ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ መሳጊድን ኣብያተ-ክርስትያንን ተቓጺሎም

ሞጣ ከተማ Image copyright Motta city communication office

ዓርቢ ምሸት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሞጣ ኣብ ዝበሃል ከተማ፡ ክልተ መሳጊድን ሓደ ቤተክርስትያንን ከምዝተቓጸሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቲ ዝተቓጸለ ቤተ ክርስትያን 'ጊዮርጊስ' ዝበሃል ክኸውን ከሎ፡ እቶም መሳጊድ ድማ 'ጀሚዑል ኸይራት' ከምኡ ድማ 'አየር ማረፊያ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝርከብ ዓብዪ መስጊድ እዩ ኢሎም።

ኮሚሽን ፖሊስ ኣምሓራ፡ ጸኒሑ ንቴሌቪዥን እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ሓደ መስጊድ ብባርዕ ምሉእ ንምሉእ ክዓኑ እንከሎ፡ ክልተ መሳጊድ ድማ ብኸፊል ከምዝዓነዉ ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሓደ "ማር ዘነብ" ዝበሃል ናይ ዕዳጋ ማእከልን መደቀሲን'ውን ከምዝዓነወ ኮማንደር ጀማል መኮነን ተዛሪቡ።

"ነዚ መልዓሊ ዝኾነ፡ እንዳ ጊዮርጊስ ቤተ-ክርስትያን ድማ ብኸፊል ተቓጺሉ" ኢሉ።

ኣብ ካልኦት ትካላት ንግዲ እውን ማህሰይቲ ከምዝወረደ፡ ነበርቲ ይዛረቡ።

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 11:00 ሰዓት ኣጋ ምሸት (5፡00) ጸሎት እናተገብረ እንከሎ፡ ኣብ ናሕሲ እቲ ቤተክርስትያን ትኪ ከምዝተርኣየን፡ ሰባት ድማ ነቲ ባርዕ ከጥፍኡ ከምዝተረባረቡ፡ ብድሕሪ እዚ ከኣ ዕግርግር ከምዝተልዓለ፡ ኣብ ጥቓ 'ጊዮርጊስ' ቤተክርስትያን ዝነብሩ ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝተልዓለ ባርዕ፡ ህዝቢ ማይ እናቕረበ ክጠፍኦ ከምዝኸኣለ ዝገለጹ እቶም ነባሪ፡ ገለ መናእሰይ ግን ብስምዒት ኣብ ልዕሊ መሳጊድ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ሰሚዔ ድማ ኢሎም።

ኣብዚ እዋን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣትዩ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ይፍትን ከምዘሎን፡ በቲ ፍጻመ ናይ ሰብ ህይወት ከምዘይጠፍአን እውን እቶም ነባሪ ተዛሪቦም።

በቲ ፍጻመ፡ ናይ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ንብረት ከምዝዓነወ ድሕሪ ምግላጽ "እቲ መንእሰይ ብስምዒት ተደፊኡ ናብ ከምዚ ዓይነት ነገር ክኣቱ የብሉን። ሕዚ እውን እንተኾነ ጽባሕ ብዕርቂ ክንዓጽዎ ኢና" ኢሎም።

ኣባል ቤት ምኽሪ ናይታ ከተማ ዝኾኑ ሓጂ ዩኑስ ኢድሪስ ድማ፡ ምኽንያት ናይቲ መጥቃዕትን ባርዕን እንታይ ምዃኑ ከምዘይተረደኦም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

"ናይ ኣስላም ገዛውቲ እናተመረጹ እዮም ተቓጺሎም" ዝበሉ ሓጂ ዩኑስ፡ ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ቦታ ክልተ ደብሪ ምሉእ መደብራት ከምዝተቓጸሉን ከምዝተዘመቱን ይገልጹ።

"ናይ ኣስላም ኣብያተ መድሓኒትን ኮንቴይነርን እውን ተባሪዖም፡ ተዘሚቶም" ኢሎም።

ናብ ከምዚ ዓይነት ጎንጺ ከምርሕ ዝኽእል፡ ኣብ መንጎ ሙስሊምን ክርስትያንን ዝኾነ ጸገም ዘይምንባሩ ሓጂ የኑስ ይዛረቡ።

ብዛዕባ እቲ ኩነታት፡ ተወሳኺ መብርሂ ንክህቡና ናብ ከንቲባ ከተማ ሞጣ፡ ሓላፊ ጸጥታን ቴሌፎን ደዊልና ኣብ ኣኼባ ስለዝኾኑ ክንረኽቦም ኣይከኣልናን።