ዋና ፈጻሚ ስራሕ ቦይንግ ካብ ሓላፍነቱ ተሰጒጉ

ዋና ስራሕ ኣካያዲ ቦይንግ ዴኒስ ሙይለንበርግ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋና ስራሕ ኣካያዲ ቦይንግ ዴኒስ ሙይለንበርግ

ዋና ስራሕ ፈጻሚ ቦይንግ ዴኒስ ሙይለንበርግ፤ ካብ ሓላፍነቱ ተሰጓጉ

እቲ ስጉምቲ ድማ እቲ ኩባንያ ዝሐሸ ዓርሰ-እምነት ንክፈጥር ክሕግዞ እዩ ተባሂሉ።

ግዚያዊ ኣቦ -መንበር እቲ ኩባንያ ኮይኑ ዝጸንሐ ዴቪድ ካልሁን፡ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ካብ 13 ጥሪ ጀሚሩ ነቲ ሓላፍነት ከምዝርከቦ ተገሊጹ'ሎ።

ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትውነን ነፋሪት ትርከበን ክልተ ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ ኣብዚ ዓመት ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ምስኣጋጠመን፡ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ካብ ሓላፍነቱ ክለዓል ሕቶታት ክቐርብሉ ጸኒሖም'ዮም።

ብድሕሪ'ቶም ሓደጋታት ፤ እተን 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ከይንቀሳቐሳ ተኣጊደን ይርከባ።

Image copyright Getty Images

ብትእዛዝ ዝተፈላለዩ መንገዲ ኣየራት ዓለም፤ ኣብ ህንጸት ዝነበራ ዓይነታት ቦይንግ ማክስ ድማ፤ ስራሕተን ክቋረጻ ከምዝገበረ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝወጽአ መግለጺ ቦይንግ፤ እቲ ኩባንያ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝገብሮም ርክባት ከም ብሓድሽ ንምጅማር ናይ መሪሕነት ለውጢ ምግባር ከምዘድሊ ኣባላት ቦርድ እቲ ኩባንያ ከምዝወሰኑ የመልክት።

ኣብ ሶፍትዌር እተን ነፈርቲ ጸገም ከምዝነበሮ ብትካላት መርመራ ኣመሪካ ዝተረጋገጸ እንትኸውን፤ እቲ ኩባንያ ኣብ መወዳእታ ዓመት ኤውሮጳውያን ነቲ ጸገም ብምምሕያሽ ተመሊሱ ናብ ስርሑ ክኣቱ እዩ ዝጽበ ነይሩ።

ሰብ-ሞያ እቲ ዓውዲ፤ እቲ ሓደጋ ቅድሚ ምብጽሑ ይግመት ከምዝነበረ እዮም ገሊጾም።

---

ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት መንገድ ኣየር ኢትዮጵያ ጓሉ ዝሰኣነ፡ ሚካኤል ስቱሞ፤ እዚ ናይ መጀመርታ ዝበሎ ስጉምቲ እቲ ኩባንያ ኣድኒቑ።

ቐጺሉ፤ ካልኦት ብቕዓት ዝጎደሎም ዝበሎም ኣባላት እቲ ቦርድ ሓላፍነቶም ክለቁ ኣለዎም ኢሉ።

እቲ ምጽራይ ዝከታተል ጉጅለ ዝመርሕ ኣባል ኮንግረስ፡ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ዛጊድ ኣብ ሓላፍነቱ ምጽንሑ ነቲ ኩባንያ ወቒሱ ንኒውዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ።

"ኣነ እንተዝኾን፤ ነቲ ሓላፊ ቀደም ኣባሪረዮ ምሃለኹ" ኢሉ።

ተወሳኺ ዛንታ