ከረን፡ "ከም ለብዘበንሲ ንዓመታ ይግበረልና"

ህጡር ክራማት ኣብ ኤርትራ Image copyright B.R

ከም ሓያሎ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኤርትራ ኣብ እቶት ሕርሻ ካብ ዝምርኮሳ ሃገራት ሓንቲ ኢያ። ልዕሊ 80% ህዝባ ብሕርሻ ስለዝነብር፡ ሕርሻ ዓንዲ ሕቖ ህላዌኣ እዩ።

ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ'ዩ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብኹሉ ዓቕሙ ጥብ ዝበለት ማይ ንከዋህልል ዲጋታትን ራህያታትን ኣብ ምህናጽ ዝነጥፍ ዘሎ።

ክሳብ እቲ ተዋህሊሉ ዘሎ ሃብቲ ማይ ብዘበናዊ ኣገባብ ኣብ ሕርሻ ዝውዕል ካብ ዝናብ ክረምቲ ዝጽበዩ ሓረስቶት ኤርትራ "ሰኣን ሓንቲ ማይን ብሰንኪ ሓንቲ ማይን" እናበሉ ክነብሩ ግድን እዩ።

ሓንቲ ዝናብ ምህርቲ ከሰስንን ከማስንን ልዑል ተኽእሎ ስለዘለዎ ከኣ እዮም መምስ ዘጋጠሞም ኩነታት ነታ ዘረባ ዝደጋግሙዋ።

ሓረስቶት ኤርትራ ገና ክሳብ ሕጂ በብዑር ሓሪሶም ዝናበሩ እኳ እንተኾኑ፡ ለብዘበን ኣብ ዝሰፍሐ ክፋል ኤርትራ ምዕሩይ ዝናብን ህጡር ክራማትን ስለዝነበረ፡ ምስ ቢቢሲ ዝተዛረቡ ሓረስቶት ህጡር ቀውዒ ከምዘለዎም እዮም ዝነግሩ።

ኣቶ ባህልቢ መድሃኔ ካብ ከባቢ ከረን፡ "ክረምቲ ለብዘበን፡ ሰብን እዝግን ዘሐጉስ ብምንባሩ፡ ብዓቕሙ ዝሓንጠጠስ ቀለብ ዓመቱ ኣይስእንን እዩ። ድሮ እኳ ህጡር ቀውዒ ንርኢ ኣሎና" ክብል፡ ክራማት ለብዘበን ነቲ ቐደም ኣቦታትና ዘዘንትውዎ ዝነበሩ ግዜ ከምዘዘኻኽሮም ገሊጾም።

"ከምዚ ሎሚ መሬት ግርምኡ ተቐንጢጡ ጥርሑ ከይተረፈ ሳዕርን ኣግራብን ኣብ ኣፍ ገዛና እዩ ነይሩ። ሩባታትና ዓመት ምሉእ ይውሕዝ፡ ጥሪትና ከኣ ምድሪ ይኸድና ነይረን" ይብላ ብሕርሻ ዝነባበራ ወይዘሮ ጽገወይኒ፤ ክረምቲ ለብዘበን'ውን ምስጉን ከምዝነበረ ብምግላጽ።

Image copyright B.R

ለብዘበን ንሰብን ጥሪትን ዝኸውን እኹል ቀለብ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓረስታይ ክፍልዝጊ ኣብዱጋይ "ለብዘበን ብሰንኪ ጽጉብ ክራማት፡ ዲጋታት ዘሎ ራህያታት ብምልኡ ማይ መሊኡ'ዩ። ሩባ ዓንሰባ ክሳብ ሕጂ'ዩ ዝውሕዝ ዘሎ። ኣምላኽ ጥዕና ይሃበና እምበር ብምህርትን እቶትን ዕጉባት ኢና" ብምባል ኩሉ ሰብ ምህርቱ ኣብ ምእካብ ተዋፊሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

"ሓረስታይ ምስ መሬቱን እዝግሄሩን እዩ ርክቡ። ሓሪሱ፡ ዘሪኡ፡ ጽህዩን ዓጺዱን ምህርቲ ንኽረክብ፡ ዓመት ምሉእ ግራቱ ይድኩዕ፡ ይሓርስን የለስልስን። ፈጣሪ ዝናብ ክህቦ ከኣ በብእምነቱ ጸሎቱ የዕርግ። ከምዚ ናይ ለብዘበን ህጡር ክረምቲ እናኽረክብ ከኣ ንእዝግሄሩ እናመስገነ ቀለብ ዓመቱ የእቱ" ትብል ሰይቲ ሓረስታይ ወይዘሮ ጽርሃ ኣብርሃ።

ከም ሓረስታይ ጻዕራምን ህርኩትን ዘየሎ ክነሱ ግን ሓረስታይ ከቢድ ናብራ እዩ ዘሕልፍ። ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብን ዋሕዲ እቶትን እኹል ዓያይ ጉልበት ከኣ ሕርሻ ዳርጋ ብድኽነት ከምዝትርጎም ኪኢላ ሕርሻ ኣብርሃ ተኽለ ይዛረብ። ይኹን እምበር ሕርሻ ብዘበናዊ ጥበብን ፍልጠትን እንተተሰንዩ ጎቦን ኩርባን መሬት ክለምዕን ክጥጥዕን ከምዝኽእል ምሉእ ነብሰ ምትእምማን ከምዘለዎ ይገልጽ።

ኣብ ምእካብ ምህርቱ ተዋፊሩ ዝርከብ ኣቶ ባህልቢ፡ ሓረስታይ ከባቢኡ ከከም ዓቕሙን ዕዮኡን፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዘሰጋግር እኹል እቶት ከምዝረኸበ ይሕብር።

"መሬትና ጸቢብ ስለዝኾነ እምበር ካልእ እውን ምሓፈስና" ብምባል ከኣ ክረምቲ ለብዘበን ዝምስገን ምንባሩ ይምስክር።

እቲ ዝናብን ምህርትን ንሰብን እንስሳታትን እኹል ብምዃኑ ድሮ እውን ዋጋ እኽሊ'ውን ካብቲ ዝነበሮ ከምዝጎደለን፡ ንርብዒት 50-60 ናቕፋ በጺሑ ዝነበረ እኽሊ ሕጂ ናብ 30 ከምዝወረደን ብፍላይ ብባርካ ንርብዒት ክሳብ 25 ናቕፋ በጺሑ ምህላው እቶም ሓረስቶት ኣረዲኦም።

Image copyright B.R

ብተወሳኺ እቶም ካብ ዞባ ዓንሰባ ዘዛራረብናዮም ብህጥራን ክረምትን እቶትን ዝዓገቡ ሓረስቶት "ከም ለብዘበንሲ ንዓመታ ይግበረልና" ክብሉ ዕግበቶም ኣረጋጊጾም።

ኣቶ ክፍልዝጊ፡ "ቀደም ከምዚ እዋን፡ ኩሉ ሓረስታይ እኸሉ ኣኪቡ ይውድእ ነይሩ። ህጡር ክረምቲ ስለዘሕለፍና ግን ኩሉ ሓረስታይ ክሳብ ሕጂ እኽሉ ኣብ ምእካብ ኣብ ፈቐዶ ዓውድታት እዩ ተዋፊሩ ዘሎ" ይብል።

ኣቶ ባህልቢ እውን ንርእይቶ ክፍልዝጊ ብምድጋፍ "አረ ገሊኦምስ ንኽልተ ዓመት ዝኸውን እቶት ዘእተው ኣለው። ካልኦት ከኣ ገና እውን ምህርቲ ምእካብ ዘይጀመሩ ኣለው" ክብል ብእቶት ለብዘበን ሕጉስ ምዃኑ ይገልጽ።

ኪኢላ ሕርሻ ኣብርሃ ተኽለ ግን፡ ሕርሻ ናብ ዘበናዊ ኣገባብ ከይማዕበለን ብሳይንስን ፍልጥትን ሞያውያን ከይተደገፈ ውሕስነት መግቢ ክረጋገጽ ኣሸጋሪ ምዃኑ ብምሕባር፡ መንግስትን ዝምልከቶም መሻርኽቱ ኣካላትን ናብቲ ዘይተርፍ መጻኢ ብልጽግና ሓቢሮም ክዋስኡ ጸዊዑ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት