ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን 33 'ኣሸበርቲ' ከም ዝተቐተሉ ሓቢሩ

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኒኤል ማክሮን ኣብ ኣይቮሪ ኮስት 21 ታሕሳስ 2019. Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኒኤል ማክሮን ኣብ ኣይቮሪ ኮስት

ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ብዝገበሮ ወተሃደራዊ ስርሒት 33 ዕጡቓት ከም ዝቐተለ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ኣይቮሪ ኮስት ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ሃገሩ ኣብቲ ዞባ ኣንጻር ጅሃዳዊ ዕጡቓት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብኣድማዒ ከም ትደፍኣሉ ድሕሪ ምሕባር'ዩ ውጽኢት እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝገለጸ።

ሰራዊት ፈረንሳ ካብ 1980ታት ኣትሒዙ እቲ ዝኸፈአ ዝተባሃለሉ ብሓደጋ ነፋሪት 13 ሰራዊት ኣብ ማሊ ድሕሪ ምማቶም ድሕሪ ሳምንታት'ዩ እዚ ወተሃደራዊ ስርሒት ተኻይዱ።

ካብ 2013 ጀሚሮም ኣሽሓት ወተሃደራት ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ምንቅስቃስ ጅሃዳዊ ጉጅለታት ንምግታእ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ምትእትታው ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ፡ እስላማዊ ጉጅለታት ንሰሜናዊ ክፋል ማሊ ምስ ተቆጻጸሩ እዩ ጀሚሩ።

ሰራዊት ማሊ ብወተሃደራዊ ሓገዛት ፈረንሳ ነቲ ቦታ'ኳ ተመሊሶም እንተሓዝዎ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት ክጸልወን ብምጅማሩ ክንዲ ናይ ማሊ ጥራይ ዞባዊ ጸገም ኮይኑ ክረአ ጀሚሩ።

ነዚ ስዒቡ ኣስታት 4500 ወተሃደራት ፈረንሳ ነቲ ብሰራዊት ማሊ፤ ሞሪታንያ፤ ኒጀር፤ ቡርኪናፋሶን ጫድን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣንጻር ጅሃዳዊ ጉጅለታት ሓገዝ ኣብ ምብርካት ይርከቡ።

ፕረዚደንት ማክሮን እቶም 'ኣሸበርቲ' ብቐዳም ኣብ ዞባ ሞፕቲ ናይ ማሊ ኣብ ዝተገበረ ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዝተቐተሉ'ዩ ሓቢሩ።

በቲ ስርሒት 33 ዕጡቓት ሓይልታት እስላማዊ ጉጅለ ከም ዝተቐተሉን፡ ሓደ እሱርን ክልተ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሓይሊ ፖሊስ ማሊ ነጻ ከም ዝወጽኡን እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ