ሰብመዚ ቻይና ናብ ትግራይ ንከይኸዱ ንምንታይ ተኸልኪሎም?

ምንጪ ስእሊ, Tig Com Office/FB
ልኡኻት ቻይና ምስ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ
ናብ ትግራይ ዘምርሑ ዝነበሩ ልኡኻት ሰብ መዚ ቻይና ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብ ዝተሳፈርሉ ነፋሪት ንክወርዱ ከምዝተገደዱ ተገሊፁ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ እዚ ስጉምቲ ብኣካላት መንግስቲ ፌደራል ከምዝተፈፀመን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ትግራይን ፅዕንቶ ንምፍንጣር ዝዓለመ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ካብ ቻይና ግዝኣት ሻንዢ ዝተበገሱ እቶም ልኡኻት፡ ምስ ክልል ትግራይ፡ ኩለመዳያዊ ምትሕግጋዝ ንምፍጣር'ዩ ዕላምኦም ዝነበረ።
እቲ ብምክትል ፕረዚደንት ግዝኣት ሻንዢ ዝምራሕ ጉጅለ ሽድሽተ ኣባላት ዝሓዘ እዩ ነይሩ።
እዚ ጉጅለ ልኡኻት ምስ ፌደራል መንግስቲ ዑደት ስራሕ ድሕሪ ምክያድ፡ ናብ ትግራይ ንከምርሑ፡ ትማሊ ኣጋ ምሸት ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ በጺሖም።
ሽዑ ኣብ ተረኛ ነፋሪት ምስኣተዉ ግን፡ ሃንደበት ናብ ትግራይ ምኻድ ከምዘይኽእሉን ንክወርዱን ተነጊርዎም።
ነዞም ልኡኻት ንክቕበሉ ምዳላዋት ዝገብሩ ዝነበሩ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ፡ ጉዕዞ እዞም ልኡኻት፡ ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያን ኣብ ቤንጂንግ ዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ከምዝፈልጦን፡ ብኦም እናተዳለወ ዝፀንሐ ርክብ ከምዝኾነን ንቢቢሲ ገሊፆም።
"ብመሰረት እቲ ዝተትሓዘ መደብ፤ እቶም ኣጋይሽ ትማሊ ምሸት ኣብ መቐለ ኣትዮም ክሓድሩ፤ ሎሚ ንጎሆ ድማ ኣብ እንተሓጋገዘሎም ጉዳያት ልምዓት ተዘራሪብና ናይ መጀመርታ ደረጃ ስምምዕነት ንምፍርራም ዝብል እዩ ተሓሲቡ ዝነበረ" ኢሎም።
ዋላ እኳ እቲ ጉዕዞ ንክኹለፍ እንተተገበረ፡ ዶክተር ኣብርሃም ተከስተ ሎሚ ንጎሆ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን እቶም ልኡኻትን፡ ኣብ ልምዓትን ህንፀት ዓቕሚ ኢንቨስትመንት፣ ኢዳስትሪ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ ንግድን ሰደድ ወፃእን ውዕሊ ከምዝተፈረመ ሓቢሮም።
እዚ ስጉምቲ፡ ምስሊ እታ ሃገርን ዲፕሎማስያዊ ርክብን ዘበላሽው ከምዝኾነ ድማ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ተዛሪቦም።
"ብኹለ መዳዩ ክረአ እንከሎ ክግበር ዘይግበኦ እዩ። ነታ ዓዲ ዲፕሎማስያዊ ምስሊ ዘጸልምን ተቐባልነት ዘይብሉን ተግባር እዩ። ሕግታት ዲፕሎማስን ዓለም ለኻዊ ርክባትን ዝጥሕስ ኣከያይዳ እዩ" ድማ ኢሎም።
ዶክተር ኣብርሃም ሓላፍነት ዝስመዖ መንግስቲ እንተሃልዩ ነዚ ተግባር ዝፈጸመ ኣካል ስጉምቲ ክውሰደሉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ከምዚ ዓይነት ተግባር እንክፍፀም ሓድሽ ከምዘይኮነ ዝተዛረቡ እቶም ምክትል ፕረዝደንት፡ "እዚ ተግባር፡ ኣካል እቲ ብፌደራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀም ወፍሪ መጥቃዕቲ እዩ" ኢሎም።
እቲ ጸገም ምስ መንግስቲ ትግራይ ዝተኣሳሰር ዘይምዃኑ ነቶም ኣጋይሽ ከምዝገለጽሎም ዝተዛረቡ ዶክተር ኣብርሃም "ኣብዚ ሃገር እንታይ ዓይነት መንግስቲ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ" ኢሎም።
እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፖለቲካዊ፤ ቁጠባውን ስነልቦናውን ጽዕንቶ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ድማ ወሲኾም ሓቢሮም።
ቅድም ክብል'ውን ገለ ሰብሃፍትን ትካላት ወጻእን "ንምንታይ ንትግራይ ኬድኩም?" ዝብል ሕቶ ከምዝቐርበሎም ተዛሪቦም።
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ቪድዮ, ባህላዊ ዕደና ሳፋየር ትግራይ
ኣብ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ማእከላይን ትግራይ ክቡር መዓድን ሳፋየር ከምዘሎ ኤጀንሲ ኢነርጅን መዓድንን ትግራይ ኣፍሊጡ።