ኣሜሪካ፡ 'ኣኽልብተይ ይሞቱ ብምህላዎም ናብ ግብጽን ዮርዳኖስን ኣይልእኽን'

ብሽታ ዘለሊ ኸልቢ Image copyright Press Association
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣንጻር ግብረ ራዕዲ ዝቃለሳ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዘሽትቱ ኣኽልብቲ ይጥቀማ

ኣሜሪካ፡ ናብ ግብጽን ዮርዳኖስን ዝልኣክኹዎም ኣኽላባት ይሞቱኒ ኣለው ብምባል ንግዚኡ ኣኽላባት ምልኣኽ ጠጠው ኣቢላ።

ተገዳስነት ብምጉዳል ብዙሓት እንስሳት ብምሟቶም ዝሕብር መግለጺ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ካልኦት ተወሰኽቲ ኣኽላባት ንኸይሞቱ ንዚ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ኣመልኪቶም።

"ኣብ ስራሕ ዝነበረ ከልቢ ክመውት ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኣሜሪካ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ዝወጽአ ጸብጻብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ናብ ግብጺ፣ ዮርዳኖስን ካልኦት ሸሞንተ ሃገራት ኣብ ዝተልኣኹ ልዕሊ 100 ኣኽላባት፡ ዝግበር ክንክን ተገዳስነት ይጎድሉ ምህላው ተዓዚበ እየ ይብል።

ኣሜሪካ እተሰልጥኖም ኣኽላባት፡ ኣካል ፕሮግራም ቓልሲ ግብረ ራዕዲ ዝሳተፉ እዮም።

ክሳብ ሕጂ ግን ግብጽን ዮርዳኖስን ኣብዚ ጉዳይ ዝሃብኦ ርኢይቶ የለን።

Image copyright Canine Validation Center
ናይ ምስሊ መግለጺ ክልተ ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ ብሽታ ገበናት ዘለልዩ ዝነበሩ ኣኽልብቲ ኣብ ዮርዳኖሰ እተረኺቦም

"እዞም ኣኽላባት፡ ኣሜሪካ ኣብ ምውሓስ ኮነ ኣንጻር ግብረ ራዕዲ እንገብሮ ጻዕሪ ወሳኒ ተራ'ዮም ዝጻወቱ" ይብል መግለጺ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣሜሪካ።

እቶም ናብ ግብጽን ዮርዳኖስን ዝተልኣኹ ኣኽላባት፡ ንግዚኡ ኣብተን ሃገራት ከም ዝጸንሑ ድማ ሓቢሩ።

ሓበሬታ ምምሕዳር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ጆርዳን ብ2017 ሓደ ኸልቢ ብሃይፐርተርሚያ [ስትሮክ ሙቐት] ተጠቒዑ ሞይቱ።

ካልኦት ክልተ ድማ "ብጽኑዕ ሓሚሞም ናብ ኣሜሪካ ተመሊሶም" ይብል።

ሓለፍቲ ስራሕ ኣሜሪካ ከም ዝብሉዎ ድማ፡ "ሓደ ካብቶም ብጽኑዕ ዝሓመሙ ኣኽላባት ብሓገዝ ሓካይም ብምሕረታዊ ቕትለት ክመውት እንከሎ፣ እቲ ሓደ ድማ ትሕቲ ክብደት ስለ ዝነበረ ክንክን ተገይርሉ ናብ ንቡር ኩነታት ጥዕና ክምለስ ክግበር'ዩ"።

ዮርዳኖስ እታ ዝዓበየት ተቐባሊት ገበናት ንምልላይ ዝሰልጠኑ ኣሜሪካ እያ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ 2018-2019 ናብ ግብጺ ካብ ዝተልኣኹ፡ ሰለስተ ካብ ዓሰርተ ኣኽልብቲ፡ ብመንሽሮ ሳምቡእ፣ ስትሮክ ሙቐትን መንሽሮ ሓሙትን ከም ዝተጠቕዑ ኣሜሪካ ትገልጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት