ፖለቲካ ኢትዮጰያ፡ ርክብ ህወሓትን ኣቦመንበር ኢህወዴግን እንታይ ውጽኢት ተረኸቦ?

ኣኼባ ኢህወዴግ Image copyright EPRDFofficial/FB

ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢህወዴግ፡ ውህደት ንምፍጻም ብዓብላሊ ድምጺ ውሳነ ክሓልፍ እንከሎ ህወሓት ግን ኣይተቐበሎን። ንጽባሒቱ ግን ወከልቲ ህወሓት ብፍሉይ ምስ ኣቦመንበር ኢህወዴግ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ተራኺቦም።

ሽዑ እቲ ውሳነ ምስ ሓለፈን ህወሓት ውህደት ምስተቓወመን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ንላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ረኺቡ ከዘራርቦም ከምዝደለየ፡ ኣባል ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሴ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሎሚ መዓልቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ድማ፡ እቲ ምስ ኣቦመንበር እቲ ኢህወዴግ ዝተገበረ ዘተ ውጽኢታዊ ኣይነበረን።

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ: ብድሕር'ቲ ናይ ቀዳም ኣኼባ'ዩ ምስ ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ተራኺቡ።

ኣብቲ ዝነበሮም ሓፂር ፃንሒት ድማ፡ ብዘይካ ሓደ ንስራሕ ናብ መቐለ ዝኸደ ምስቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ፈፀምቲ ስራሕ ከምዝተዘራረበ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እንታይ ተባህለ?

ኣብቲ ዘተ ብዶ/ር ኣብዪ ንህወሓት ዝቐረበ 'ምሕጽንታ'፡ ሕዚ'ውን ዳግም ክሓስቡሉን ብሓባር ክሰርሑን ዝጽውዕ'ዩ ነይሩ።

ኮይኑ ግና ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ዝልወጥ ቅዋም ከምዘይብሎም ስለዝገለጽሉ እቲ ርክብ ፍረ ኣይተረኽቦን።

እቲ መስርሕ ገና ስለዘይተዛዘመ ግን ኣብ ዝቕጽል መድረኻት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ክራኸቡ ከምዝኽእሉ ትጽቢት ይግበር።

ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ብኢህወደግ ክዝተየሉን ክጽናዕን ዝጸንሐ ጉዳይ ውህደት፡ ህወሓት በቲ ዝጸንሐ ኣብዮታዊ ዴሞክራሲፕሮግራም ክንቅጽል ኣሎና ስለዝብል እዩ እቲ ፍልልይ ተፈጢሩ።

ህወሓት፡ እቲ ውህደት ኣሃዳዊ ስርዓት ንምፍጣርን ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበርን ምዃኑ ክዛረቡ እንከለው፡ ነቲ ውህደት ዘሰላስል ዘሎ ወገን ግን ምስ ለውጢ ዝኸይድ ሓዲሽ ፕሮግራም ኣገዳሲ እዩ ይብል።

ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት ነቲ ውህደት ዝደገፉ ላዕለዎት መሪሕነት ኢህወዴግን ብወገኖም፡ ዋላ'ውን ኣሃዳዊ ስርዓት እንተተመስረተ ሕብረብሄራዊ ፌደራሊዝም ከምዝቕጽል የረድኡ።

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ናይ ውልቁ ፌስቡክ፡ "ካብ መበገስን መምዘንን ዕላማታት ቃልስና ወፃኢ ብዝኾነ መለክዒ ዝውሰድ ቅዋም ኣይክህሉን'ዩ" ኢሉ።

እቲ ኣበመንበር ኢህወዴግ ምስ ፈጸምቲ ስራሕ ህወሓት ዝገበሮ ዘተ ብዝምልከት መብርሂ ንምርካብ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ዝደወልናሉ 'እቲ ጉዳይ ነቲ ግንባር ዝምልከት'ዩ' ዝብል ሓጺር መልሲ ረኺብና።

ካብ ቤት ጽሕፈት ኢህወዴግ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ግን ክሰምረልና ኣይከኣለን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት