ኣውስትራልያ፡ 400 ሰባት ዝቕመጥዋ ዝነበሩ ከተማ ምሉእ ንምሉእ ብባርዕ ዓንያ

እታ ከተማ ካብ ሲድኒ 120 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኮይና ኣስታት 400 ሰባት ይነብርዋ ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

እታ ከተማ ካብ ሲድኒ 120 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኮይና ኣስታት 400 ሰባት ይነብርዋ ነይሮም

መራሒት ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝኾነት ጋላዲ በርጃክሊን እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ተኸሲቱ ብዘሎ ባርዕ፡ 400 ሰባት ዝቕመጥዋ ዝነበሩ ከተማ ምሉእ ንምሉእ ከም ዝተሃሞኸት ሓቢራ።

እዛ ብባርዕ ዝዓነወት ከተማ ካብ ሲድኒ ናብ ሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ 120 ኪሎ ሜተር እትርከብ ባልሞራል እትባሃል ከተማ እያ።

መራሒት ኒው ሳውዝ ዌልስ ጋላዲ በርጃክሊን "ኣብታ ከተማ ዋላ ሓንቲ ዝተረፈ ነገር የለን" ኢላ።

መንግስቲ ኣውስራልያ ነቲ ብሰንኪ ደረቕን ውዑዩን ኣየር ዝተለዓለ ባርዕ ብመንገዲ ሓይልታት ኣጥፋእቲ ሓዊ ክቆጻጸሮ ይፍትን ከም ዘሎ'ዩ ዝሕብር።

በዚ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝጀመረ ባርዕ ጫካ ክሳብ ሕጂ 9 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ብሰንኪ እዚ ባርዕ ጫካ ኣማኢት ኣባይቲ ክዓንዉ እንከለዉ ብሚልዮናት ሄክታር ዝግመት መሬር ኣባዲሙ ይርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሶን ብሰንበት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ "ኣብ 'ክሪስማስ' ኣብ ክንዲ ናብ ብዓል ናብ ከልበትበትን ናብ ጭንቀትን ስለ ዝኣተኹም ይቕረታ ይሓትት" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ሓያሎ ንኣሽቱ ከተማታት ከቢድን ፎኵስን ባርዕ ኣጋጢሙወን እዩ።

ከተማ ባልሞራል በዚ ባርዕ ንኻልኣይ ግዜኣ እያ ትጥቓዕ ዘላ።

እቲ መጀመርታ ከፊላዊ ጉድኣት ኣውሪዱላ ዝሓለፈ ባርዕ ኣንፈት ንፋስ ብምቕያሩ ዳግማይ ተመሊሱ ምሉእ ንምሉእ ከም ዘዕነዋ ተገሊጹ።

በዚ ባርዕ ግን ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከም ዘየለ ተገሊጹ ኣሎ።