ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን፡ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ብፖሊስ ክሕለዋ'የን

ሚኒስቴር ትምህርቲ Image copyright Federal Minstry of Education

ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ላዕለዋት ትካላት ትምህርቲ ብፖሊስ ፌደራል ክሕለዋ ተወሲኑ።

ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን ትካላት ትምህርቲ ናብ ሰላማዊ ምምሃር ምስትምሃር ዝምለሳ ሓለዋ እንትጠናኸር ብምኻኑን ብፌደራል ዝመሓደራ ትካላት ብምኻነን ብፖሊስ ፌደራል ክሕለዋ ተወሲኑ'ዩ ኢሉ።

ዳይሬክተር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን እቲ ሚኒስቴር ኣቶ ደቻሳ ጉርሙ፡ ብተደጋጋሚ ምስ ተመሃሮ ብዝተገበረ ዘተ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሓለዋ እተን ዩኒቨርሲቲታት ቅርታ ከም ዝቐረበ ብምግላጽ፡ እቶም ተመሃሮ ዘይሻራዊ ኮይኑ ዝሕልወና ፖሊስ ፌደራል'ዩ ብምባሎም ኣብ ውሳነ ከም ዝተበጽሐ ተዛሪቡ።

ትማሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ፤ ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ዩኒቨሰርሲቲ ጎንደር ክልተ ተመሃሮ ከም ዝሞቱ፡ ምምሕዳር እተን ዩኒቨርሲቲታት ብፌስቡክ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ተመሃራይ ክፍሊ ትምህርቲ ፔዳጎጂ ዝነበረ ኣዲ ዋቆ፡ ኣብ ሕክምና እናሃለወ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሓዙት እዚ ተመሃራይ ከም ዝበሉዎ እንተኾይኑ ድማ፡ ብዝሓለፈ ሮቡዕ ኣዲን መሓዙቱን ብኣካላት ጸጥታ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተቐጥቀጡ ብምግላጽ፡ ድሕሪኡ ኣዲ ናብ ሆስፒታል ከም ዝከዱ ተዛሪቦም።

ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ማሾ ዑመር ዝተብሃለ ተምሃሪ ሕክምና እንስሳት ትማሊ ምሸት ማንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት መጥቃዕቲ በጺሑዎ ናብ ሆስፒታል እንተኸደ'ውን ህይወቱ ምትራፍ ኣይተክኣለን ኢሉ።

ገለ ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ምፍርራሕ ከም ዝፍሖምን፡ ነቶም ተመሃሮ ዘፈራርሑ ወረቓቕቲ ከም ዝልጠፉን ድማ ኣቶ ደቻሳ ጉርሙ ኣረጋጊጹ።

ነዚ መፍትሒ ዝበሎ ድማ፡ ሓለዋ ክጠናኸር ምግባር ኮይኑ ስለ ዝተኣመነ ብፖሊስ ፌደራል ክሕለዋ ኣለወን ከም ዝተብሃለ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ