ጀማል ካሾጊ፡ ስዑዲ ዓረብ ሓሙሽተ ሰባት ብሞት ክቕጽዑ ፈሪዳ

ጀማል ካሾጊ ብልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስላ ስዑዲ'ዩ ተቐቲሉ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ጀማል ካሾጊ ብልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስላ ስዑዲ'ዩ ተቐቲሉ

ሰዑዲ ዓረብ ንጋዜጤኛ ጀማል ካሾጊ ቀቲሎም ዝበለቶም ሓሙሽተ ሰባት ብሞት ከም ዝፈረደት ኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር ገሊጹ።

ጀማል ካሾጊ ንመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዝነቕፍ ዝነበረ ውሩይ ጋዜጠኛ ኮይኑ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ናይ ስዑዲ ጉዳዩ ከሳልጥ ኢሉ ምስ ከደ እዩ ብኣካላት ጸጥታ ስዑድያ ተቐቲሉ።

ኣኽባሪ ሕጊ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ቅጥለት 'ሕንጊድ ስርሒት' ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ካልኦት ምስዚ ቅትለት ምትእስሳር ዘለዎም 11 ሰባት እውን መስርሕ ፍርዲ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ጀማል ካሾጊ ዝተፈጸመ ቅትለት 'ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ቅትለት' ክብል ኮኑንዎ ነይሩ እዩ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣንገስ ካላማርድ፡ ኣቃትላ ጀማል ካሾጊ ግቡእ መርመራን ምጽራይን ክግበረሉ፡ ናብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ተደጋጋሚ ጥርዓንን ምሕጽንታን ከተቕርብ ጸኒሓ'ያ።

ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ዝኮነ ዓይነት ምትእትታው ክነጽግ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ከም መራሒ ሰዑድ ዓረብ ናይቲ ጉዳይ ምሉእ ሓላፍነት ከም ዝስከም ገሊጹ ነይሩ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
መሓዙት ካሾጊ ፍትሒ ይደልዩ ኣለዉ

ተወሳኺ ዛንታ