ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወረቐት ስራሕ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ተቐቢሉ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሬድዋን ሑሴን 04 ታሕሳስ 2019 Image copyright Hawelti/Twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወረቐት ስራሕ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሬድዋን ሑሴን ተቐቢሉ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ወረቐት ስራሕ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣይተ ሬድዋን ሑሴን ዝርከቦም 29 ኣምባሳደራት ከም ዝተቐበለ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣምባሳደራት ስዑዲ ዓረብ፡ ጀርመን፡ ዩናይትድ ኪንግደም፡ ህንዲ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ግብጽን ደቡብ ኣፍሪቃን ካብቶም ወረቐት ስርሖም ከም ዘረከቡ ሓቢሩ።

ቅድም ኢሉ ኣብ ኣየርላንድ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይኑ ዘገልገለ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ እዩ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኾይኑ ዝተሾመ።

እንተኾነ ግና እቲ ኣምባሳደር ወረቐት ስርሑ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከየረከበ ብምጽንሑ፡ ሕቶታት ክለዓል ጸኒሑ እዩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ቢቢሲ፡ ኣብ ወርሒ ሸውዓተ ዝተወከሶ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጸኢ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ናይ ሽመት ደብዳቢኡ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ከም ዘረከበን ስርሑ ይሰርሕ ከም ዘሎን ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ቀደማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነተ ኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት ንኸብቅዕ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተሙ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ስዒቡ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኤምባሲታተን ዳግም ከም ክኸፍታ ከለዋ ኣምባሳደራተን መዚዘን እየን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ መዓርግ ሚኒስትርነቱ ዓቂቡ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንክሰርሕ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ክሾም ከሎ፤ ኣብ መወዳእታ 2018 ወረቐት ስርሑ ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣረኪቡ እዩ።

ቅድሚ ኩናት ኢትዮ ኤርትራ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ ኣውዓሎም ወልዱ ምንባሩ ይፍለጥ።