ፓኪስታን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዘየሳትፍ ኣኼባ ቁጠዐ ፈጢሩ

ቁጠዐአን ዝገልጻ ደቂኣንሰትዮ ፓኪስታን Image copyright Getty Images

ኣብ ፓኪስታን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዘየሳትፍ፡ ግን ከኣ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝዝቲ ኣኼባ ንብዙሓት ኣቖጢዑ።

'ኣርትስ ካውንስል' ዝበሃል ፓኪስታናዊ ማሕበራዊ ትካል፡ ንደቂ ኣንሰትዮ ዘየሳተፈ፡ ግን ከኣ ኣብ መሰልን ተሳትፎን ደቂ ኣንሰትዮ ዘድሃበ ዘተ ከሳልጥ ብምሕሳቡ ንብዙሓት ኣቖጢዑ።

እዚ ኣብ ከተማ ካራቺ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዘተ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዘጋጠሞ ተቓውሞ፡ ኣዳለውቲ፡ መዛተይ ኣርእስቲ ንክቕይሩ ተገዲዶም።

ዋላ እኳ ኣወሃሃድቲ እቲ ዘተ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ( ዓውድታት) ዝርከቡ ወሃብቲ ውሳነ፡ " ደቂ ተባዕትዮ፡ ብዛዕባ ደቂ ኣንሰትዮ እንታይ ከምዝሓስቡ ንምፍላጥ ኢና ንደቂ ኣንስትዮ ዘይዓደምና" እንተበሉ፡ ተሓለቕቲ መሰል ደቂ ኣንሰትዮን ንሕብረተሰብ ዘንቅሑ ኣካላት ግና፡ ከም ንዕቐት ኢና ንቖፅሮ ኢሎም።

ኩሉ ነገር ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝውስኑላ ፓኪስታን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዘየሳተፈ ዘተ ምክያድ ኣብታ ሃገር ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ከምዘሎ እኹል ነጸብራቕ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዘተ ካብ ዝሳተፉ ሰብ ሞያ፡ ብሕታዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝኾነት ኡምዛ ኣል ከሪም፡ ስማ ኣብ መወዳእታ ምጽርሑ'ውን (ምርቁሑ) ብዙሓት ኣይፈተውዎን።

ካብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝተዋጽኡ እዮም ዝተባህሉ ደቂተባዕትዮ ተሳተፍቲ'ውን፡ ብስም ደቂኣንስትዮ ናይ ባዕሎም ኣጀንዳ ከተግብሩ ብምስምመዖም ክሓፍሩ ይግባእ፡ ዝብል ተቓውሞ ብማሕበራዊ ሚድያ ኣጋጢምዎም።

ሓደ ፓኪስታናዊ ብመገዲ ትዊተር፡ "ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ንሰርሕ ኢና ዝብሉ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብዚ ዘተ'ዚ ምስታፎም ከሕፍሮም ይግባእ" ክብል ተቓውምኡ ገሊፁ።

ኣብቲ ዘተ ብውልቃ ዝተሳተፈት መራሒት መድረኽ ኡምዛ ኣል ካሪም ብወገና፡ " ኣብ ዓበይቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝርከቡ ሓለፍትን ካልኦትወሃብቲ ውሳነን ደቂ ተባዕትዮ፡ ብዛዕባ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎም ኣረዳድኣ ንምግንዛብ ዝዓለመ እዩ" ኢላ።

"ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሓላፍነታት ስለዝርከቡን፡ ናይ ሰባት ሓሳብ ምቕያር ስለዝኽእሉን ኢና ናቶም ርእይቶ ክንፈልጥ ደሊና" ኢላ።

ካልእ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፈ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ጂብራን ናሲር ድማ፡ ንክሳተፍ ዝተዓደመሉ ዛዕባ ዘጋጊ ከምዝነበረ ሓቢሩ።

"ብመሰረት ዝበጽሓኒ መረዳእታ፡ ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዯ ዘለዎም ግጉይ ርድኢት ብኸመይ ክቕይሩ ይኽእሉ? ዝብል እዩ ነይሩ" ብምባል ኣብቲ መድረኽ ጌጋ ከምዝተፈጠረ ገሊጹ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንደቂኣንስትዮ ቀንዲ ሓደገኛ ቦታ ኣበይ እዩ? ገዝአን

ተወሳኺ ዛንታ