ህንዲ ብዘተኣታተወቶ ሓድሽ ሕጊ ዜግነት፡ ናዕቢ ተላዒሉ

ደልሂ ሰልፈኛታት ኣውቶቡስ እናቃጸሉ 15 ታሕሳስ 2019 Image copyright AFP

ህንዲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብዘተኣታተወቶ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ከተማ ደልሂ ፖሊስ ምስ ሰልፈኛታት ተጋጭዮም።

እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ ሰለስተ እስላማውያን ሃገራት፡ ብምኽንያት እምነቶም ንዝስደዱ፡ ኣስላም ዘይኮኑ ሰባት ዜግነት ህንዲ ክወሃቦም ዘፍቕድ እዩ።

ፖሊስ ነቶም ኣውቶቡሳት ዘቃጸሉን ጽርጊያታት ንዝዓጸውን ሰልፈኛታት ንምብታን፡ ዘንብዕ ጋዝን ኣባትርን ከም ዝተጠቀሙ ተገሊጹ።

እቲ ሕጊ ካብ ዝጸድቕ ንደሓር፡ ኣብ ሰሜናውን ምብራቓውን ክፋል ህንዲ ተቓውሞታት ክረአ ጸኒሑ እዩ።

ኣብቲ ሓሙሽተ መዓልታት ኣቑጺሩ ዘሎ ናዕቢ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ኣብ ምዕራብ ቤንጋል ዝወጽኡ ሰልፈኛታት፡ ንዓበይቲ ጽርጊያታት ክዓጽው ከለው፡ ኣብ ኣሳም ድማ ህዝቢ ዘድልዮ መሰረታዊ ነገራት ክዕድግ ምእንቲ መንግስቲ እቲ ዞባ ነቲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናይ ሰዓት እቶ እቶ ኣልዒልዎ ኣሎ።

ዩናይትድ ኪንግደም፡ ኣሜሪካና፡ ካናዳን ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ ንዝገሹ ዜጋታተን ኣጠንቂቐን እየን።

እቲ ሕጊ ስለምንታይ እዩ ከሰማምዖም ዘይከኣለ?

እቲ ሕጊ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ህንዲ ዝኣተው ዜጋታት ባንግላድሽ፡ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ዜግነት ህንዲ ክወሃቦም ዘፍቅድ እዩ።

እቲ ሕጊ፡ ነቶም ብምኽንያት እምነቶም ዝተሰደዱ ሰባት ንምስሳይ ዝዓለመ ምዃኑ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሃገራዊ ሰልፊ ሂንዱ ቢጄፒ ይገልጽ።

ነቐፍቲ ግና፡ እቲ ሕጊ፡ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ንኣስላም ናይ ምግላል ኣጀንድኡ ምዃኑን፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ንዝተነጸረ መትከል ዝጻረር ምዃኑን ይገልጹ።

ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን፡ እቲ ሕጊ ብመሰረቱ ፈላላዪ ምዃኑ ብምግላጽ ዘለዎ ስግኣት ኣፍሊጡ።

ነበርቲ ዞባ ኣሳም ብወገኖም፡ ወጻእተኛታት መሬቶምን ስርሖምን ኣብ መወዳእታ ድማ ባህሎምን መንነቶምን ክወስዱሎም ምዃኖም ይገልጹ።

መንግስቲ ግና፡ ኣስላም ውሑዳን ስለ ዘይኮኑ እቲ ሓድሽ ሕጊ ከም ዘይምልከቶምን ጸግዒ ከም ዘየድልዮምን ብምግላጽ፤ ዝኾነ ሃይማኖታው ኣድልዎ ከም ዘይብሉ ይሙግት።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት