'ሓንጎሉ ዝሞተ' ወታሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ንመራሕቲ ኣመሪካን ፈረንሳን የሳሓሕብ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋዕላ ኔቶ ታሕሳስ 3፡ 2019 Image copyright Reuters

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብዛዕባ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኔቶ፡ ዝሃቦ ርእይቶ 'ነውራም' ብምባል ተቓዊሙዎ። ፕረዚደንት ማክሮን ወታሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን፡ ኔቶ፡ "ሓንጎሉ ዝሞተ" ክብል'ዩ ገሊጽዎ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ጽምብል 70 ዓመት ምምስራት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ምዕራብ ንምስታፍ ኣብ ለንደን ዝርከብ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኔቶ ዓቢ ስራሕ ከም ዝሰርሐ ብምግላጽ፡ ርእይቶ ማክሮን "ዘላፊ'ዩ" ኢሉ።

ፈረንሳ ካብ ኔቶ "ትፍንተት" ኣላ ክብል'ውን ከሲሱ።

ወታሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኔቶ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ንምስፍሕፋሕ ሶቭየት ንምግታእ'ዩ ተመስሪቱ። ብመሰረት ውዕል ናይቲ ኪዳን፡ ሓንቲ ካብ'ተን 29 ኣባል ሃገራት ኣብ ሓደጋ ምስ እትወድቕ፡ እተን ዝተረፋ ኣብ ጎድና ክስለፋ ይግደዳ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግና ፕረዚደንት ማክሮን፡ ኣባል ሃገራት ኣብ ኣገደስቲ ዛዕባታት ይተሓባበራ ከም ዘየለዋ ጠሪዑ ነይሩ።

ንሱ፡ ነቲ ብኣሜሪካ ዝቐርብ መብጽዓታት ዝማሰነ ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ኪዳን "ሓንጎሉ ዝሞተ'ዩ" ኢሉዎ።

እቲ ሰሉስ ቀጺሉ ዘሎ ኣኼባ፡ በቲ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ፈረንሳን ቱርክን ዘሎ ምስሕሓብን ጉዳይ ገንዘብን ተዓብሊሉ'ሎ።

ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ረሲብ ጣይብ ኤርዶዋን፡ ኔቶ ነቲ ቱርኪ ኣንጻር እቶም ኣሸበርቲ ምዃኖም እትገልጽ፡ ጉጅለ ኩርዳውያን፡ ትገብሮ ቃልሲ እንተዘይደጊፉ፡ ነቲ ኔቶ ኣብ ዞባ ባልቲክ ኣዳልይዎ ዘሎ ናይ ምክልኻል ውጥን ከም ዝቃወሞ ገሊጹ።