ኣመሪካ ኣብ ጠፈር ዝነጥፍ ሓይሊ ምክልኻል ኣቚማ

ትራምፕ Image copyright EPA

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ህዋ ኣብ ዝግበር ኩናት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ሓይሊ ምክልኻል ኣቚሙ - ስሙ ድማ ሓይሊ ምክልኻል ጠፈር ኣመሪካ (ዩኤስ ስፔስ ፎርስ) ይበሃል።

ትራምፕ ነዚ ውጥን ናተይ ኢሉ ሒዝዎ ዝጸንሐ ክኸውን ከሎ፡ ሕጂ ድማ ንንጥፈታቱ ዘድሊ ገንዘብ ሰሊዕሉ'ሎ።

እዚ ሓድሽ ወተሃደራዊ ንጥፈት፡ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ እዩ ክመሓደር።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንምቚዋም እዚ ሓድሽ ሓይሊ ብወግዒ ክገልጽ እንከሎ፡ ጠፈር "ናይ ዓለምና እቲ ዝሓደሸ ዓውደ ኩናት እዩ" ክብል ገሊጽዎ።

"ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ውሕስነትና ብዙሓት ሓደጋታት ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ኣመሪካ ኣብ ህዋ ጸብለልታ ክህልዋ ኣድላዪ እዩ" ኢሉ።

"ጸብለልታ ኣለና እዩ፡ ግን ከኣ ክንድ'ቲ ዝድለ ጸብለል ኣይበልናን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ብብዙሕ ክንመርሕ ኢና" ድማ ኢሉ።

ሓይሊ ምክልኻል ጠፈር ኣመሪካ፡ ናይ ፈለማ ዓመት ንጥፈታቱ ከካይድ 40 ሚልዮን ዶላር ተሰሊዕሉ ኣሎ።

ትራምፕ፡ ብዓርቢ 738 ቢልዮን ዶላር ዓመታዊ በጀት ሓይሊ ምክልኻል ኣመሪካ ክፍርም እንከሎ፡ እቲ ሓድሽ ክፍሊ እውን ብወግዒ ከምዝቖመ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ሓይሊ ምክልኻል ጠፈር፡ እንታይ እዩ ክዓዪ?

እቲ ውጥን፡ ኣብ ጠፈር (ዙርያ ምድሪ) ወተሃደራት ንምስፋር ኣይኮነን። ሓላፍነት ናይዚ ሓይሊ፡ ኣብ ጠፈር ዘለዉ ናይ ኣመሪካ ናውቲ ምሕላው እዩ።

ኣመሪካ፡ ንመራኸብታትን ንስለላን እትጥቀመሎም ኣማኢት ሳተላይታት ኣብ ዙርያ ምድሪ ኣለውዋ።

ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሩስያን ኣብ ጠፈር ሓያሎ ምዕባለታት የርእያ ከምዘለዋ ይግንዘቡ እዮም። ጠፈር ድማ ከም ሓደ ሓድሽ ወተሃደራዊ ዓውዲ እዮ ዝረኣይ ዘሎ።

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፔንስ "ቅድም ክብል ሰላማዊን ንሕንሕ ዘይብሉን ዝነበረ [ጠፈር] ሕጂ ግን ዝተጻበብን ምቅንቓን ዝተመልኦን ኮይኑ'ሎ" ኢሉ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ድማ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ጠፈር ናይ ኣመሪካ ምስፍሕፋሕ ንድልየታት ሩስያ ሓደጋ ይኸውን ከምዘሎ ጠቒሱ ነይሩ።

ሓይሊ ምክልኻል ጠፈር ኣመሪካ፡ 16,000 ሰራሕተኛታት ክህልውዎ እዮም።