ኤርትራ፡ ምክፍፋል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ክሳብ መዓስ?

ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ Image copyright Tewahdo.org/screenshot

"ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና ከምዚ ኣይነበረን፤ ንቤተ-ክርስትያንና ኣሕፊርናያ ኢና።. . .

. . . እቲ ዘሕዝን፡ ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ውድቀት'ያ ዘላ። ኣብ ከቢድ ቃንዛ ኢና ዘለና" ይብሉ ኣብ ለንደን ኣገልጋሊ ካህን ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ ማርያም ልደታ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ቀሺ ሺኖዳ እዮብ ሃይለ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ኣብ እስራኤል ካብ ዘለዋ ኤርትራውያን ዝግልገሉለን ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ፡ ኣብ እንዳ ማርያም-መድሃኔ ኣለም ዝተፈጠረ ባእሲ፡ ምስ ውድቀት እታ ቤተ-ክርስቲያን ዘተሓሕዙዎ ቀሺ ሺኖዳ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ካህናት፡ ዲያቆናትን መዘምራንን ዝበጽሐ ጉድኣት "ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻሜ'ዩ" ክብሉ ይገልጽዎ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ክርአ ዝጸንሐ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያን ዝተፈጥረ ነውጺ ግን፡ መሰረታዊ ጠንቁ እንታይ'ዩ?

መፍትሒኡ'ኸ እንታይ ክኸውን'ዩ? ንብዙሓት ዘሻቕል ዘሎ ጉዳይ እዩ!

ምኽንያት ምምቕቓል ዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ 'ፓትሪያርካዊ ግቡእነት' ብምልዓል ውሽጣዊ ወጥጥ ካብ እትጅምር ዓሰርተ ዓመት ተቖጺሩ።

ብተደጋጋሚ ኣብታ ቤተክርስቲያን ንዘጋጥም ባእሲ ግን፡ 'ኣብ ሞንጎ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ዝተፈጥረ ጸገም'ዩ' ዝብል ሽም ክወሃቦ ጸኒሑን ኣሎን።

Image copyright Getty Images

እዚ መዕለቢ ዘይተረኸቦ ቅልውላዉ ድማ፡ ምኽንያት ምክፍፋል፣ ምልሕላሕ ውሽጣዊ ሓድነትን ሃይማኖታዊ ክብርታትን እታ ቤተክርስቲያን እናኾነ ምምጽኡ ኣቦታት ናይታ ቤተክርስትያን ይገልጹ።

"ብሓደ ፓትሪያርክ፣ ሓደ ጳጳስ ተማእኪልና ብሓደ መንፈስ ንኸይድ'ኳ እንተነበርና፡ እዚ ዝኸፋፍለና ጉዳይ ግን ኣብ 2005'ዩ ተፈጢሩ" ይብሉ ጸሓፊ ኣብ ትሕቲ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመሓደራ ካህን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፣ ኣሜሪካን እስራኤልን ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ።

"ኣብ 2005፡ እቲ መንበረ ፓትሪያርክ ነቶም ሕጋዊ ፓትሪያርክ [ኣቡነ ኣንጠንዮስ] ብዘይ ዝኾነ ይኹን መርትዖ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣሲሮምዎም። ኣቦ ቤተክርስቲያን ብዘይገበን ክእለዩ ስለ ዘይብሎም ብምቅዋምና ኣብታ ቤተክርስቲያን ምክፍፋል ተፈጢሩ" ክብሉ የረድኡ።

እታ ቤተክርስቲያን በዚ ጉዳይ ኣብ 2005 ምስ ተመቐለት፡ ነገራት ብሎሚ ጽባሕ ክዕረዩ ይኾኑ'ዮም ብዝብል ብድሕሪኡ ንዘለው ክልተ ዓመታት ኣብ ሰንፈላል ጸኒሓን ኣላን።

Image copyright Tewahdo.org/screenshot

"ብ2006 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ጳጳሳት ናብ ግብጺ ብምኻድ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ካብ መንበሮም ክወርዱ ሓቲቶም፤ ቤተክርስቲያን ግብጺ ድማ ገበን ዘይብሉ ፓትሪያርክ ከተውርዱ ሰልጣን የብልኩምን፤ በዚ ጉዳይ ድማ ኣይዳንየኩምን ምስ በለቶም ኣብ 2009፡ ብዓመጽ ፓትሪያርክ ሸይሞም. . .።

"ንማእሰርትን ግህሰትን ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝተቓወምና ኣብ ወጻኢ እንርከብ ውሉድ ክህነት ንቤተክርስቲያን ግብጺ ጳጳስ ክትህበና ሓቲትና፤ ሂቦምና ድማ፤ ፖትሪያርክና'ውን ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኢልና ክንከይድ ጀሚርና። ሕቶና፡ ኣቦና ኣብ መንበሮም ኮፍ ክብሉ ኣለዎም ዝብል'ዩ" ይብሉ ቀሺ ገብረሚካኤል።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ፣ ኣሜሪካ፣ ማእከላይ ምብራቕን ካልእን ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሓደ ከባቢ ኮይነን ብዝተፈላለየ መገዲ'የን ዝጉዓዛ።

ኣብ ትሕቲ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመሓደራ ብፓትሪያርክ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝጽልያ እንክህልዋ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሲኖዶስ ዝምእከላ፡ ንኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣውጊዘን ዝጽልያ እየን።

እዚ ንኣቡነ ኣንጠንዮስ ፓትሪያርኩ ገይሩ ዝወስድ ሲኖዶስ 'ምናፍቅ'፣ 'ተሓድሶ' እናተብሃለ ከም ዝጽዋዕ እቶም ኣገልገልቲ ይገልጹ።

ቀሺ ሺኖዳ፡ "እዛ ቤተክርስቲያን ከም ሽጉርቲ ትለሓጽ ኣላ፣ በቶም ይቕረታ ዘይሰብኹ ድማ ከም ሕልበት ትውቃዕ ኣላ። ካብ ኢትዮጵያ ይኹን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ትምህርቲ ወሲድና ግን ናብ ሓድነት ክንመጽእ ኣለና" ብምባል ነቶም ምክፍፋላት ይኹንኑ።

ኣገልጋሊ ሰበኻ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ቴልኣቪቭ ቀሺ ሰለሞን እዮብ፡ ቤተክርስቲያኖም ኣብ ትሕቲ ኣቡነ መቃርዮስ ቅዱስ ፓትሪያር ኣቡነ ኣንጠንዮስ እያ ትጥርነፍ።

ቤተ-ክርስቲያን፡ ሰላምን ፍቕርን ክትምህርን ብተግባር ክተርእን ደኣ ምተገብአ ነይሩ ዝብሉ ቀሺ ሰለሞን፡ "ሕጂ ኣብዛ ቤተክርስቲያን ዘሕዝን ተግባር ሞትን ቅትለትን የጋጥም ኣሎ እዚ ድማ ንኹሉ'ዩ ኣሕዚኑ" ብምባል ነቲ ፍጻሜ ይኹንንዎ።

ምኽንያት ናይቲ ጸገም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሲኖዶስ ንኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝምልከት ሓድሽ ሓሳብ ዕርቂ ሒዙ መጺኡ ከብቅዕ መሊሱ ምስ ገደፎ፡ እቲ ምክፍፋል ገዲዱ ብምባል እቲ ሽግር ንዓመታት ክእከብ ዝጸንሐ ምዃኑ ይሕብሩ።

እዚ ክሳብ ናብቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ደረጃ ከብጽሐና ኣይምተገብአን ዝብሉ ቀሺ ሰለሞን፡ ኣብ እስራኤል ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ጥራሕ ኣብ ሰለስተ ከም ዝተመቐላ ይዛረቡ።

ኣብ 2003 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] 3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ዝተሸሙ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ንልዕሊ 13 ዓመት ኣብ ናይ ገዛ መሓዩር'ዮም ዝርከቡ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ እዚ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ዘሎ ሲኖዶስ ናብ ሓደ ንምምጻእ ዝኣክልን ዝግባእን ጻዕሪ ስለ ዘይተገብረ ደጋፍን ተቓዋምን ዝብል ስምዒት ሒዙ ተመቓቒሉስ ሞትን ቅትለትን ዘስዓበ ፖለቲካ ሓዘል ግጭት ኣኸቲሉ ይርከብ።

እቲ ደጋፊ መንግስቲ ተባሂሉ ዝንቀፍ ጉጅለ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንኣመሪካ ብዝገሹ ሰለስተ ጻጻሳት ንኣቡነ እንጦንዮስ ሲኖዶስ ባዕሉ እምበር መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ኢድ ከም ዘይብሉን ከም ዘይኣሰሮምን ምስ ቪኦኤ ዝገበሩዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም ነይሮም።

ድሕሪ እዚ ኣብ እስራኤል ብካራን ስሕለትን ዘጋጠመ ሞትን ጉድኣትን ዘስዓበ ጨካን ተግባር ናብ ሃገረ ስብከት ኤርትራ ኮነ፡ ኣብ ቴልኣቪቭ ናብ ዝርከቡ ሃገረ ስብከት ሓበሬታን መብርህን ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ዕርቅን ሕድገትን

ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2019 ድሕሪ ዓመታት ማሕዩሮም ካብ መንበሪ ገዝኦም ኣብ ዘስምዑዎ ቃል፡ ፍታሄ ዲሞጥሮስ ዝተባህለ ልኡኽ መንግሰቲ ንቤተክርስትያን ክመርሓ ከም ዝበለን ንሶም ድማ ቤተክርስያን ኣይድያቆን ኣይካህን ጭዋ ኣይመርሓን ኢዩ ኢሎም ከም ዝተቓወሙ ገሊጾም።

በዚ ምኽንያት እዞም ኣቡን፡ ብመሰረት እታ ቤተክርስቲያን እትኽተሎ ስርዓት ስለ ዝገዘቱ፡ "ኣብ ምድሪ ዝተኣስረ ኣብ ሰማይ እሱር'ዩ. . . " ብዝብል እምነት፡ ሕደገቶም ዝጽበዩ ኣብ ትሕቲኦም ዝጽልዩ ክርስቲያን ኣለው።

እታ ቤተክርስቲያን ዕርቂ ክወርድ ሕድገት ክግበር ትጽዕር እያ ዘላ ዝብሉ ኣገልጋሊ ሰበኻ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ቴልኣቪቭ ቀሺ ሰለሞን እዮብ፡ "ውግዘት ከቢድ ስለ ዝኾነ" ሓደራ ቤተክርስቲያን ንዝተውሃቦም ኣቡን ድማ ኣብ ጎኖም ኮይኖም ንክድግፉዎም ቃል ኣትዮም ሓላፍነት ከም ዝሃቡዎም ይገልጹ።

"ጸገማት ክነዕሪ ክንጽዕር ተስፋ ጌርና ነይርና፤ ውጽኢት ኣይተረኽቦን። ሕጂ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ እምበር እዚ ንብሎ ተስፋ የብልናን" ይብሉ ቀሺ ሰለሞን እዮብ።

ፓትሪያርክ እትሸውምን እትቐብእን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ግብጺ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ታሪኻዊ ምትእስሳር ምኽንያት ብምግባር እቲ ጸገም ንክፍታሕ ጸዕሪ ክትገብር ምጽንሓ እዞም ካህናት ይገልጹ።

እንተኾነ ይብሉ ቀሺ ሰለሞን "በቲ ንሕና ንኣምኖ ስልጣን እታ ቤተክርስቲያን ካብ ኢዳ ወጺኡ ናብ ካልእ ሓይሊ ስለ ዝኣተወ ኣይሰመረን። ብልክዕ ኣብታ ቤተክርስቲያን እነተዝህሉ ነይሩ ክሳብ ክንድዚ ምተጨኻኸንና ነይርና ኢልና ኣይንኣምንን። ክንጥርነፍ ግን ኣይድለን ዘሎ" ኢሎም።

Image copyright Getty Images

እዚ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጦንዮስ ዘጋጠመ ግፍዒ'ዩ ደሪኹዎ ዝበሉ ካህን ቅድስቲ ማርያም ልደታ ለንደን ቀሺ ሺኖዳ እዮብ ብወገኖም፡ "ቤተክርስቲያን ብጉሮርኣ'ያ ተታሒዛ ዘላ፡ መሰረታዊ ጸገምና ከኣ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስርዓት'ዩ" ይብሉ።

ካብ ኣስተምህሮ እታ ቤተክርስቲያን ዝወጻእና ኣይኮንናን ዝበሉ ጸሓፊ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፣ ኣሜሪካን እስራኤልን ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ፡ "ኣሎ ዝበሃል እንተኾይኑ ጉባኤ ገይሮም፣ መርትዖ ኣቕሪቦም፣ ኣብ ጌጋ እንተሃሊና ድሕሪኡ ዝኸውን ጉዳይ'ዩ፤ ግን ናይ ኣዘራርባ ጌጋ እንተዘይኮይኑ ኣብ እምነትና ክንዲ ፍረ ኣድሪ ዝተጋገናዮ የለን" ኢሎም።

ኣብቲ መጀመርታ ብብዙሕ መገዲታት ተፈቲኑ ነይሩ ዝብሉ ቀሺ ገብረሚካኤል፡ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም [ሕጂ ብህይወት የለን]፡ እቲ ጉዳይ ክጅመር ከሎ ክፍታሕን ዕርቂ ክግበርን ኣለዎ ዝብል መርገጺ ሒዙ ከራኽቦም ከም ዝፈተነ ይዛረቡ።

"ብወገንና ፍቓደኛታት እንተነበርና'ውን፡ ብኣስመራ ግን ዝኾነ ምርኻብ ከይግበር ተኸልኪሉ ዝብል ወረ ምስ መጽአ ተቋሪጹ። ድሕሪኡ'ውን ግዱሳት ምእመናን ደቂ ቤተክርስቲያን ናብ ዕርቂ ዘይተምጽኡዎ ኢሎም ተበጊሶም፡ ሕጂ'ውን ብኣስመራ ፍቓድ ኣይተረኸበን"።

ሳዕቤን እዚ ምክፍፋል

እዚ ኹሉ ጸገም፡ መርኣያ ውድቀት ቤተክርስቲያንና እዩ ዝብሉ ቀሺ ሺኖዳ፡ "ነዚ ዘለናዮ ውድቀት እንርድኦ ዘለና፡ ንይቕረታ፣ ሓድነት ድልዋት ምስ እንኸውን'ዩ" ይብሉ።

"እተን ብናይ ኤርትራ ስማዊ ሲኖዶስ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፡ 10 ዓመት ሙሉ ኣብ ጠቐነ እየን ኣሕሊፈንኦ። ምናፍቓን ኣትዮምና፣ እዚኦም ምስ ሲኣይኤ ርክብ ኣለዎም'ዶ ገለ እናተብሃለ ፍርሕን ራዕድን ይስበኽ ነይሩ። ይቕረታ ኣይምሃሩን። ነዚ'ዩ እቲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ዝብኣስ ዘሎ"።

ቐንዲ ጸገም እታ ቤተክርስቲያን ዝብሉዎ እቲ ኣገልጋሊ እዩ ዝበሉ ቀሺ ሺኖዳ "ብስምዒት ዝኸይድ፣ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዘይብሉ ኣገልግኣሊ'ዩ ዘለዋ። ካብ ስጋዊ ኣተሓሳስባን ስምዒት ወጺእና ክንዘራረብ ዕድል ይሃበና፤ ኣነ ክስማዕ ዝብል ተሪፉ ናብ ሓድነት ክንመጽእ ኣለና" ይውስኹ።

እዚ ክሳዕ ዝኸውን ግን፡ በብቦትኡ ኣብ ውሽጢ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ጎነጽን ነውጽን፡ ክሳብ እቲ ማሕበራዊ ናብራ እቲ ስደተኛ ብምልሓኽ ኣሉተዊ ጽልዋ የስርጽ ኣሎ።

እዚ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘብጽሖ ዘሎ ጽልዋ እዚ'ዩ ኢልካ ክግለጽ ኣይክኣልን ዝብሉ ቀሺ ሰለሞን፡ እቲ ምኽንያት እታ ቤተክርስቲያን ፖለቲካዊ ምትእትታው ኣጸጊሙዋ ብምህላዩ'ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

"ምንጪ ጸገም እታ ቤተክርስቲያን እቲ ፖለቲካ እዩ። ኣብ ኣድና ናጽነት ሃይማኖት እንተዝህሉ ነይሩ፡ ኣብኡ ኮይንና እቲ ዝኽሰስሉ ጉዳይ ክንካትዐሉ ነይርና። ግን ኣይኮነን ተሰዲድና መጺእና፡ ኣብቲ ዘሎናዮ ዓዲ'ውን ኣሰኪፉና" ኢሎም።

ምምቕቓል እታ ቤተክርስቲያን ብፍላይ ኣብ እስራኤል ብዙሕ ጸገም ከም ዝፈጠረ ብምግላጽ፡ እቲ ምእመን ኮነ ኣገልገልቲ ነንሓድሕዶም ኣብ ጸለመ ክውዕሉ ከም ዝገበሮም ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ እስራኤል ብሰንኪ ምምቕቓል እታ ቤተክርስቲያን ብዙሕ ጸገም ከም ዝተፈጥረን ሞትን መጉዳእትን ዘስዓበ ግጭት ከምዝሰፍሐ፤ እቲ ምእመን ኮነ ኣገልገልቲ ነንሓድሕዶም ክጸላለሙ ከም ዝውዕሉ ገሊጾም።

"ህይወትና ምስታ ቤተክርስቲያን ዝተኣሳሰረ'ዩ። ግን፡ እዚኦም ካብ ተቓወምቲ፣ ደጋፊ፣ ተሓድሶ እናተብሃለ ማሕበራዊ ናብራና ሰለማዊ ኮይኑ ንከይኸይድ ጸሊዩዎ እዩ። ኣብ ዓዶም እዚ ዓይነት ተርእዮታት ክንፍጽም ክርእዩ ከለው ነቲ ዝፍጠር ነገራት ይጸልዎ እዩ" ኢሎም።

ቀሺ ሰለሞን፡ እታ ቤተክርስቲያን፡ ነቶም ዝፍጠሩ ጸገማት ሞንጎኛ ኾይና ክተዕሪ እናተገብአ ብምኽንያት እቲ ኣብ ውሽጣ ተፈጢሩ ዘሎ ምምቕቓል፣ ጽልእን ምፍልላይን፡ ዓንድታታ ዝኾኑ ክብርታት ይጠሓሱ ከም ዘለው ሓዚኖም ይገልጹ።

"ኣብ ልዕሊ እቶም ፓትሪያርክ ዝወረደ ሕጊ ምፍራስ ነቲ ማእከል እምነትና ዝኾነ ፍቕሪ ጥሒስናዮ፡ ቤት ኣምልኮ ከም ባራት ተቐይሩ ተፈናጪልና ኣለና። ንሓድሕድና እናተጻላእና ኸኣ እቲ ምእመን ክጠፍእ፡ ቤተክርስቲያን ጥርሓ ክትተርፍ ባዕልና ጸላእቲ ኮይንናያ ኣለና" ኢሎም።

እዚ ጸገም ድኣ፡ መዓስን ብኸመይን'ዩ ክዕረ?

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ