ኒውዝላንድ፡ ልዕሊ 56 ሽሕ ብረት ካብ ኢድ ገባር ናብ መንግስቲ ተረኪቡ

ኒውዝላንድ፡ ልዕሊ 56 ሽሕ ብረታት ካብ ኢድ ሲቪል ናብ መንግስቲ ተረኪቡ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኒውዝላንድ፡ ልዕሊ 56 ሽሕ ብረታት ካብ ኢድ ሲቪል ናብ መንግስቲ ተረኪቡ

ኣብ ኒዊዝላንድ ኣብ ውሽጢ ስዱሽተ ናይ ንሕፈት ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 56 ሽሕ ምስ ገባር ዝነበረ ወተሃደራዊ ብረት ናብ መንግስቲ ከም ዝተረከበ ፖሊስ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኒውዝላንድ ድሕሪ እቲ ኣብ መጋቢት 15 ጠንቒ ሞት 51 ሰባት ዝኾነ፡ ኣብ ክሪስተ ቸርች ኣብ ክልተ መሳጊድ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ሓውሲ ኣውቶማቲክ ዝኾኑ ብረታት ካብ ኢድ ሲቪል ክሕደጉ ምእዋጁ ዝዝከር እዩ።

እቲ ብረት ናይ ምእካብ መስርሕ ዕዉት'ዶ ነይሩ?

እቲ ብረት ናይ ምእካብ መደብ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እዩ ጀሚሩ።

ሰብ ብረት፡ ብረቶም ናብ መንግስቲ ምስ ዘረክቡ 95 ሚእታዊት ናይቲ ብረት ዝገዝእሉ ገንዘብ መንግስቲ ከም ዝመልሰሎም ተመባጺዑ።

እቲ ንሽድሽተ ኣዋርሕ 'ብመደብ ይቕሬታ፣ ሕድገትን ንሕፈትን' ተሰምዩ ዝተኻየደ ብረት ናይ ምእካብ መደብ ገደብ ግዚኡ 20 ታሕሳስ'ዩ ወዱኡ።

ፖሊስ ኒውዝላንድ እቲ መደብ ዕዉት ከም ዝነበረ እዩ ዝገልጽ።

ሚኒስተር ፖሊስ ኒውዝላንድ ስትዋርት ናሽ "ልዕሊ 50 ሽሕ ብረት ካብ ሕብረተሰብ ተረኪብና ኣለና፡ እዚ ኸኣ እቲ መደብ ዕዉት ምንባሩ ዘርኢ እዩ" ኢሉ።

እንተኾነ ልዕሊ 170 ሽሕ ኣውቶማቲክ ብረት ኣብ ኢድ ሲቪል ከም ዘሎ ዝሕብራ ገለ ማሕበራት፡ እቲ ብመንግስቲ ተኣኪቡ ዘሎ ብረት እኹል ከም ዘይኮነ እየን ዝማጎታ።

ኣብ 2016 ብፖሊስ ኒውዝላንድ ዝተውሃበ ሓበሬታ እውን፡ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሕጋዉን ምዝጉቡን ብረታት ኣብ ኢድ ሲቪል ከም ዘሎ ሓበሬታ ምውጽኡ ይዝከር።

እዚ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ኒውዝላንድ ብምዝማድ ሓደ ርብዒ ካብ ህዝቢ ኒውዝላድ ብረት ከም ዘለዎ እየ ዘርኢ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ