ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ "ዑመር ኣልበሽር ናብ ዓለማዊ ቤት-ፍርዲ ክቐርብ ይግባእ"

ሰልፊ ኣብ ሱዳን Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሱዳን፡ ዑመር ኣል በሽር ብዕልዋ ካብ ዝእለ ጀሚሩ ኣብ ቅልውላው እያ ጸኒሓ

ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተወለዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን፡ ኣብ ሚያዝያ 2019 ንፕረዚደንት ሱዳን ነበር ካብ ስልጣን ኣልዩዎ እዩ።

"ኣብ ስልጣን ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ነቲ ዝተመባጽዖን ድልየታት ህዝቢ ሱዳን ዝጠልቦን ክገብር" ኣምነስቲ እንተርኛሽናል ጸዊዑ'ሎ።

"ሱዳናውያን ነቲ ብምልኪ ዓፊንዎም ዝነበረ ዘመነ ስልጣን ዑመር ኣልበሽር ብምእላዮም፤ ነቲ ዝወሰድዎ ሓባራዊ ስጉምቲ ክጽምብሉን ከምሓድሽ ተስፋ ዘለዋ ሱዳን ክሃንጹን" ኣካያዲ ስራሕ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ፥ ከምኡ'ወን ዞባ ዓይቲ ቀላያት ሰይፍ ማጋንጎ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ድማ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ከኽብር፤ ሕገ መንግስቲ ዳግም ከሐድሶን ከምኡ'ውን መሰል ደቂ ሰባት ከክሕሉ፡ ኣምነስቲ እንተርኛሽናል ሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ።

"ህዝቢ ሱዳን ካብዚ ንላዕሊ ወላ ሓንቲ ኣይደልን'' ክብል'ውን ተዛሪቡ።

ብኣወንታዊ መልክዑ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰበ-ስልጣን ስግግር መንግስቲ ሱዳን፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ቦታታት ባህርያት ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ክመስል ከምዘለዎ ዝድንግግ ሕጊ ብወግዒ ሰሪዝዎ እዩ ክብል ጠቒሱ።

ዕላማ እዞም ዝተወሰዱ ስጉምትታት፡ ሕቶ ተቓወምቲ ንምምላእን ከምኡ'ውን ንስርዓት ዑመር ኣልበሽር ካብ ሱሩ ንምጥፋእን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ንስርዓት ኣልበሽር ኣብ ምዕላው ዓብይ ተራ ዝነበሮ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን፡ ነቲ ውሳነ "ታሪኻዊ ፍጻመ" ክብል ገሊጽዎ እዩ።

እቲ ናይ ኣምነስቲ እንተርኛሽናል መግለጺ፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ሲቪላዊ መንግስቲ፡ ንዝሓለፈ ዓሰርታት ዓመታት ህዝቢ ሱዳን ከቢድ መሰላቱ ስለዝተጋህሰ፡ እቶም ግዳያት ድማ ነቲ ሓቂ ክፈልጡን፥ ፍትሒ ከምኡ'ውን ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ካሕሳ ክወሃቦም ሓላፍነት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ንዑመር ኣልበሽር ናብ ዓለማዊ ቤት-ፍርዲ ከረክቦን፤ በቲ ካብ 2003-2010 ኣብ ዳርፉር ዝፈጸሞ ገበን ክሕተትን ኣመልኪቱ።

ኣብ መስከረም 2013 ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ፤ 185 ሰባት ከምዝተቐትሉን ክሳብ ሕጂ ድማ ቤት-ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ፡ ናይ 1 ሰብ ጉዳይ ጥራይ ኣብ ቤት-ፍርዲ ከምዘቕረበ'ው ገሊጹ።

እዚ ጉዳይ'ውን እኹል መርትዖ ስለዘይተረኽቦ፡ እቲ ተኸሲሱ ዝነረበ ሰብ ነጻ ተባሂሉ።

ካብ ታሕታስ 2018 ክሳብ ሚያዝያ 2019 ድማ፡ ከባቢ 77 ሰለማውያን ሰባት ብኣባላት ጸጥታ ሱዳን ከምዝተቐትሉን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከምዝቆሰሉን ኣምነስቲ ገሊጹ።

ኣብ ሰነ 2019'ውን ነቶም ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኮፍ ኢሎም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ንምብታን፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ከባቢ 100 ሰባት ክቕተሉ እንከለው ልዕሊ 700 ከምዝቖሰሉ ይፍለጥ።

"መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ነዚ ዘስካሕክሕ ገበን ዝፈጸሙ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ተታሒዞም ኣብ ቕድሚ ቤት ፍርዲ ክምርመሩ ንጽውዕ" ክብል ኣምነስቲ እንተርኛሽናል ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት