ኲናት ሶርያ፡ ኤርዶሃን ቱርኪ ሓደሽቲ ስደተኛታት ከተዕቁብ ኣይትኽእልን'ያ ኢሉ

ሶርያዊት ኣደ ኣብ ጥቓ መዕቖቢ ስደተኛታት ኒዚፕ፤ እዚ ኣብ ጥቓ ዶብ ቱርኪ-ሶርያ ዝርከብ ካምፕ እዩ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሶርያዊት ኣደ ኣብ ጥቓ መዕቖቢ ስደተኛታት ኒዚፕ፤ እዚ ኣብ ጥቓ ዶብ ቱርኪ-ሶርያ ዝርከብ ካምፕ እዩ

ፕሬዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይብ ኤርዶሃን፡ ሃገሩ ካብ ሶርያ ዝመጽእ "ሓድሽ ዋሕዚ ስደተኛ" ከተአንግድ ከም ዘይትኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ዞባ ኢድሊብ ብዝተኸፈተ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ዶብ ቱርኪ ይውሕዙ ኣለው።

ክሳብ ሕጂ ቱርኪ 3.7 ሚሊዮን ሶርያውያን ስደተኛታት ዘዕቖበት ኮይና፡ እዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዕቑባ ስደተኛታት እዩ።

እዚ ዳግም ተኸሲቱ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ግን "ንኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ይሰማዓየን" ኢሉ።

ሰለስተ ሚሊዮን ዝጽግዑ ሰባት ኣብ ዞባ ኢድሊብ ይነብሩ።

እዚ ኸባቢ ክሳብ ሕጂ ብዓመጽትን ጅሃዳውያን ተቓወምቲ ፕሬዝደንት በሽር ኣልዓሳድን ተታሒዙ ይርከብ።

በዚ ምኽንያት፡ ሓይልታት ሶርያን ሩሲያን ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት ናብ ጥቓ ዶብ ቱርኪ ከም ዝተጸግዑ እቲ ፕሬዝደንት ተዛሪቡ።

"ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢድሊብ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ጠጠው እንተዘይኢሉ፡ እዚ ቑጽሪ ክውስኽ ይኽእል'ዩ። ቱርኪ ግን ጾር እዞም ኩሎም ስደተኛታት ኣይትስከምን"።

"እዚ ጉዳይ ኣብ ልዕሌና ዘሕድሮ ዘሎ ኣሉታዊ ጸቕጢ ኹለን ሃገራት ኤውሮጳ ዝስምዐን ክኸውን'ዩ፤ ብፍላይ ድማ ግሪክ" ኢሉ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብዚ ጉዳይ ዝዝቲ ልኡኽ ቱርኪ ናብ ሩሲያ ከም ዝኸይድ ኤርዶሃን ገሊጹ ነይሩ።

ፕሬዝደንት ቱርኪ፡ ኣብ 2015 ብዘጋጠመ ቅልውላው ስደተኛታት ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ቱርክን ብዝተገበረ ምርድዳእ፡ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተበጺሑ ነይሩ፤ እንተኾነ ተኩስን ደብዳብን መዓልታዊ ክስተታት እቲ ከባቢ ከም ዝኾኑ'ዩ ዝንገር።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይፕ ኤርዶሃን ስደተኛታት ናብቲ "ውሑስ ዞባ" ክሰፍሩ ይጠልብ

ቱርኪ እንታይ ትደሊ?

ሶርያውያን ስደተኛታት ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ዝርከብ ካብ ዕጡቓት ኩርድ ሓራ ዝወጽአ "ውሑስ ዞባ" ኢላ እትጽውዖ ከባቢ ክኸዱ ትደሊ።

ፕሬዝደንት ኤርዶሃን ድማ፡ ንዕውትነት እዚ ትልሚ ሓገዝ ሓቲቱ'ዩ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ሶርያውያን ናብ ኤውሮጳ ክኣትው "ኩሎም በሪታት ክኸፍቶም'የ" ኢሉ።

ቱርኪ ኣብ ሰሜን ሶርያ እትፍጽሞ ዝነበረት መጥቃዕቲ ዓለምለኻዊ ነቐፌታ ዘስዓበላ ኮይኑ፡ ኣብቲ ናጻ ዞባ ዝሓዘቶ ትልሚ'ውን ብገለ መላፍንቲ ደገፍ ረኺቡ'ዩ።

ፕሬዝደንት ኤርዶሃን ግን፡ "ቱርኪ ኣብ ሶርያ ንእትወስዶም ሕጋዊ ስጉምታት ኣብ ኩርናዕ ካብ ምእታው፡ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ኢድሊብ ዝፍጸም ዘሎ ጨፍጫፍ ጠጠው ከብላ ሓይለን ክጥቀማ ኣለወን" ኢሉ።

ተወሳኺ ዛንታ