ ምስ ቢቢሲ ሙንዶ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ መብዝሕትኦም ተዓዘብቲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ምርጫ ካብ ተቓወምቲ ሰልፍታት ስለዝነበሩ፡ ንሱ ክኽሰስ ከምዘይክእል እዩ ገሊጹ።

እታ ንሞራሌስን ተኪኣ ስልጣን ዝሓዘት ሴኔተር ጄነኔ አኔዝ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገራዊ ምርጫ ከምዝግበር ሓቢራ ኣላ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት