እስራኤል፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ኤርትራውያን ጉድኣት ዘብጽሑ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያ ኣብ ተልኣቪቨ Image copyright Getty Images

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ እንዳ ማርያም-መድሃኔ ዓለም ብዝተፈጥረ ጎንጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ዘብጽሑ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተው ተገሊጹ።

ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ፡ ፖሊስ እስራኤል ሰለስተ ጥርጡራት ብገበን ቕትለት ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ከም ዝእተውዎም ተፈሊጡ'ሎ።

እቶም ጥርጡራት፡ ኣብ መደበር ፖሊስ ኣቡ ካቢር ተታሒዞም ከም ዘለው'ውን ገሊጾም።

እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰለስተ ሰባት ብካራ ክወግኡዎን ተሰኒፉ ክወድቕ ዝተራእየ ዲያቆን ኣልኣዛር ቀሺ ገብረሂወት'ውን ኣብ ጽብቕ ኩነታት ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ሓደ ኤርትራዊ በዓል ሓዳር ብዝወረዶ መጉዳእቲ ሓሙስ መዓልቲ ከም ዝሞተ ምንጭታትና ሓቢሮም።

እቲ ዝሞተ ሰብ ኣበይን ብኸመይን ተጎዲኡ ከም ዝሞተ ዝተዋህበ ሓበሬታ ግን የለን።

Image copyright AFP Contributor

ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን እንዳማርያም ጸሎት ዝገብር ዝነበረ ዲያቆን ኣልኣዛር ቀሺ ገብረሂወት፡ ደጋጊሞም ብካራ ክወግኡዎን ተሰኒፉ ክወድቕ እንከሎ ዘርኢ 'ብሲሲቲቪ' ዝተሰኣለ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ምህላው ነበርቲ እስራኤል ሓቢሮም።

እዞም ኣገልገልቲ ቤተክርስቲያን፡ ብጉዳይ እቶም ኣብ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ተኸፋፊሎም ብተደጋጋሚ ክሰሓሓቡ ዝጸንሑ እዮም።

ኣብ እስራኤል፡ ክልተ እንዳማርያም፡ እንዳ መድሃኔ ኣለምን ኣቡነ ተኽለን ዝተባህላ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዝግልገሉለን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን እየን ዘለዋ።

እንዳ ኣቡነ ተኽለን እታ ሓንቲ እንዳማርያምን፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንክፍትሑ ዝጠልቡ ምእመናን ዝግልገሉለን ምዃነን ነበርቲ እስራኤል ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብቐዳም 30 ሕዳር ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝነበረ ጸሎተ ቅዳሰ ኸኣ፡ ኣብታ ንኣቡነ ሉቃስ ዝኽተሉ ምእመናን ዘምልኹላ ቤተ ክርስቲያን እንዳማርያም፡ ብጉዳይ መሰል ፍትሒ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ክልተ ዝተመቕሉ ኣመንቲ ብዝተፈጥረ ባእሲ፡ እቶም ኣቕሽሽቲ ብመሳቕልን ካልእ ናውትን ተሃራሪሞም ጉድኣት ከም ዝበጽሖም፡ ምንጭታትና ገሊጾም።

ብተወሳኺ ሓደ ድያቆን እታ ቤተክርስቲያን፡ ብበሊሕ ነገር ተሃሪሙ ጉድኣት ከም ዝበጽሖን፡ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከቡን ሓቢሩ።

ካብ ኣሜሪካ ዝመጽኡ ኣቡነ ሉቃስ፡ እቶም ተኣሲሮም ዘለው ኣቡነ እንጠንዮስ ውጉዝ'ዮም፣ መንግስቲ ዝሃቦም ፍርዲ ክቕበሉ ኣለዎም ድሕሪ ምባሎም እቲ ጎንጺ ከምዝተባረዐ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ፖሊስ ነዚ ጉዳይ ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ምንጪታትና ገሊጾም።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ እታ ቤተክርስቲያን ዝወሰዶም ስጉምታትን ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝወረደ ስጉምትን ኣብ ክልተ ተኸፊላ ትርከብ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን መሰል ሃይማኖት ንኪኽበር ብተደጋጋሚ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ጸኒሖም ኣለው።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ