ምብራቕ ጎጃም፡ ኣብ ከተማ ሞጣ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, MOTTA CITY COMMUNICATION OFFICE
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣብ ከተማ ሞጣ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ትካላት እምነት መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተብሃሉ 22 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምርመራ ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ።
ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ዋና ኢንስፔክተር ኣያልነህ ተስፋዬ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነዚ ገበን ፈጺሞም ዝተብሃሉ 22 ሰባት ከም ዝተትሓዙን፡ እቲ ሕብረሰተብ ጥቆማ ይህብ ስለ ዘሎ እዚ ቑጽሪ ክውሰኽ ከም ዝኽእልን ሓቢሩ።
ክሳብ ሕጂ ዝተትሓዙ ጥርጡራት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከም ዝተገበረ'ውን ገሊጹ።
ኩነታት ከተማ ሞጣ ከም ዝተረጋግአ ዝገለጸ ኢንስፔክተር ኣያልነህ፡ እታ ከተማ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ምህላዋ ሓቢሩ።
ምስ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ብሓባር ብምኻን ምርግጋእ እታ ከተማ ናብ ንቡር ንምምላስ ይስራሕ ምህላው፤ ህዝቢ ንህዝቢ ንምርኻብን ክሃድእ ንምግባርን'ውን ጻዕሪ ንገብር ኣለና ኢሉ።
ገለ ውልቀሰባት፡ ኣብታ ከተማ ግጭት ክለዓል ከም ዝኽእል ብማሕበራዊ ሚዲያ ንፖሊስ ሓቢሮም'ኳ እንተነበሩ፡ ፖሊስ እዚ ሓበሬታ ዕሽሽ ብምባሉ ግን ሓደጋ ከም ዝበጽሐ ይግለጽ ንዝብል ርኢይቶ መልሲ ዝሃበ ኢንስፔክተር ኣያልነህ፡ "ብጽሑፍ ኾነ ብቓል ዝበጽሐና ሓበሬታ ኣይነበረን" ኢሉ።
ኣብዚ ሕዚ ሰዓት፤ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ከተማ ሞጣ ናብ ንቡር ከም ዝተመለሰ ብምግላጽ፡ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ምክፋቶም ገሊጹ።
መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ድኳናት ዝርከብሉ ከባቢ ግን ሕጂ'ውን ናብ ንቡር ኣይተመለሰን።