ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ረቒቕ ሕጊ ዘረባ ጽልኣትን ስኑዕ ሓበሬታን መሰል ምዝራብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ Image copyright Getty Images

ኢትዮጵያ፡ ዘረባ ጽልኣትን ስኑዕ ሓበሬታን ንምኽልካል ዘርቀቐቶ ሕጊ፡ ከም ብሓድሽ ክሕሰበሉ ከም ዝግባእ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣመልኪቱ።

እቲ ሕጊ እንተደኣ ጸዲቑ፡ ናይ ምዝራብ መሰል ክግድብ ይኽእል እዩ ክብል ድማ ስግኣቱ ገሊጹ።

እቲ ዓለማዊ ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት ከምዝበሎ፡ ሰብ መዚ ነቲ ሕጊ መሰል ምዝራብ ዜጋታት ንምግዳብ ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዝዝርግሑ ናይ ጽልኣት ዘረባታትን ዓሌታዊ ጎንጽታትን ንምፍታሕ ኣብ ጸቕጢ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ እንተኾነ ኣብ ክንዲ ነዚ ሕጊ ካልኦት ስልትታት ክጥቀም ኣለዎ ኢሉ።

ከም ፍታሕ ድማ፡ ግንዛበ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕባይ እዩ ክስራሕ ዘለዎ ኢሉ።

ኣብቲ ረቒቕ ሕጊ፡ ንጽልኣታዊ ዘረባ ዝተውሃበ ትርጉም ካብቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝተቐመጠ ትርጉም ዝተፈለየ ምዃኑ'ውን እቲ ትካል ገሊጹ።

እቲ ረቒቕ ሕጊ ዘካትዑ ኣገላልጻታት፣ ትርጉማትን ዓንቀጻትን ዝሓዘ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ'ሎ። እዚ ድማ ንኢትዮጵያውያን ኮነ ንኻልኦት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የስግእ ኣሎ ኢሉ።

ሂዩማን ራይትስዎች ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "እዚ ረቒቕ ሕጊ ተወሳኺ ናይ ጭቆና መሳርሒ መታን ከይኸውን፡ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ተርኡ ክጻወት ኣለዎ" ክብል'ውን ጽሒፉ።

ቅድም ክብል እውን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ናይ ስራሕ ጉዕዞ ዘካየደ ላዕለዋይ በዓል-ሞያን ፍሉይ ልኡኽን ሰብኣዊ መሰላት ወድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዳቪድ ከዪ ተመሳሳሊ ስግኣት ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ረቒቕ ሕጊ መሰል ነጻነት ዜጋታት ናይ ምዕጋት ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ከይጸድቕ ምሕታቱ ይዝከር።

"ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካውን ዓሌታውን ምፍጣጥ፡ ዘዘሓሕል ዘይኮነስ ዘጋድድ ከይኸውን እውን ስግኣት ኣለኒ" ክብል እውን ገሊጹ ነይሩ።