ሴካፋ፡ ብዙሓት ዝተጸበይዎ ግጥም ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሪፉ

ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ

ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ናብቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝካየድ ዞባዊ ግጥማት ሴካፋ ጋንትኡ ከም ዘይልእኽ ኣፍሊጡ።

በዚ ድማ እቲ ብዙሓት ትጽቢት ዝገበርሉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ግጥም ኣይክህልውን እዩ። ኣብቲ ግጥም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ ምድብ እየን ተደላዲለን ነይረን።

እቲ ፌደሬሽን፡ ናብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ግጥማት ሃገራውያን ጋንታታትን፡ ትሕቲ 17 ዓመት ደቂ ኣንስትዮን ኣይክሳተፍን እዩ።

ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ ግና፡ ኣብ ናይ ዓበይቲ ብኣለምሰገድ ኤፍሬም ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 17 ዓመት ብመኮነን ዘውዴ እናተኣለያ፡ ክሳተፋ ምዃነን ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣብርሃም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዛጊት፡ ኣብቲ ጸወታ ከይሳተፍ ክውስን ዘገደዶ ምኽንያት ኣይገለጸን።

ፋይናንሳዊ ሕጽረታት ሓደ ካብ'ቶም ምኽንያታት ክኸውን ከም ዝኽእል ግና ምንጭታት ይገልጹ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብምኽንያት ዶብ ናብ ኲናት ካብ ዝኣተዋሉ፡ ካብ 1998 ንደሓር፡ ብኹዕሶ እግሪ ኣይተራኸባን።

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልቲአን ሃገራት ዝኸተማሉ ስምምዕ ሰላም፡ ፈደሬሽናት ክልቲአን ሃገራት ምሕዝነታዊ ግጥማት ንምክያድ ምንቅስቓሳት ክገብሩ እኳ እንተጸንሑ፡ ዛጊት ኣይተኻየደን።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብቲ ኤርትራ ዘአንገደቶ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት፡ ኢትዮጵያ ተሳቲፋ እኳ እንተነበረት፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ በበይኑ ምድብ ብምንባረን ኣይተራኸባን።

በዚ መሰረት ኣብ ጉጅለ ሓደ፡ ኣአንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ፡ ቡሩንዲን ኤርትራን ክተርፋ ከለዋ፡ ኣብ ምድብ ክልተ ድማ ታንዛንያ ብሩንድን ጅቡቲን ተሰሪዐን ኣለዋ።

ኣብቲ ግጥም ከም ጋሻ እትሳተፍ ዘላ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ምስ ሱዳን፡ ደቡብ ሱድንን ሶማልያን ተደላዲላ ኣላ።

እቲ ግጥም ካብ ቀዳም 7 ክሳብ 19 ታሕሳስ ክካየድ እዩ።

እቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 17 ዓመት'ውን ካብ 9 ታሕሳስ ጀሚሩ ክካየድ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት