ኤርትራዊ መንእሰይ ስሳታት ኣቶ ባህልቢ ተኽለ

ባህልቢ ተኽለ Image copyright Bahlbi tecle

ኣብ 1952 ኣሸራ ኣብ እትበሃል ኣብ ጥቓ ከረን እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ ተወሊዱ። መባእታ ኣብ ዓዱ፡ ካልኣይ ደረጃ ከኣ ኣብ ከረን ተማሂሩ። ኣብ 1971 ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ወሲዱ፡ ልዑል ነጥቢ ኣምጺኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቡ።

እንተኾነ ኣብ 1972 ኣንጻር ንጉስ ሃይለስላሰ ብዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ እቲ ዩኒቨርስቲ ስለ ዝተዓጽወ፡ ንሓደ ዓመት ዝተማህሮ "ፊዚካል ሳይንስ" ኣቋሪጹ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨሪሲቲ፡ ሜጀር ማቲማቲክስ፡ ማይነር ኬሚስተሪ ንሰለስተ ዓመት ተማሂሩ።

ባህልቢ ተኽለ፡ ካብ ሓረስቶት ስድራ ቤት እዩ ተወሊዱ። ወለዱ ደቅና ከነምህር ኣሎና ዝብል እምነት ስለዝነበሮም ካብ ዝርካቦም ኣከናዊኖም ኣምሂሮሙዎ። ንሱ እውን ከም ኩሎም ደቂ ሓረስቶት ተመሃሮ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ኣብ ዕዮ ሕርሻ ንስድርኡ ይደጋገፍ ነይሩ።

ኣብቲ ፈለማ ካብ ዓሰርተ አሕዋቱ፡ እቶም ዓበይቲ ንሱን ካልኣዩን እዮም ተማሂሮም። እቶም ናእሽቱ አሕዋቱ ከኣ ጸኒሖም ቀጺሎም።

ናይ ኩሉ ተማሃራይ ሕልናን ሓሳብን፡ ተገዲስካ ተማሂርካ ኣብ ዝብጻሕ በጺሕካ ንነብስኻን ስድራኻን ሕብረተሰብካን ምሕጋዝ ስለዝነበረ እቶም ተመሃሮ ንፉዓት እዮም ነይሮም። ተገዲሶም የጽንዑ፡ ዝተዋህቦም ዕዮ-ገዛ ኣሳሊጦም ይመጽኡ፡ ብስነ ስርዓትን ትሕትናን እውን ምስጉናት ምንባሮም ተመሃሮን መማህራንን እቲ እዋን የዘንትው።

ሳርቢጂ ካብ ትብሃል ቁሸት 5-6 ኪሎ ሜተር ብእግሩ እናተጓዕዘ፡ ሕርሻን መጓሰን ትምህርትን ኣወሃሂዱ ተማሂሩ። "እቲ ህይወት ሽዑ ሕጉስ እዩ ነይሩ!" ብምባል ድማ ነቲ ናይ ቑልዕነት ግዜኡ ይዝክር ባህልቢ።

ናብ ሻብዓይ ክፍሊ ምስ ሓለፈ፡ ትምህርቲ ክቕጽል ናብ ከተማ ከረን ክኸይድ ስለዝነበሮ ኣብ ላዕላይ ከረን ናብ እትነብር ሓትንኡ ከይዱ ካብ 7-12 ክፍሊ ተማሂሩ።

Image copyright Bahlbi tecle

ኣብ 1970-1971 ኣቢሉ ተማሃራይ 12 ክፍሊ እንከሎ፡ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ካብ ኣስመራ ናብ ከረን እናኸደ፡ ኣብ መገዲ ተሓኤ ኣድብዮም ምስቀተሉዎ'ሞ እቶም ተጋደልቲ ኣብ ዑና ተራእዮም ነይሮም ዝብል ወረ ስለዝተሰምዐ፡ ከም ሕን ሕነ፡ ካብ ከረን ኣስታት 2-3 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ዖና ዝተባህለት ዓዲ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ተደብዲባ።

ሽዕኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፍጻሜ፡ ሰብ መታን ከይርእዮ ዝኾነ ሰብ ከይንቐሳቐስ ከልኪሉ። እንተኾነ ይብል ባህልቢ "እቶም ተምሃሮ 12 ክፍሊ ዝነበርና፡ ብሓይልና ተሰሪዕና ናብ ዑና ከይድና። ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ከረን፡ ድሮ ብዛዕባ እቲ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ወረ ስለዝነበሮም፡ 'ኣይትኺዱ' እናተባህሉ ነቲ ኩነታት ክርእዩ ብገዛእ ፍቓዶም ከይዶም።

"ነቶም ኣብ ፈቐድኡ ወዲቖም ዝጸንሑና ኣማኢት ሬሳታት ከኣ ምስቶም ካብ ብሱል ጥረ ዝወጽኡ ውጻዕ መዓት ህዝቢ ኮይንና ኣልዒልናዮ" ክብል ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ ይህብ። እተን ኣዴታት እናበኸያ፡ "እዚኣ እገሊት እያ፡ እዚ እከለ እዩ" እናበላ ሬሳታት የላልያ ምንባረን ይዝክር እሞ፡ ብሕዙን መንፈስ "እቲ ፍጻሜ ክሳብ ሕጂ ቅጅል እብለኒ - እራኣየኒ!" ይብል፡ ንጽባሒቱ እውን ኣብ በስጊደራ ንዝተፈጸመ ካልእ ዘስካሕክሕ ቅትለት እናዘከረ።

ነቲ ናይ ዑና ሬሳታት ምስ ረኣዩ ዝሓመሙን፡ ክልተ ሰለስተ ሰባት እውን ብስምባደ ዝለመሱን ምንባሮም ይዝክር ባህልቢ።

ከረን ከኣ ዓዲ ተጋደልቲ እያ ትብሃል ስለዝነበረት፡ ኣብ 12 ክፍሊ ብስሩዕ ዝምህር ናይ ኣምሓርኛ መምህር ኣይነበረን። ተመሃሮ ዋላ ኩሉ ዓይነት ትምህርቲ መሉእ ኣምጺኦም፡ ብቛንቋ ኣምሓርኛ እንድሕሪ ተሪፎም ናብ ዩኒቨርስቲ ኣይኣትዉን እዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙሕ ተምሃራይ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእቱ ነጥቢ ኣይረክብን ነይሩ።

ኣብታ ናቶም ዙርያ ንኣብነት ካብ 63 ተማሃሮ 3 ሰብ ጥራይ ከምዝሓለፉ ይዝክር ባህልቢ። ንሱ ግን ሓደ ካብቶም ሰለስተ ኮይኑ ኣብ መስከረም 1971 ናብ ዩኒቨሪስቲ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ተመዝጊቡ።

ኣብ 1974 ደርግ ንስርዓት ሃይለስላሰ ዓልዩ ስልጣን ምስተረከበ "መሬት ላራሹ (ንሓራሲኡ)፡ እድገት (ዕብየት) ብሕብረት፡ ዘመቻ (ወፍሪ) ዝብል ጭርሖታት ኣምጺኡ፡ ተማሃሮ ዩኒቨሪሲቲን ላዕለዋይ ደረጃን ናብ ፈቐዶ ገጠራት ኢትዮጵያ ክወፍሩ ኣዚዙ።

ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ እውን ናብ ዘመቻ ክትከዱ ኢኹም፡ ሰበስልጣን ደርግ መጺኦም ከዘራርብኹም እዮም ምስተባህሉ፡ እቶም ተመሃሮ፡ እንታይ መልሲ ንሃቦም ክብሉ፡ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ተኣኪቦም ዘትዮም።

Image copyright Bahlbi tecle

ኣብ መወዳእታ ነቶም ሰበ ስልጣን ደርግ ብፖስጣ ሓንቲ መልሲ ንሃቦም ተበሃሂሎም። እታ ቦስጣ ከኣ "ወከልትና ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ስለዝኾኑ ንሕና ንውስኖ ኣይኮነን። ምስኦም ኬድኩም ተዘራረቡ" ትብል ጽሕፍቲ ከምዝነበረታን፡ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ማሕበር ተምሃሮ ዝነበረ ተወልደ ገብረስላሰ ክህቦም ከምዝተወሰነን ይዝክር - ባህልቢ።

እቶም ሰበስልጣን መጺኦም መግለጺ ምስ ሃቡ ከኣ፡ ኩሎም እቶም ተመሃሮ ሓፍ ኢሎም፡ ተወልደ ከኣ ነታ ደብዳበ ሂብዎም። ሽዕኡ ንኹሉ ተማሃራይ ንጽባሒቱ ናብ ትምህርቲ ከይመጽእ ዝሕብር ዘዋሪ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ።

ትምህርቲ፡ ንሰለስተ ሰሙን ተቛሪጹ። ኣስታት ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ተምሃራይ ትምህርቲ ንክጅምር ምስ ተኣኻኸበ ሰበስልጣን ደርግ ንኣስመራ ዩኒቨርስቲ ኣኽቢቦማ። እንተኾነ ተሓኤ ኣቐዲሙ ሓበሬታ በጺሕዎም ስለዝጸንሐ፡ ንፕረዚደንት ማሕበር ተምሃሮ ዝነበረ ተወልደ ገብረስላሰ ዝርከቦም ኣብቲ ኣድማ መሪሕ ተራ ንዝነበሮም ተምሃሮ ኩሎም ካብ ኣስመራ ኣውጺኦሞም ሓዲሮም።

"ሰበስልጣናት ደርግ ንኹልና ኣብ ላይብረሪ ኣኪቦሙና፡ ነቶም ቀንዲ ዝደለየዎም ሰባት ኣስማቶም ጸዊዖሞም፡ ካብቶም ዝተጸውዑ ግን ቪቶርዮ፡ ጳውሎስን ዓብደልቃድርን ዝብሃሉ ጥራይ እዮም ጸኒሖም። ንዓታቶም ክንሓቶም ኢና ኢሎም ሒዞሞም ከይዶም። ንምሸቱ እቶም ሰባት ኣንጻር ደርግ ምዃኖም ብሬድዮ ተነጊሩ። እንተኾነ ዕድል ገይሮም ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወርሒ ማእሰርቲ ወጺኦም" ይብል ባህልቢ። ኣይጸንሐን ንሱ ንባዕሉ እውን ብ1975 ናብ ዓዲ ጥልያን ተሰዲዱ።

ኣብ ዓዲ ጣልያን ምስ ኣተወ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቦሎኛ፡ ብኬሚካል ኢንጂነሪንግ ንሓሙሽተ ዓመት ተማሂሩ፡ በቲ ዓውዲ እቲ ከኣ ተመሪቑ። እንተኾነ ቪዛኡ ናይ ትምህርቲ ስለዝነበረ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ይኹን እምበር ብውልቁ፡ ማትስ፡ ኬሚስተሪ እናመሃረ ይነብር ነይሩ። ኣብ ሃገር ሰውራ ኤርትራ ዝተወዓዋዓሉ እዋን ስለዝነበረ ከአ፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ምስ መሰልቱ ተመሃሮ ማሕበር ኣቚሞም ንሰውረኦም ብገንዘብን ሞራልን የበርክቱ ነይሮም።

ብተወሳኺ ንኢጣልያውያን ሓካይም ኣጎሳጒሶም ትሽዓት ዶካትር ምስ ምሉእ ንዋቶም ንሜዳ ከይዶም ከምዝሕክሙ ገይሮም። እቶም ንሜዳ ኤርትራ ዝኣተወ ሓካይም ፍቕሪ እቲ ህዝብን ቃልስን ሒዙዎም እናተመላለሱ ይሕክሙ ምንባሮም ይዝክር።

Image copyright Bahlbi tecle

እቲ ሓሓሊፉ ዝካየድ ዝነበረ ኩናት ሓድሕድ ከብቅዕን ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕን ጽኑዕ መርገጺ ዝነበሮ ባህልቢ ኣብ 1981 ኩናት ሓድሕድ ኣጋጢሙ ክልተ አሕዋት ብደም ምስተጣፍኡ፡ ካብ ፖለቲካ ዓለም ከምዝረሓቐን ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ብዝኽእሎ ዓቐሚ ከገልግል እምበር ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ከይሳተፍ ምስ ነብሱ ቃል ከምዝኣተወ ይዛረብ።

ባህልቢ ኣብ ጥልያን ብርኽቲ ክፍለየሱስ ምስ እትበሃል ኤርትራዊት ቃል ኪዳን ኣሲሩ ሓዳር መስሪቱ።

ካብኡ ዝሓሸ ናብራን ህይወትን ንምድላይ ብ1984 ከም ስደተኛ ንካናዳ ኣትዩ። ኣብ ካናዳ በቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝተማህሮ ኢንጂነሪግ ንኺስርሕ ኩሉ ፈተናታት ሓሊፉ ከም ኢንጂነር ተመዝጊቡ ክሰርሕ እኳ እንተፈተነ በቲ ዓውዲ ከምቲ ዝደለዮ ስራሕ ስለዘይረኸበ ኣብ 1989 ከም ብሓድሽ፡ ስነ- ምምህርና ኣጽኒዑ፡ናይ (ሕሳብ) ማትስ መምህር ኮይኑ ኣብ 1991 ስራሕ ጀሚሩ።

ድሕሪ ዓስርተ ዓመት ኣገልግሎት ከኣ ካርዲናል ካርተር ኣካዳሚ ፎር-ዘ ኣርትስ ኣብ እትብሃል ቤት ትምህርቲ፡ ከም ናይ ሕሳብ ዲፓርትመንት ሓላፊ ኮይኑ ይምህርን ይሰርሕን ኣሎ።

ኣብ ኢጣልያ ሞያዊት ነርስ ኮይና እተስርሕ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ከኣ ጥንስን ሕርስን ከይደረታን ምዕባይ ቖልዑ ከይዓገታን ኣብ ትምህርቲ ኣትያ፡ ንዝነበራ ሞያ ነርስ፡ መንግስቲ ካናዳ ብዝጠልቦ ደረጃ ኣማዕቢላ ፕሮፊሺናል ነርስ ኮይና ተመሪቓ - ስርሓ ቀጺላ።

ባህልቢ ምስ በዓልቲ ቤቱ ንካናዳ ኣትዩ ከም መምህር ስራሕ ምስ ጀመረ ኣባ ቪተርዮ ምስ ዘተባህሉ ግዱስ ካህን ኤርትራውያን ቖልዑ ታሪኾም፡ ባህሎምን ያታኦምን ንኺፈልጡ፡ መምሃሪ መጽሓፍ ቋንቋ ትግርኛ ኣዳልዮም ትምህርቲ ጀሚሮም። ንወለዲ እውን ምስ ደቆም እንታይ ዓይነት ዝምድና ክህልዎም ከምዘለዎምን ብኸመይ ክሕግዙዎም ከምዝግባእን ምኽርን ኣስተምህሮን ይህቡ።

ኣብቲ ፈለማ ክሳብ 8ይ ክፍሊ እዮም ዝምህሩ ነይሮም። ዳሕራይ ግን ሸሞንተ ትግርኛ ዝምህሩ መማህራን ቆጺሮም፡ ምስ ምኒስትሪ ትምህርቲ ካናዳ ብምርድዳእ፡ ካብ 2008 ኣትሒዞም ክልተ ክረዲት ናይ ትግርኛ ወግዓዊ ተፈላጥነት ከምዝህልዎ ገይሮም።

ኣብ 10ይን 11 ክፍልን ኣብ ዝወስድዎ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኣብ ትራንስክሪፕቶም ከምዝኣቱን ከም ነጥቢ ከምዝሕሰብን ገይሮም።

እቶም ትግርኛ ክመሃሩ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ተማሃሮ ዳሕራይ ኣብ ዩኒቨርስታት ምስ ኣተዉ ነንሓድሕዶም ክረኣድኡን ክተሓባበሩን ዕድል ከምዝፈጥረሎምን፡ ምትሕግጋዞም ክርኢ እንከሎ ከኣ ኣዚዩ ባህ ከምዝብሎ ባህልቢ ይዛረብ።

እዚ ብህርኩትንኡን ሰባት ብምሕጋዙን ዝልለን ዝኽበርን መምህር "ኤርትራውያን ህርኩታት ኢና ግን ሕብረት ይጎድለና ኣሎ። ፖሎቲካዊ ፍልያትን ካልእን ብዘንቀሎ ምኽንያት ንኹላትና ኤርትራውያን እትሓቁፍ ናይ ኮሚዩኒቲ ገዛ ክንውንን ኣይከኣልናን" ብምባል ዜጋታት ፖለቲካዊ እምነቶም ብዘየገድስ ኣብቲ ንደቆምን ንገዛእ ርእሶምን ዝጠቅም ነገራት ንክተሓባበሩ ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ከም አሕዋት ክረዳድኡን ክከባበሩን ይምሕጸን።

"እቲ ሕብረትን ሓድነትን ደቅና ሓቢሮም እንተዘይየዐርየ'ሞ፡ እዞም ኣቐዲምና ዝተሰደድና ዓበይትስ ዳርጋ ተስፋ ናብ ምቑራጽ ገጽና ኢና ኬድና ዘሎና" ብምባል ከኣ እቲ ምፍልላይ ኣዝዩ ከምዘጒህዮ ሓቢሩ።

"ይኹን እምበር ዓቕመይ ክሳብ ዝፈቕዶ ንሕብረተሰበይ ከገልግሎ ኣሎኒ" ብዝብል ውልቃዊ ወለንታዊ ሕልና፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን ማሕበረኮማትን፡ ብዛዕባ መሰል ቖልዑን ወለድን፡ ኣብ ትምህርቲ ብዛዕባ ዘሎ ዕድላትን ሓገዝን፡ ንዝተጸገሙ ቖልዑ 'ስፔሻል ኤይድ' ኣስተምህሮ ምሃብ ይቕጽሎ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት