ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ የማናዊ ሰልፊ ኤስ-ቪ-ፒ ክሲ መስሪቶም

ዮናስ ገብረሂወት Image copyright Yonas G/hiwet
ናይ ምስሊ መግለጺ ዮናስ ገብረሂወት ከምዝብሎ፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ህዝቢ ጽልኢ ብምፍጣር ዝለዓለ ድምጺ ንምርካብ ተባሂሉ ዝወጸ ምዃኑ ይዛረብ

ኩባንያ ጉግል፡ ሓደ ናይ ኤስ-ቪ-ፒ (SVP) ዝተባህለ ስዊዘርላንዳዊ ሰልፊ ዝዘርግሖ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ቪድዮ "ናይ ጽልኢ" መልእኽቲ ዘመሓላልፍ'ዩ ብምባል ካብ ዩቱብ ኣውሪድዎ።

እቲ ቪድዮ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር፡ ምስ ዝተፈላለዩ ገበናት ዘተኣሳስር ኮይኑ፡ ዕቑባ ክረኽቡ ዘኽእሎም ብቑዕ ምኽንያት የብሎምን ዝብል ሓበሬታ ከም ዝነበሮን ተጠባቕቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ገሊጾም።

ሕሉፍ የማናዊ ክንፊ ዝኾነ ሰልፊ ኤስ-ቪ-ፒ፡ ንጎስጓስ ምርጫ ኣብ ዘዳለዎ ቪድዮ'ዩ ነቲ መልእኽቲ ዘርጊሕዎ። ኩባንያ ጉግል ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ስዊዘርላንድ ኢድ ከም ዘእተወን፡ ነቲ ቪድዮ ክጽዕኖ ከም ዘለዎ፡ እቲ ሰልፊ ከም ዝጸወዐ'ውን ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ገሊጾም።

እቲ ብዘፍርሕ ኣገባብን ድምጽን ዝተሰርሐ ቪድዮ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ናይቲ ሰልፊ ሰፊሩ'ሎ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ ማሕበር ሜድያ ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ፡ መልእኽቲ ናይቲ ቪድዮ ዓሌታውን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጸልም'ዩ ብምባል ኣብ ከተማ ዙሪክ ኣብ መደበር ፖሊስ ክሲ መስሪቶም ኣለዉ።

ኣቶ ዮናስ ገብረሂወት፡ ሓደ ካብ መራሕቲ ማሕበር ሚድያ ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "እቲ ቀንዲ ከነነጽሮ ንደሊ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ካብ 2014፡ 2015፡ 2016 ጀሚሮም፡ ከምኡ ብዙሕ ነገራት ይገብሩ ነይሮም። እዚኣ ናትና ከም ውድብ ናይ መጀመርታ ክሲ ኣብ ልዕሊ እዞም ፓርቲ'ያ" ኢሉ።

"ቀንዲ ዕላማና፡ ሓደ ጠጠው ከብሉ፡ እንተ ወሓደ ከኣ ከምዚ ዓይነት ቪድዮታት ከውጽኡ ኣብ ዝሓስብሉ፡ ክልተ ግዜ ክሓስቡ ንምግባር'ዩ" ብምባል፡ ማሕበሮም ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝወርድ ዘሎ ጸለመታት ንምብዳህ ዝቖመ ምዃኑ ጠቒሱ።

Image copyright Getty Images

እቲ ክሲ ብፖሊስን ኣኽበርቲ ሕግን ተቐባልነት ከም ዝረኸበን፡ መርመራ ጀሚሮም ከም ዘለዉ'ውን ኣቶ ዮናስ ተዛሪቡ።

ስለምንታይ እቲ ሰልፊ ከምኡ ዓይነት ኣገባብ ክጥቀም ከም ዝመረጸ ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ "ፍርሒ ኣብቲ ህዝቢ ብምፍጣር፡ እቲ ጽልኢ ኣማዕቢልካ፡ ዝለዓለ ድምጺ እትረኽበሉ ደረጃ ምብጻሕ'ዩ። እታ ቪድዮ'ውን ንሱ'ዩ ነይሩ እቲ ዕላማኣ። ብኸምኡ ካኣ ኢና ከሲስናዮም ዘለና" ይብል።

ትሕዝቶ ናይ ቪድዮ

እቲ ቪድዮ፡ ዘፍርሕ ድራማቲካዊ ኣቀራርባ ዘለዎ ኾይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብገለ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ገበናት ዝበልዎን ኣብ ጋዜጣታት እታ ሃገር ዝተጻሕፈሉን፡ ቆራሪጾም የርእዩ።

ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽን ናይ ካራ ጎነጽን ኣብ ዘልዕልሉ እዋን፡ ንጸብጻባት ማዕከናት ዜና ብምጥቃስ ብኤርትራውያን ከም ዝፍጸም ጌሩ ዘቕርብ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ጾር ከም ዝኾኑን፡ ንህዝቢ ዝወሃብ ማሕበራዊ ደገፍ ብልዕሊ 11422 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸን ይዛረብ። እዚ ካብ መጥን ንላዕሊ ዝተጋነነ ምዃኑን፡ ንህዝቢ ንምልዕዓል ዝተኣልመ ምዃኑ'ዩ ኣቶ ዮናስ ዝምጉት።

ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንምቅዋምን፡ ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ብዛዕብኦም ዝወጽእ ኣሉታዊ ጸብጻባት ንምክትታልን ድማ'ዮም እቶም ኤርትራውያን ሓደ ማሕበር መስሪቶም ዘለዉ።

"ሓደ ሰብ ብዝፈጸሞ ገበን፡ ንምሉእ ሕብረተሰብ ከም ገበነኛ ጌርካ ከተቕርቦ ምፍታን ዓሌታውነት'ዩ" ክብል ፕረዚደንት ናይቲ ማሕበር ዝኾነ ኣቶ ዮናስ ንትሕዝቶ ናይቲ ቪድዮ ኮኒኑ።

ስለምንታይ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ጥራይ ዒላማ ከም ዝገበሩ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ማሕበረሰባት ስደተኛታት ብብዝሒ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ብምዃኖምን፡ ደው ኢሉ ካብቲ ጸለመ ክከላኸለሎም ዝኽእል ብዘይምህላዉ'ዩ ኢሉ።

እቶም ብቑጽሪ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ሶርያውያን፡ ኩነታት ሃገሮም ኣብ ግምት ብምእታዉ ክሳብ ክንድቲ ናይ ኤርትራውያን ተነጽሎ ከም ዘይኣጋጥሞም ይዛረብ።

ካብ 2012 ጀሚሩ፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝነበሮ ናይ ዕቑባ ፖሊሲ እናኽረሮ ከመጽእ ከም ዝጸንሐ ይግለጽ።

ኣብ 2018'ውን ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ናይ ዕቑባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ዝተሳተፉ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም እንተ ተመሊሶም ዝገጥሞም ሕማቕ ነገር የለን ክብል ምብያኑ ይዝከር።

ብሰንኪ'ቲ ውሳነ'ውን፡ ብዙሓያት ኤርትራውያንን ዜጋታት እታ ሃገርን፡ ነቲ እናኸረረ ዝመጸ ፖሊሲ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።

መንግስቲ ስዊዘርላንድ፡ ነቲ ካብ ኤርትራ ዝምንጩ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ብመንገዲ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ክህብ መዲቡ ምንባሩ ይፍለጥ።