ፖለቲካ፡ ህዝቢ ወላይታ ጽባሕ ሉኣላዊ ስልጣኑ ብምጥቃም ክልል ምዃኑ ክእውጅ'ዶ ይኸውን?

ተወለድቲ ወላይታ ኣብ ሰልፊ Image copyright Wolaita Zone chief Administrator/FB

ህዝቢ ወላይታ ክልል ንምዃን ዘቕረቦ ሕቶ፡ ጽባሕ ሓደ ዓመት ስለዝመልኦ፡ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ድማ ንሕትኡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት መልሲ እንተዘይረኺቡ በዓሉ ክውስን መሰለ ከምዘለዎ ዘዘራረብናዮም ተወለድቲ ሓቢሮም።

ጽባሕ ዓርቢ ንተወለድቲ'ቲ ብሄር ፍልይቲ መዓልቲ ከምዝኾነት ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ብሄራዊ ምንቅስቓስ ወላይታ ኣይተ ኣንዷለም ታደሰ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ንህዝቢ ወላይታ ታሪኻዊ ዕለት'ዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ወላይታ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ቅድሚኡ ድማ ንከባቢ 130 ዓመታት በዓሎም ንበዓሎም ዘመሓድርሉ ኣወዳድባ ንክህልው ክቃለሱ ጸኒሖም'ዮም" ኢሉ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ድማ ካብ ቀበሌ ክሳብ ወረዳን ዞባን ዘለዉ ኣካላት ምስ ሕብረተሰብ ዘተ ብምግባር ዝወሰንዎ ውሳነ፡ ምምሕዳር'ቲ ዞባ ናብ ክልል ከምዘቕረበ ኣዘኻኺሩ።

"እንተኾነ ባይቶ'ቲ ክልል ኣብቲ ጉዳይ ክዝትይ ኣይከኣለን። ስለዚ እቲ ህዝቢ፡ ክልል ምዃኑ ብምእማን ምስ ክልል ደቡብን ባይቶን ዝነበሮ ርክብ ዘቋርጸሉ ፈላማይ መዓልቲ ንምግባር ጽባሕ ኣኽቢሩ ክውዕል'ዩ" ክብል ገሊጹ።

መስራትን መራሕን ምንቅስቓስ መናእሰይ ወላይታ- "ላጋ" - መምህር ኣሸናፊ ከበደ ብወገኑ፡ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ውሳነ ወላይታ ዝካየደሉ መዓልቲ ክሳብ ጽባሕ ወግዓዊ ክገብር እንተዘይክኢሉ፡ ህዝቢ ሉኣላዊ ስልጣኑ ከምዝጥቀም ተዛሪቡ።

Image copyright Wolaita Zone chief Administrator/FB

"መንግስቲ ክልል ደቡብ ምስ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ብዝርራብ፡ ክሳብ ጽባሕ 10 ታሕሳስ እቲ ህዝበ ውሳነ ዝካየደሉ መዓልቲ ብምውሳን ንሕቶና መልሲ ክወሃበና ኢና ንደልይ። ካብ ጽባሕ እንተሓሊፋ ግን ክልል ደቡብ ንህዝቢ ወላይታ ክመርሕን ከመሓድርን ኣይኽእልን" ኢሉ ኣይተ ኣሸናፊ።

"ምስ ህዝቢ ወላይታ ዘለዎ ምምሕዳራዊ ርክባት ተቛሪጹ፡ ርክብና ምስ ማእከላይ መንግስቲ ይኸውን። ህዝቢ ናይ በዓሉ ክልል በዓሉ ክእውጅ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣሸናፊ ብምኽንያት እቲ ጽባሕ ክካየድ ዝተሓሰበ ህዝባዊ ሰልፊ፡ ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ኣባላት ጸጥታን ከምዝተዋፈሩ ሓቢሩና።

"ብቑጽሪ ክግለጽ ዘይኽእል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፀረ-ሽበራን ኣድማ ብተናን ብኸበድቲ ወተሃደራዊ ተሽከርከርትን ዕጥቅን ተዓጂቦም ንወላይታ ከቢቦም ኣለዉ። እታ ከተማን ዞባናን ዓውደ ኲናት'ዩ ዝመስል። ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብን'ውን ብብዝሒ ተዋፊሮም ኣለዉ" ክብል ኣረዲኡ።

ኣስዒቡ ድማ "ወተሃደራዊ ጸቕጢ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ዘለና ኮይኑ'ዩ ዝስመዓና ዘሎ" ኢሉ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ዞባ ወላይታ ኣይተ ኣብርሃም ሶራቶ፡ ጽባሕ ናይ ወላይታ ክልል ምዃን ይተኣወጅ ዝብል ምንቅስቓስ ብፍላይ ብመናእሰይ ይካየድ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ጽባሕ ክእወጅ የብሉን ዝብል ሓሳብ'ውን ይስማዕ ምህላዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት