ብዛዕባ ሰልፍታት ተቓውሞ ኢራንን ሰልፈኛታት ንክልከላ ኢንተርነት ብኸመይ ይሰግረዎ ምህላዎምን እንታይ ትፈልጡ?

ኣብ ቴህራን ኢራን፡ ኣንጻር ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ናብ ጎደናታት ዝወጹ ሰልፈኛታት ኢራን ኣብ ጥቓ ሓዊ ከቢቦም 16 ሕዳር 2019 Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፉ ማዕበል ተቓውሞታት፡ ልዕሊ 100 ሰልፈኛታትን ሰለስተ ኣባላት ጸጥታን ተቐቲሎም

ኣብ ኢራን ክካየዱ ዝቐነዩ ማዕበል ተቓውሞታት ፍሉይነቶም እንታይ እዩ?

እቲ ብ15 ሕዳር ዝጀመረ፡ ጸረ ወሰኽ ዋጋታት ነዳዲ ዝኾነ ተቓውሞታት ብቕልጡፍ ናህሪ ብምውሳኽ፡ ናይ ስርዓት ለውጢ ጠሊቡ።

ኢራናውያን ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ውልቀመላኺ'ዩ ብምባል ስእልታቱ ኣቃጺሎም።

ኣገልግሎት ኢንተርነት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተዓጽዩ እኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ዝቐጸለ ጎንጺ ዝተሓወሶ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ 106 ሰባት ከም ዝተቐትሉ፡ ሕቡራት ሃገራትን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ይሕብሩ።

ሰብ መዚ ኢራን ንቁጽሪ ግዳያት እኳ እንተዘየረጋገጹ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ጸላእቲ ምትእስሳር ዘለዎም "ገበነኛታት" ክብሉ ይገልጽዎም።

ወላ'ኳ ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰብ መዚ ኢራን ኣንጻር እቶም ሰልፈኛታት ጠያይቲ ከይጥቀሙ እንተተማሕጸኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ፡ ኣንጻር ሰልፈኛታት ጠያይቲ እናተኮሱ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ህይወት ብዙሓት ዝቐዘፈ ስርሒት፡ ፕረዚደንት ኢራን፡ ሓሰን ሩሃኒ፡ ኣብ ልዕሊ ውዲት "ጸላኢ" ከም ዝተዓወተ ተዛሪቡ።

ፍሉይነት ናይዚ ሰልፊ ተቓውሞ

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ከምዚ ኣብ ቴህራን ዝርከብ ባንክ ካልኦት ህዝባውን ውልቃውን ትካላት ተቓጺሎምን ዓንዮምን'ዮም

ተንታኒ ጉዳያት ኢራን ዝኾነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ከም ዝገልጾ፡ ፍሉይነት ናይ እዚኦም ህዝባዊ ተቓዎሞታት፡ "ሕሉፍ ጎንጺ፡ ግብረ-ጸይቂን ነቲ ሰልፊ ንምብታን ብሰብ መዚ ዝተኻየደ ኣረሜናዊ ስርሒትን" ምዃኑ ይዛረብ።

ብዝተኻእለ መጠን፡ ብዘይ ዝኾነ ምሕረት ነቲ ተቓውሞታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምጭፍላቅ ብዝብል ትእዛዝ ዝተኻየደ እቲ ስርሒት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ምህለው'ውን ይግለጽ።

እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ቴህራን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ምክያዱ'ውን ፍሉይ ከም ዝገብሮ ክኢላታት ይዛረቡ።

ብዘይካ'ዚ "ነቲ ሰልፊ ዝመርሑ ፍሉጣት ሰባት ዘይምንባሮምን ማእከላይ መነባብሮ ዘለዎም ዜጋታት እታ ሃገር ዝተሳተፉሉ ምዃኑ'ውን" ካልእ ዘፍልዮ እዩ።

መን'ዩ ዝቃውም ዘሎ?

"ብዙሕ ቁጠባዊ ሽግራት እዩ ዘሎና። ስጋ ክቡር'ዩ፡ ደርሆ ክቡር'ዩ. . . ሕጂ ከኣ ነዳዲ" ክትብል ሓንቲ ካብቶም ሰልፈኛታት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ነዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት መበገሲኡ ኣንጸርጽሮት ምዃኑ እቲ ክኢላ ናይ ቢቢሲ'ውን ይሰማማዕ።

ወላ'ኳ እቶም ተቓውሞታት ኣብቲ ብቁጠባ ዝተጎሰዩ ከባቢታት እንተጀመሩ፡ ናብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ሓጺር ግዜ'ዮም ኣስፋሕፊሖም።

ኣሜሪካ፡ ኣብ 2018 ደጊማ እገዳ ካብ ተንብረላ ንደሓር፡ ኢራን ኣብ ትሕቲ ሓያል ቁጠባዊ ጸቕጢ ኣትያ ትርከብ።

ቁጠባዊ ዝቕባበ 40% ሚእታወቲት ክበጽሕ ከሎ፡ ስእነት ስራሕ ናብ 15 ሚእታዊት ደዪቡ ኣሎ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣንጸርጽሮት ምስ ሓየለ፡ ግብረ ጸይቂ ኣብታ ሃገር ኣስፋሕፊሑ ይርከብ

በዚ ምኽንያት፡ ፕረዚደንት ሩሓኒ ንብዙሓት ካብቶም ኣብ መረጻ ዝኣተዎም መብጽኣታት ክፍጽሞም ዘይምኽኣሉ ዞባዊ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ብፍላይ ድማ ሕጂ ነቶም ኣብ ማእከላይ መነባብሮ ዝርከቡ ዝበዝሑ ደገፍቱ ይስእኖም ምህላው ተንታኒ ቢቢሲ ይገልጽ።

ኣብቶም ካብ ኢራን ክንጸሉ ዝደልዩ ዞባታት፡ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ውሑዳን ዓሌት ዝረኣዩ ጎንጺታት ነቲ ኩነታት ኣባኣኢሶምዎ ኣለው።

ምቁራጽ ኢንተርነት

ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ተቋሪጹ ብምህላው ንጹር ስእሊ ናይቲ ተቓውሞታትን ዝሰዓበ ስጉምትን ንምርካብ ኣጸጋሚ ገይርዎ ምህላው እቲ ተነታኒ ይገልጽ።

ብመሰረት ካብ ኣምነተስቲ ኢንተርናሽናል ዝወጸ ሓበሬታ፡ ብዙሓት ሰባት ይቕተሉ ከም ዘለውን፡ ካብ 21 ከተማታት ቁጽሪ ምውታት 106 በጺሑ ኣሎ።

እዚ፡ ሰልፈኛታት ንሓድሕዶም ክዘራረቡ'ውን ኣጸጋሚ ገይርዎ ኣሎ፡ "ርክብ ኣዝዩ ተሃስዩ ኣሎ፡ ምውህሃድ የለን፡ ብዛዕባ ነቲ ተቓውሞታት ዘወሃህዱ ሰባት ሒደት ሓበሬታ እዩ ዘሎ" ይብሉ ተዓዘብቲ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብዙሓት ኢራናውያን ኢንተርነት፡ ብዋይፋይ ይጥቀሙ እኳ እንተነበሩ፡ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ግና ብሚልዮናት ዝቑጸሩ፡ ተቋሪጽዎም ኣሎ

ገለ ሰባት ቪፒኤን ብምጥቃም ነቲ ናይ መንግስቲ ምቁጽጻር ሰጊሮም ሓበሬታ ከም ዝሰዱን ከም ዝቕበሉን ዝገልጽ እቲ ተንታኒ ቢቢሲ፡ "ሕጂ ግና ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተዓጽዩ ብምህላው ኣብ መስመር ክኣቱ ዝኽእል ሰብ ከም ዘየሎ ይዛረብ።

"ዋትስኣፕ የለን፡ ቴለግራም ቅድሚ ክልተ ዓመት ተዓጽዩ. . . እዚ ሕጂ ተገይሩ ዘሎ ምዕጻው ዝሓየለ ቴክኖሎጂካዊ ምርቓቕ ዘአንፍት እዩ" ይብል እቲ ተነታኒ።

ሰባት ብወረቐት መልእኽትታት ይለዋወጡ ከም ዘለው'ውን ይገልጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ