ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ዩኒቨርስቲ ሆንግ ኮንግ ብፖሊስ ተዓጊቶም

ሆንግኮንግ ሓንቲ ሰልፈኛ ካብቲ ዩኒቨርስቲ ክትሃድም ኣብ ዝፈተነትሉ ብኣባላት ፖሊስ ትተሓዝ Image copyright Reuters

ንሳልሳይ መዓልቱ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ምፍጣጥ፡ ከባቢ 100 ዝኾኑ ሰልፈኛታት ኣብቲ ብፖሊስ ተኸቢቡ ዘሎ ዩኒቨርስቲ ሆንግኮንግ ተዓጊቶም ከም ዘለው ተገሊጹ።

እቶም ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዘለው ሰልፈኛታት ናይ ቀረባት ሕጽረት የጋጥሞም ኣሎ።

ሰልፈኛታት ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፖሊስ ናብቲ ቀጽሪ ከይኣቱ ሓጹር ብምግባርን ሓዊ ብምቅጻልን እዮም ኣብቲ ቀጽሪ ተዓጊቶም።

ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ናዕቢ ብምልዕዓል ክኸሶም ከሎ፡ ከም ዝእሰሩ ብምግላጹ፡ እቶም ሰልፈኛታት ካብቲ ቀጽሪ ከይወጹ ሰጊኦም ኣለው።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሆንግ ኮንግ ሰልፈኛታት ማስኬራ ገጽ ከይወድዩ ዝኽልክል መምርሒ ውድቂ እኳ እንተገበሮ፤ ቻይና ነቲ ውሳነ ምኹናና፡ ነቲ ኩነታት ከየባኣእሶ ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።

ሰንበት ምሸት ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ክሳብ ሰዓት 22፡00 ነቲ ቀጽሪ ሓዲጎም ክወጹ ብምጥቃቕ፤ ነዚ ምስ ዘይገብሩ ጠያይቲ ክትኩስ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

ጸኒሑ ግና ፖሊስ ነቲ ቀጽሪ ብምኽባብ ክኣትው እኳ እንተፈተኑ፡ እቶም ሰልፈኛታት ናይ ነዳዲ ቡምባታትን ደናጉላን ክድርብዩሎም ምጅማሮም ይግለጽ።

ብሰኑይ ብርክት ዝበሉ ሰለፍፈኛታት ካብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርስቲ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።

እቶም ዝተትሓዙ'ሞ ብናዕቢ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ክሳብ 10 ዓመት ክእሰሩ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።

እዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮንግኮንግ ተራእዩ ዘሎ ጎንጺ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ይርአ ካብ ዘሎ ዓመጽ እቲ ዝሓየለ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት