ሶማልያ፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ ዘበነ ስልጣኑ ከየናውሕ -ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

ፕረዚደንት ፋርማጃ Image copyright Getty Images

ኣብ ሶማልያ ዝግበር ኩለመዳያዊ ፖለቲካዊ ለውጥታት ዝኣሊ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት-ዩኤንሶም (UNSOM)፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኤውሮጳ (2020) ወይ ድማ ኣብ መባእታ 2021 መረጻ ክካየድ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ።

እቲ ልኡኽ፡ እቲ መረጻ ከምቲ ቅድም ክብል ፕረዚደንት ፋርማጃ ዝተመረጸሉ መገዲ ዘይኮነስ፡ 'ሓደ-ሰብ ሓደ-ድምጺ' ብዝብል ኣገባብ ክኸውን ከምዝግባእ'ውን ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ፡ ተወከልቲ ሕቡራት ኤውሮጳ ዝርከብዎም ካልኦት 15 መዳርግቲ ኣካላት ዝሓቖፈ እዩ።

ፋርማጆ ብዝብል ሳጉኡ ዝፍለጥ ሞሓመድ ኣብዱላሂ ሞሓመድ ኣብ 2017 ዝተመረጸ ኮይኑ፡ ዘበነ ስልጣኑ ከናውሕ ይህቅን። እዚ ጉዳያት ሶማልያ ብቐዳምነት ዝምልከት ልኡኽ ግን ነዚ ሓሳብ ዝጻረር መርገጺኡ ዕላዊ ገይሩ'ሎ።

ዝጸንሐ ኣገባብ መረጻ ሶማልያ ፍልይ ዝበለን ድምጺ ንምዕዳግ ዝተቓለዐን ምዃኑ ዝገለጸ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣገባብ መረጻ ክቕየር ብምሕባር ዓለም-ለኻዊ መትከላት ዝሓለወን ኣሳታፊን ክኸውን ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።

"እቲ ሓድሽ ኣገባብ፡ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎም መራሕቲ ብሰላማዊ መንገዲ ዝምረጽሉ ባይታ ዘንጽፍ ክኸውን ኣለዎ" ኢሎም ኣባላት እቲ ቀዋሚ ልኡኽ።

ኣብታ ዓዲ ሓደሽቲ ኣዋጃት መረጻ ኣብ ዝሓዝናዮ ወርሒ ታህሳስ ክጸድቁ ኣብ ምድላው ከምዘለው ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ኩሉ ብማዕርነት ዘሳትፍን ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ባይቶ እንተነኣሰ 30 ሚኢታዊት ብጽሒት ክህልወን ዘኽእል እዩ ተባሂሉ።

እንተኾነ እቶም አዋጃት ኣብ ምጽዳቕ ዘይምቅድዳው ከምዝተፈጠረን፡ እቲ መረጻ ንምክያድ ዘድሊ ገንዘባዊ ወጻኢታት መን ይሸፍኖ ዝብል ጥርጣረታት ከምዝፈጠረን ተገሊጹ።

እታ ሃገር ኣብ መንጎ ክልላትን ማእኸላዊ መንግስትን ክህልው ዝግባእ ርክብ ዝኣሊ ሕጋዊ ማዕቀፍ ከምዘየለ'ውን ይዝረብ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ