መንግስትን ወታሃደራትን ብሪጣንያ ገበን ኲናት ብምሕባእ ተኸሲሶም

ወታሃደራት ብሪጣንያ Image copyright PA

መንግስትን ሰራዊትን ብሪጣንያ ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ወታሃደራት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፈጸምዎ ቕትለት ብምሕባእ እተኸሲሶም።

ቢቢሲ ፓኖራማን ሳንደይ ታይምስን ዘዛረቡዎም 11 ብሪጣንያውያን መርመርቲ፡ እቶም ወታሃደራት ገበን ኲናት ከምዝፈጸሙ ዘርእይ ጭቡጥ መረዳእታ ከምዝረኸቡ ገሊጾም።

እቶም ወታሃደራት ክኽሰሱ ከምዝነበሮም ድማ ፈለጥቲ ውሽጢ ይዛረቡ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ግን ነቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ብምባል ነጺግዎ።

እቶም ሕዚ ዝቐርብ ዘለዉ መረዳእታታት፡ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ኣብ ዝነበሩ ውግኣት ዝተፈጸሙ ገበናት ይምርምሩ ብዝነበሩ ጉጅለታት ዝተረኸቡ እዮም።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣይኤችኤቲ (IHAT)ን ኦፕሬሽን ኖርዝሙርን ዝተብሃሉ መርመርቲ ጉጅለታት ገንዘብ ብምሃብ መሰኻኽር ሓቢሎም ብዝብል ክዕጸዉ ወሲኑ እዩ።

ሓደ ኣባል መርማሪ ጉጅለ ኣይኤችኣይቲ ድማ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ነቶም ገበነኛታት ናይ ምቕጻዕ ድልየት ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ፓኖራማ ተዛሪቡ።

ካሊእ ነበር መርማሪ ድማ እቶም ግዳያት ገበን ኲናት ብሕማቕ ኩነታት ከምዝተበደሉ ገሊጹ።

ካብቶም ብኣይኤችኣይቲ ተመርሚሮም ኣብ ቢቢሲ ፓኖራማ ዝቐረቡ ገበናት ሓደ፡ ኣብ 2003 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ባስራ ብወታሃደር ብሪጣንያ ዝተቐትለ ፖሊስ ዒራቕ ሓደ እዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ብወታሃደር ብሪጣንያ ዝተቐተለ ፖሊስ ረይድ ኣል ሞሳዊ

እቲ ረይድ ኣል ሞሳዊ ዝተብሃለ ፖሊስ ካብ ናይ ቤተሰቡ ገዛ ምስወጽአ እዩ እቲ ወታሃደር ብሪጣንያ ተኲሱ ኣቑሲልዎ፤ ቁሩብ ጸኒሑ ድማ ሞይቱ። ኣብቲ እዋን ሓደ ወታሃደራዊ በዓል ስልጣን ነቲ ጉዳይ ከጻርዮ ጀሚሩ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ፖሊስ ቀዲሙ ስለዝተኮሰ ንባዕሉ ንምክልኻል ክብል ከምዝቐተሎ ብምግላጽ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት እቲ ምርመራ ደው ክብል ገይሩዎ።

ሓደ ወታሃደር ብሪጣንያ እቲ ፖሊስ ቀዲሙ ከምዝተኮሰ ምምስካሩ ኣብቲ ጸብጻብ እቲ በዓል ስልጣን ተገሊጹ ይርከብ።

ኣብዚ ጉዳይ ንኸባቢ 80 ወታሃደራት ዘዘራረበ እቲ ኣጻራዪ ጉጅለ፡ ነቲ ምስክር ዝተብሃለ ወታሃደር ከምዘዛረቦን እቲ ወታሃደር ኣብቲ ከባቢ ከምዘይነበረ ምግላጹን ይሕብር።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሓው ረይድ፡ እቲ ወታሃደር ኣበይ ኮይኑ ከምዝተኮሰ የርእይ

ሓንቲ ናይተኹሲ ድምጺ ሰሚዑ ምንባሩ እቲ ወታሃደር ይዝክር፤ እዚ ማለት ድማ እቲ ፖሊስ ከምዘይተኮሰ እዩ ዘርኢ።

እቶም መርመርቲ፡ እቲ ነቲ ፖሊስ ዝቐተለ ወታሃደር ብቕትለት፡ እቲ ኣጻርየ እየ ዝብል ወታሃደራዊ በዓል ስልጣን ድማ ብምሕባእ ገበን ክኽሰሱ ኣለዎም ይብሉ። እንተኾነ ዋላ ሓደ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣይተገበረን።

ኣብ 2014 ብመንግስቲ ዝተጣየሸ መርማሪ ጉጅለ ኦፕሬሽን ኖርዝሙር 52 ክሲታት ቕትለት ክምርምር ጸኒሑ እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ