ኲባ፡ ድሕሪ 1975 ንመጀመርታ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር መዚዛ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝተመዘዘ ማኑኤል ማሮሮ ክሩዝ Image copyright Photoshot
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝተመዘዘ ማኑኤል ማሮሮ ክሩዝ

ፕረዚደንት ኲባ ሚጉየል ድያዝ ካናል ድሕሪ 40 ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር መዚዙ።

እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝተመዘዘ ማኑኤል ማሮሮ ክሩዝ ሚኒስተር ቱሪዝም ኮይኑ ከገልግል ዝጸነሐ እዩ።

ፊደል ካስትሮ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ካብ 1976 ጀሚሩ እታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር ዘይበላ እያ ጸኒሓ።

ኲባ በዚ ሕጂ ከም ብሓድሽ ዘተኣታተወቶ ቅዋም እያ ቀዳማይ ሚኒስተር ትመዝዝ ዘላ።

እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝተመዘዘ ማኑኤል ማሮሮ ክሩዝ ወዲ 56 ዓመት ኮይኑ፡ ገለ ካብቲ ፕረዚደንት ተሸኪምዎ ዘሎ ሓላፍነታት ክመቃራሕ'ዩ።

እንተኾነ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ ሓይልን ናይ ኲባ ዴሳዊ ሰልፍን ላዕለዋይ ጽፍሒ እታ ሃገር ሒዞም እንከለዉ፡ ምምዛዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኪኖ ንፖሎቲካዊ ሃልኪ ኣብ ባይታ ዘምጽኦ ለውጢ የለን ኢሎም ዝነቕፉ ኣይተስኣኑን።

እቲ ቀዳመይ ሚኒስተር ብኸመይ'ዩ ተመሪጹ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ማኑኤል ማሮሮ ክሩዝ መዝነቱ ብኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብዝተውሃበ ስቱር ድምጺ'ዩ ብቐዳም ጸዲቕሉ።

መንግስታዊት ጋዜጣ እታ ሃገር ማኑኤል ማሮሮ ክሩዝ ሚኒስተር ቱሪዝም ኣብ ዝነበረሉ ብዝገብሮ ዕዉት ስራሕ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሚኒስትሪ ሓደ ካብ ምንጪ ኣታዊታት ሸርፊ ወጻኢ ንኽኸውን ኣብርቲዑ ሰሪሑ'ዩ ክትብል ትገልጾ።

ኣብ 2004 ብፊደል ካስትሮ ሚኒስተር ቱሪዝም ኮይኑ ዝተመዘዘ ማኑኤል ማሮሮ ክሩዝ ኣብቲ ምኒስትሪ ብዙሕ ለውጥታት ከተኣታቱ ክኢሉ'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ኮይኑ ምስ ተመዘዘ ግን ነቲ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ንሱ ድዩ ከም ተደራቢ ስራሕ ክሰርሖ ዋላ ብኻልእ ክትካእ ዝተሓበረ ነገር የለን።

ፕረዚደንት ኲባ ሚጉየል ድያዝ ካናል ብወገኑ፡ ማኑኤል ማሮሮ ክሩዝ ምስ ናይ ደገ ኣወፈርቲ ዝነበሮ ዕውት ስራሕ ከድንቕ ተሰሚዑ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ