ቐጠር ንክሲ መንግስቲ ኤርትራ 'ሓሶት'ዩ' ብምባል ነጺጋቶ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ትማሊ ብሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ ንቐጠር ዝኸስስ መግለጺ "ናይ ሓሶት ክሲ" ብምባል ነጺጉ።
"ቐጠር ምስ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጉጅለታት ዋላ ሓደ ርክብ የብላን" ድሕሪ ምባል "በቲ ሃንደበት ዝወጸ መግለጺ ከም ዝተገረመ" ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቐጠር ንተቓውምቲ መንግስቲ ኤርትራ ትድግፍ ኣላ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
- 'ኣብ ሱዳን ዝኾነ ንጥፈታት የብልናን' ይብል ዑለማእ ኣስላም ኤርትራ
- "ይኣክል" ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዘቕንዐ ዓለማዊ ጎስጓስ
- ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ንክሲ መንግስቲ ኤርትራ ነጺጉ
እቲ፡ ሱዳን ከም መድረኽ ሽበራዊ ሸርሕታት ኣብ ዝጸበበሉ እዋን "ቐጠርን ከደምታን" ሻቕሎቶም ይዓርግ ኣሎ ኢሉ ዝጀመረ መግለጺ ምኒስትሪ ዜና፡ ቐጠርን መሻርኽታን ንፖለቲካውያን መራሕቲ ተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራን፡ ንመንእሰያትን ብምንዕዓብ መሳርዖም ክትውድብን ንክነዓዓቡ ክትድግፎምን ከምዘንቀደት የረድእ።
እቲ መግለጺ፡ ኣብ እስላማውያን ተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ ክብርታት ብምዝራእ፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቀቢላዊ ጽልኢ ብምስራጽ፣ ንኣስላም ኣንጻር ካልኦት ምንዕዓብን ተጻባኢ ዜና ብምጽዓቕን ትሸርሕ ከምዘላ ይሕብር።
ብተወሳኺ ድማ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዘርኢ ሰነዳትን ቪድዮታትን ብምስናቕ፤ ኣድማታት ንክካየድ ምትብባዕ፣ ነተጒቲ ምውዳድ፣ ቁጠባዊ መሓውር ምዕናው፣ ከምኡ እውን ንኣገደስትን ጸለውትን ሰበስልጣን መንግስቲ ንምቕታል ስልጠና ከምእትህብ ይኸስስ።
ንምንቛት ቀቢላታት ምብራቓዊ ሱዳን ብዝምልከት ከኣ፡ እቲ "ዓጀብ ዘብል ውጥን" ብዝብል ሓረግ መግለጺኡ ዝደምደመ ጽሑፍ ኣብ ዝመጽእ እዋን ዝርዝር መግለጺ ከምዝህብ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2019፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ቱርኪን ቐጠርን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣዕናዊ ተግባራት ይፍጽማ ከም ዘለዋ ብመገዲ ሚኒስትሪ ዜና መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
ቱርኪ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ንኣቦ መንበር ናይቲ 'ቤት ምኽሪ ዑላማእ ኤርትራ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ቤት ጽሕፈት ምኽፋታ ነቲ "ኣዕናዊ" ዝበሎ ዕላማ ንምትግባር'ዩ ድማ ኢሉ።
ቤት ምኽሪ ዑላማእ ኤርትራ (መጅልስ ሹራ ራቢጣ ዑላማእ ኤሪትሪያ) ኣብ ሱዳን ዝኾነ ንጥፈታት ከም ዘይብሉ ሓደ ካብ ኣባላቱ ሼኽ መሓመድ ጁማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ "እዚ ከንቱ ተግባራት ብምወላን ስርሒታትን ቐጠር ከምኡ'ውን ብውዲት ናይቲ መሬቱ ንከምዚ ዓይነት እከይ ዕላማታት ኣሕሊፉ ዝሃበ ስርዓት ሱዳን ዝፍጸሙ'ዮም" ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ምስ ቐጠር ዝነበራ ጥቡቕ ዝምድና ብምድሳካል ናብቲ ብስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝምራሕ ጂኦፖለቲካዊ ቀጽሪ ማእከላይ ምብራቕ ዘንቢላ ትርከብ።
ኣብ 2015 ነቲ ኣብ ኲናት የመን ወታሃደራዊ ምትእትታው ዝገብረ ብስዑዲ ዝምራሕ ኪዳን'ውን ብወግዒ ከም እትድግፎን ዝከኣላ ክትገብር ድልውቲ ከም ዘላን ገሊጻ ነይራ።
ስዑድን ኢማራት ዓረብን ዝርከብአን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንቐጠር ድሕሪ ምንጻለንን ናይ ምድርን ሰማይን እገዳታት ድሕሪ ምንባረንን፡ ቱርኪ ናይ ቐጠር ጸግዒ ምውሳዳ ይዝከር።