ኢትዮጵያ፡ ብሓቂ 4 ቢልዮን ፈልሲ ተኺላ ድያ?

ተኽሊ ዝተኽሉ ኢትዮጵያን ቆልዑት Image copyright Getty Images

ዓብዪ ሃገራዊ ናይ ዳግመ ግረባ ትልሚ ሒዛ ዝተበገሰት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ 4 ቢልዮን ተኽሊ ንምትካል ተንቀሳቒሳ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ 350 ሚልዮን ፍልሲታት ከምዝተኸለት ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ድማ ነቲ ዝሓዘቶ ትልሚ ከምዘዐወተት መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ሓጺር ግዘ ግን ክንድዚ ዝኣክል ተኽሊ ምትካል ይከኣል ዶ? ከምዝተተኸለኽ እንታይ መረዳእታታት ኣለዉ?

Ethiopian Water and Energy Minister, Seleshi Bekele.
Getty
We have reached both targets that we have set for ourselves....We have also learned a lot from this project in terms of agro-forestry for the country.
Seleshi Bekele
Ethiopia's Minister for Water and Energy

እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተመርሐ ወፍሪ ሓምለዋይ ውርሻ፡ ፖለቲከኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ሃፍቲ ተፈጥሮ ሃገሮም ንምሕዋይን ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምክልኻልን ከም ብሉጽ ተሞክሮ ክጠቕስዎ ይረኣይ።

ኣብ ቀረባ እዋን እኳ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውድባት እታ ሃገር ተሞክሮ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ፡ እንተተመሪጾም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣግራባት ከምዝተኽሉ ቃል እንትኣትዉ ተራእዮም እዮም።

ሰልፊ ዕዮ ኣብ 2040 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ክልተ ቢልዮን ኣትክልቲ ንምትካል ቃል ዝኣተወ ኮይኑ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ድማ ዓመታዊ 30 ሚልዮን ኣግራብ ከምዝተክል ገሊጹ። ሓምላይ ፓርቲ ድማ ክሳብ 2030 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 700 ሚልዮን ከምዝተክል ሓቢሩ።

ካናዳ ብወገና ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት፡ ክልተ ቢልዮን ፈልሲ ከምትተክል ገሊጻ እያ።

ክብረ ወሰን ንምስባር ዝተገበረ ፈተነ

ኣብ ዝሓለፈ 29 ሓምለ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ 200 ሚልዮን ፈልሲታት ንምትካል ተሊማ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ 12 ሰዓታት ልዕሊ ትልሚ 350 ሚልዮን ፈልሲታት ከምዝተኸለት ገሊጻ። መንግስቲ፡ ቁጽሪ እቶም ዝተተኽሉ ፈልሲታት 353,633,660 እዩ ክብል'ውን ንጹር ቁጽሪ ኣቐሚጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሪከርድ ብምስባር ኣብ መዝገብ 'ጊንየስ ወርልደ ሪከርድ' ንምስፋር ከምዝሓሰበ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ መዝጋቢ ትካል ግን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ከምዘይቀረበሉ ንቢቢሲ ገሊጹ እዩ።

Image copyright Getty Images

ወሃቢት ቃል እቲ ትካል ጄሲካ ስፒለን፡ እቶም ንቲ ወፍሪ ምትካል ፈልስታት ዘዋደዱ ሰባት መረዳእታታቶም ናብቲ ዝምዝግብ ክፍሊ ከቕርቡ ከምእተበረታትዕ ትገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ግን፡ እታ ሃገር ንመብዛሕተኦም ሕቶታት መልሲ ሂባ እያ ብዝብል፡ ኣብ መረዳእታታት እቲ ተኸላ መልሲ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ኣርባዕተ ቢልዮን ፈልሲታት ምትካል ይከኣልዶ?

ብመሰረት እቲ ትልሚ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣርባዕተ ቢልዮን ፈልሲታት ንምትካል፡ በቢመዓልቱ እንተወሓደ 45 ሚልዮን ፈልሲታት ምትካል የድሊ።

መንግስቲ፡ እቶም ፈልሲታት ኣብ ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ሄክታር መሬት ክተኽሎም እዩ ተሊሙ ነይሩ።

Image copyright Girmay Gebru, BBC

ብገምጋም ኣብ ሓደ ሄክታር 1500 ፈልሲታት ምትካል ይከኣል ኢልና እንተወሲድና፡ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ቢልዮን ፈልሲታት ንምትካል እኩል መሬት ኣለዋ።

እንተኾነ፡ እዚ ክንደይ ዝኣክል ፈልሲ ተተኺሉ ንዝብል መረጋገጺ ክኸውን ኣይክእልን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ቁጽሪ ጥራይ እዩ ዘሎ። እቲ መንግስቲ ካብ ሰነ ክሳብ ነሓሰ፡ 3.5 ቢልዮን ፈልሲታት ከምዝተኸለ ይገልጽ።

ተወሰኽቲ 1.3 ቢልዮን ፈልሲታት ባጺሖም፡ ግን ኣይተተኸሉን።

ከመይ ምቑጻር ይከኣል?

ቢቢሲ ሪያሊቲ ቸክ ሓዱሽ ዝተተኸሉ ፈልሲታት ክዕዘብ ሪፖርተር ናብ ትግራይ ልኢኹ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ፈልሲታት ንምርኣይ ብሳትላይት ፎቶ ዘልዕል ትካል ረኺቡ ምስሊታት ንምርኣይ ፈቲኑ ነይሩ። እንተኾነ እቶም ፎቶ ግራፋት ብንጹር ነቶም ፈልሲታት ከርእዩ ኣይከኣሉን።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ በዓል ሞያ ኣግራብ ዝኾነ ቲም ክሪስቶፈርሰን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዳግመ ግረባ ዘርኣየቶ ተበግሶ ብምንኣድ፡ ኣብቲ ተኸላ ግን ሓሳብ ምሃብ ከምዘጸግመሉ ይገልጽ። እታ ሃገር ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝጠለበትን፡ ክሳብ 2030 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 15 ሚልዮን ሄክታር መሬት ንምሕዋይ ከምዝተለመትን ወሲኹ ይሕብር።

Image copyright Getty Images

ዋላኳ ኢትዮጵያ ዘርኣየቶ ተበግሶ ብስብ ሞያ ስነ ከባቢ ናእዳ ዘትረፈላ እንተኾነ ክንደይ ዝኣክል ፈልሲ ከምዝተተኸለ ንምግምጋም ግን ምንም ዝተሰርሐ ስራሕ የለን።

እቶም ፈልሲታት ዝተቖጸሩሉ መገዲ ሓደ ኣካል እቲ ጸገም ክኸውን ይኽእል እዩ። በቢ ከባቢኡ በጀት ተሰሊዑሎም ውሱን መጠን ክተኽሉ ዝተገበሩ ኣካላት ካብቲ ዝተኸልዎ ንላዕሊ ቁጽሪ ሂቦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ'ውን ምግማት ይከኣል።

ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ወርሒ ሓምለ ንሓምለዋይ ልምዓት ዝውዕል ሓገዝ 36 ሚልዮን ዩሮ ተፈራሪሞም እዮም።

ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ሽፋን ደኒ ኣግራብ ኢትዮጵያ 40 ምኢታዊት ዝነበረ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ግን 15 ምኢታዊት እዩ ተሪፉ ዘሎ።

ተወሳኺ ዛንታ