ፖለቲካ፡ ናይ ግዳም ጸላእትና ሃገር ንምፍራስ ብግልጺ ይጓየዩ ኣለው-ዶ/ር ደብረፅዮን

ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ኣዳራሽ

''ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝምን'' ብዝብል መሪሕ ቃል ብኣሰናዳእነት መንግስቲ ክልል ትግራይ ንካልኣይ እዋን ዝተዳለወ መድረኽ ምኽክር ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ መልእኽቲ ዘሕለፈ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ኣብታ ሃገር ኣሎ ዝበሎ ናይ ዓብላላይነት ኣተሓሳስባ ናይ ኩሎም ዜጋታት ድልየት ዘየማልእ ብምዃኑ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ዕግርግርን ምብትታንን ዝወስዳ'ዩ ኢሉ።

''ብውሽጣውን ደጋውን ሓይልታት ይግበር ብዘሎ ሃገር ናይ ምፍራስ ምንቅስቓስ፤ ንሓደጋ ተቓላዕነትና እናርአናዮ መጺና ኢና'' ዝበለ ዶ/ር ደብረጽዮን እቶም ሓይልታት ግዳም መን'ዮም ዝብል ግን ኣየብርሀን።

ወሲኹ፡ ብደረጃ ሃገር ምዝራግ ሰላም፣ ቅሉዕ ዝኾነ ጥሕሰት ሕገ መንግስትን ልዕልነት ሕግን ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

''ናይ ግዳም ጸላእትና፡ ሃገርና ምድኻም ጥራሕ እንተይኮነስ ምፍራስ'ውን ኣድላዪ እዩ ብምባል ብግልጺ ይጓየዩ ኣለዉ። እዚ መድረኽ ድማ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ብምምሃር ንዝሓሸ ጉዕዞ ኣብ ዝሕግዝ ድምዳመ ዝብጸሐሉ ክኸውን ይኣምን'' ኢሉ።

ብተወሳኺ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ተንቀሳቒሶም ንምስራሕ ዝተጸገሙሉን ንጥቕዓት ዝተቓልዑሉን እዋን ምዃኑ ብምሕባር እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ዘፍርሕ ኩነታት ከም እትርከብ ተዛሪቡ።

ስለ ዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ መዋጥር ክትወጽእ እንታይ ክግበር ኣለዎ? በየናይ መገዲ ምኻድ ይሓይሽ? ዝብሉን ሕቶታት ብምምላስ እታ ሃገር ካብ ተወሳኺ ዕንወት ምድሓን ከምዝከኣል ተዛሪቡ።

ኩሉ ፈታዊ ሃገሩ፡ ሓደ ሓሳብ ብምሓዝ ዝተዋደደ ስራሕ ክሰርሕ ይግባእ ድማ ኢሉ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ዘረብኡ፡ ''ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ዝፈርሑ፡ ብዘተን መድረኽን ዘይኣምኑ ኣካላት፡ ሰልፊታትን ውልቀሰባት ኣብዚ መድረኽ ከይሳተፉ ብዝተፈላለዩ መልክዕ ጽዕንቶ ብምግባር ጸረ ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ኣተሓሳስበኦም ኣርእዮም እዮም'' ንዝበሎም ዘይተጠቐሱ ኣካላት ኮኒኑ።

ኣብቲ መድረኽ ይሳተፉ ዘለዉ ፌደራሊስት ሓይሊታት፣ ንኡሳን ብሄረሰባትን ፖለቲካዊ ሰልፊታትን፡ ፌደራላዊ ስርዓት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከም ዘሎን፡ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ትኸይድ ከም ዘላን ብምግላጽ፡ ፌደራላዊ ስርዓት እታ ሃገር ክነድሕኖ ይግባእ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ከም ዘንጸባረቑ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበ ወኪል ቢቢሲ ገሊጹ።

ስርዓት ፌደራሊዝም እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ዘርእይ ምልክት እንታይ እዩ?

ካብቶም ''ፌደራላዊ ስርዓት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ'' ዘበሉ ምኽንያታት ሓደ ውህደት ኢህወዴግ ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊጹ እዩ።

ነዚ ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ውህደት 'ብኣሃዳዊ ስርዓት' ዝምራሕ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ምህላዎም ምዃኑን ፍረ ቅድሚ ሕዚ ናይ ዝተገበረ ቃልሲ ዝኾነ ፌደራላዊ ስርዓት ዘጥፍእን እዩ ካብ ዝብል ስግኣት ዝነቐለ ምዃኑ ይግለጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ደገፍቱን እቲ ውህደት ትኽክለኛ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ንምትግባር ሓጋዚ ከምዝኾነ እዮም ዝገልጹ።

ኣብቲ መድረኽ ይሳተፍ ናይዘሎ ብሄራዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቦመንበር ኣቶ ቶሎሳ ተስፋዬ፡ አኣሰናዳኢ እቲ ዘተ ህወሓት ከም ዘይኮነ ብምግላጽ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዘተ ዝተጣየሰ ኮሚቴ 50 ዝኾኑ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ከም ዝተዓደሙ ይዛረቡ።

ንሶም 'ውን እንተኾነ ንፈለማ እዋን 'ዮም ዝሳተፉ ዘለዉ።

''ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ብዲሞክራሲ ተሓጊዙ ኣይዓበየን፤ ብቋንቋን መንነትን ናይ ምርሓቕ ኩነታት ነይሩ'' ይብሉ።

''ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ለውጢ መጺኡ ነይሩ'' ዝብሉ ኣቶ ተስፋዬ፤ ድሕሪ እቲ ለውጢ ዝመጹ ሕቶታት ህዝቢ ትኽክል ምዃኖም ብምእማን፡ ንዐኦም ናብ ምምላስን ሃገር ናብ ምርግጋዕን እዮም ከይዶም ኢሎም።

ኮይኑ ግና ሕገ መንግስቲ ንዜጋታት ዝሃቦም መሰል እናተጥሓሰ እዩ፤ ዜጋታት ተንቀሳቒሶም ምስራሕ ኣይከኣሉን፤ ብዙሓት ተዘናቢሎም እዮም ብምባል፡ እቲ ዘተ ሕገ መንግስቲ ይከበር ዝብል መንፈስ ከም ዘለዎ ገሊጾም።

''እቲ ሕዚ ዘሎ ምምሕዳር'ውን ኣብ ክንዲ ሕቶ ህዝቢ ምምላስ፡ 'ምድማር' ዝብል ሓሳብ እዩ ኣምጺኡ'' ኢሎም።

''ብልጽግና ፓርቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ዝበሉ ኣቶ ተስፋዬ፡ እዚ ፓርቲ ሕጋዊ እንተዘይኮይኑ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ መን እዩ? ህዝቢ ብዘይፈልጦ ፓርቲ ድዩ ዝምራሕ ዘሎ?'' ብምባል ይሓቱ።

ፓርቲ ብልጽግና ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ነቲ ከይዲ ውህደት ይፍጽም ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ስለ ዝኾነ ድማ ነዞም ሓሳባት ንምቅላስ፣ ህብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን ሕገ መንግስትን ንምኽባርን ዝግበር ዘሎ ዘተ ምዃኑ ኣቶ ተስፋዬ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ