ስለ ምንታይ መንግስቲ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ንቐጠርን ሱዳንን ይኸስስ?

ኢሳያስ አፍወርቂን ኢምር ሼኽ ታሚም ቢን ሐማድ አልታኒን
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂን ኢምር ሼኽ ታሚም ቢን ሓማድ አልታኒን

ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዝጀመረሉ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ከም ሓንቲ 'ደሴት ክርስቲያን' ገይሩ ዝሓስብ ዝነበረ ሃጸያዊ ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኤርትራ ፈኸም ዝብል ዝነበረ ሰውራ 'እስላማዊ ምንቅስቓስ' ብምባል ተነጽሎ ክፈጥረሉ ይጽዕር ነይሩ።

ኢትዮጵያ፡ ንሰዓብቲ ሃይማኖታዊ መራሒ ነብዪ መሓመድ ዕቑባ ብምሃባ ምስ ሃገራት አዕራብ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክትሃንጽ ብፍላይ ምስ ስዑዲ ዓረብ ከኣ ካብ ነዊሕ ንግዳዊ ምትእሰሳር ከተማዕብል ሓጊዙዋ እዩ። ይኹን እምበር ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝያዳ ርክባ ምስ ኤስያን ኤውሮጳን እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ለውጢ ሚያዝያ 2018፡ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ኢሳይያስን ኣቢይን ኣብ ስዑድን ኢሜሬትን ኒሻን ተሸሊሞም። በዚ ድማ እተን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰላም ፍሉይ ተራ ከምዘለወን ተራእዩ።

ኢትዮጵያ ብማይ ናይልን ህንጸት ግድብ ሕዳሰን ምስ ግብጺ ዘየሰማምዕ ነገር እኳ እንተጸንሓን እንተለዋን እቲ ጉዳይ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ኣብ ዘተን ልዝብን ይርከብ ብስምምዕ ክዓርፍ ከኣ ኣብ ተስፋ እዩ።

ሓርነታውያን ውድባት ጀብሃን ሻዕብያን ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዘን ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት አዕራብ፡ ግብጺ፡ ሶርያ፡ ዒራቕ፡ የመን፡ ቐጠርን ካልኦትን ሓንሳብ ዝመውቕ ሓንሳብ ዝዝሕል ዝምድና ጸኒሑወን እዩ።

ድሕሪ ኩናት ዶባት 1998-2000ን፡ ሕንገዳ ብይን ኮሚሽን ዶባት ብኢትዮጵያን፡ ብከበባ ተጻብኦ ዝተቐርቀረት ኤርትራ ኣብ ዶባት ምስ ጂቡቲ ተዋጊኣ እገዳ ምስተገብረላ፡ ሃገረ ቐጠር ከኣ ከም መሓዛ ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ወተሃደራታ ኣስፊራ ክትሽምግል ጽዒራ።

ኣብ 2015 ወጥሪ ሃገራት ወሽመጥ ኣጋጢሙ ስዑድን ኢሜራትን ኣንጻር ቐጠር ምስ ወገና፡ እተን መሓዙት ቐጠር ዝነበራ ኤርትራን ጂቡቲን ስዑዲ ምስ እትመርሖ ሓይልታት ልፍንቲ ወጊነን።

ቐጠር ከኣ ነቲ ኣብ ኣጻምእ ኣስፊራቶ ዝነበረት ዓቃቢ ሰላም ሰራዊታ ስሒባ ተኣልያ።

ፖሎቲካዊ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ

ቅድሚ ለውጢ 2018 ኢትዮጵያ፡ ብምብራቕን ምዕራብን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ኣብ ክልተ ቐጽሪ እየን ነይረን። ስዑዲ፡ ግብጺ፡ ጂቡቲ፡ ኤርትራ፡ የመን ምስ ስዑዲን ኢማራትን ዝመርሐኦ ልፍንቲ፡ ሱዳን ከኣ ምስተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እጃም ዘይብለን ቐጠርን ቱርክን ከኣ ኣብቲ ኻልእ ቑጽሪ ነይረን።

እቲ ለውጢ ቅድሚ ምኽሳቱ ግን ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ቐጠርን ብወገን ምዕራብ ንኤርትራ ይህድደኣ ከምዘለዋ መንግስቲ ኤርትራ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

ምስ ምምጻእ ኣቢይ ኣሕመድ ግን እቲ ኩነታት ተቐያይሩ። ኣይዶንጎየን ዑመር ኣልበሺር ካብ ስልጣኑ ተዓልዩ። ወጥሪ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ከኣ ተፈቲሑ።

ብድሕሪ'ዚ ኹሉ'ዩ እምበኣር መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዓመተ 2019 ጥራሕ ንቐጠር ሱዳንን ቱርክን ዝኸስስ ተደጋጋሚ መግለጺ ዘውጸአ።

እቲ ብረቡዕ 3 ሚያዚያ 2019 ዝወጽአ መግለጺ ንኣብነት፡ ቐጠርን ሱዳንን ኣንጻራ ኤርትራ ዝቐንዐ ሓባራዊ አዕናዊ ተግባራት ይሰርሓን ቱርኪ ከኣ ተሳስዮን ምህላዋን ይሕብር።

እዘን ሃገራት [ብፍላይ ቱርኪ]፡ ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ እስላማዊ ቤት ምኽሪ [መጅሊስ ሹራ ራቢጣ ዑላማእ ኤሪትሪያ] ብምድጋፍ፡ ንኤርትራ ንምንዕዓብ ይንቀሳቐሳ ከም ዘለዋ ይገልጽ። ሱዳን ግን ሽዑ ንሽዑ እያ ኣሉታ ሂባትሉ።

ብድሕሪ'ዚ እውን ቐጠርን 'መሻርኽታን' ሰላም እቲ ዞባ ንምዝራግ ትሰርሕ ምህላዋ፡ ንፖለቲካውያን መራሕቲ ተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራን መንእሰያትን መሳርዖም ብምውድዳብ ንክንዓዓቡ ከምእትድግፎም፤ ኣብ ርእሰኡ፡ ቐጠር ንሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንምቕንጻል ስልጠናታት ትህብን ጉጅለታት ናዕቢ ትውድብ ምህላዋን ይኸስስ።

ይኹን እምበር ቐጠር ምስ ኣብ ኤርትራ ዘለው ጉጅለታት ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ እቲ ክሲ 'ሓሶት'ዩ' ክትብል ነጺጋቶ። ብተወሳኺ፡ ንኣምባሳደር ኤርትራ ዓሊ ኢብራሂም ኣሕመድ ጸዊዓ፡ ነቶም ዝቐረቡ ክሲታት ዝነጽግ ሰነድ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣረኪባ።

ዝምድና ኤርትራን ቐጠርን መዓስ እዩ ክሕርፍፍ ጀሚሩ

ስለምንታይ እያ ግን ኤርትራ ብተደጋጋሚ ነዘን ሃገራት ትኸሰን ዘላ? ስለምንታይ'ከ ሕጂ? ዝምድና ኤርትራን ቐጠርን መዓስ እዩ ክሕርፍፍ ጀሚሩ? ዝብል ሕቶ ምላሽ ዘድልዮ እዩ።

ተንታኒ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱልራሕማድ ሰይድ ኣቡሓሽም ከምኡ'ውን ሓላፊ ማእከል ኣፍሪካን ፕሮግረስን ተንታኒ ፖለቲካን ዓሊ ህንዲ እዚ ዝስዕብ መብርሂ ሂቦምሉ ኣለው።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ዝምድና ቐጠርን ኤርትራን ድሙቕ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እውን ብተደጋጋሚ ናብ ቐጠር ይገይሽ ነይሩ። ዕርክነት መንግስታት እተን ሃገራት ምውቕ ብምንባሩ ተኸታተልቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት እቲ ዞባ ይዛረቡሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2006 ንተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳንን መንግስቲ ሱዳንን ዓሪቑ። እቲ ዕዉት ዕርቂ ከኣ ደገፍ ሃገረ ቐጠር ከምዝነበሮን ካብኡ ብምብጋስ ንዶባዊ ግጭት 2008 ኤርትራን ጅቡትን ንምዕራቕ ተበግሶ ከምዝወሰደት ሓላፊ ማእከል ኣፍሪካን ፕሮግረስን ዓሊ ህንዲ ይገልጽ።

ኣብ 2015 ኣመሪካን ምዕራብን ዝደገፈኦ፡ ብኢራን ይድገፍ'ዩ ንዝበሃል ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ንምድምሳስ ልፍንቲ ወፍሪ አዕራብ መሰበገሳ ኤርትራ ናብ ስዑዲ ዘምቢላ።

ኣብ ሰነ 2017 ስዑድን ኢሜሬትን ዝርከበአን ሃገራት ወሽመጥ ኣንጻር ቐጠር እገዳ ምስ ኣወጃ ኤርትራን ጂቡቲን ምስ ቐጠር በቲኸን።

ሰላም ኤርትራን ጂቡትን ከተኽብር ሰራዊታ ኣብ ሕዱድ ኣስፊራ ዝነበረት ቐጠር ከኣ ወተሃደራታ ሒዛ ተኣልያ። ዝምድና ቐጠርን ኤርትራን ብኡ ተበላሽዩ ይብል ተንታኒ ዞባ ፖለቲካ ዓብዱልራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም።

ኣባል ልፍንቲ ዓረብ ኢሜሬት፡ ኣብ ዓሰብ መዓስከር ሰሪታ ብባሕርን ሰማይን ንሰንዓን ሑደይዳን ክትወፍር ተፈቒዱላ። መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣምሳይኡ ብኽራይ ክረኽቦ ዝኽእል ረብሓ ከምዝህሉ እቶም ተንተንቲ ይዛረቡ።

ቐጠር፡ ነቲ ኣብ የመን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ስለዘይደገፈት፡ ስዑድን ኢማራትን ዝርከብአን ሓደ ሓደ ሃገራት ወሽመጥ፡ ቐጠርን'ሙስሊም ብራዘርሁድ' ትድግፍ እያ ብምባል ናይ ምድርን ሰማይን እገዳታት ምስ ገበራላ ቱርኪ ምስ ቐጠር ወጊና።

ዝምድና ኤርትራን ቐጠርን ከኣ ሓርፊፉ። እንተኾነ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመትን መንፍቕን ከበባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ስዑዲያ ምስ ቐጠር ዝምድናኣ ንምምሕያሽ ርክባት ጀሚራ ምህላዋን እቲ ርክብ ንኢመራታውያን ከምዘየሐጎሶም ኣቡሃሺም ይገልጽ።

ድሕሪ ለውጢ ሚያዝያ 2018 ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ተጋሂዱ። ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ተመሓይሹ ክነሱ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ቐጠር ተደጋገሚ ክሲ ምቕራቡ ግን እንታይ ክኸውን ይኽእል ንዝብል ሕቶ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ምናልባት ንዕርቂ ዝእምት ቆላሕታን ኣቓልቦን ዝሓትት ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምቶም ብምቕማጥ ጽባሕ ንግሆ እንታይ ክምዕብል ከምዝኽእል ግዜ ከርእየና እዩ ይብሉ።

ቐጠር፡ ዓብላልነት ስዑድን ኢመራትን ንምምካት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋኣ ንምስፋሕ ንእስላማዊ ክንፊ 'ብራዘርሁድ' ብምድጋፋ ናታ ዓቕሚ ንምድልዳል ብዙሕ ሜላታት ትጥቀም ምንባራ ይዛረብ ዓሊ ህንዲ።

ኣብ 2011 ብቐጠር ዝድገፍ ኣኽዋን ኣልሙስሊሚን ብቀውዒ ሰውራ ኣብ ግብጺ ስልጣን ምስ ሓዘን ምስ እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ክራኸብ ምስ ጀመረን ኤርትራ ከምዘይተሓጎሰትን፤ ኣብቲ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ ጻውዒት ትግባረ ቅዋምን ለውጥን 2013 ናይ ቐጠር ኢድ ነይሩዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ከምዝጥርጠር ይገልጽ ኣቶ ዓሊ።

እንተኾነ ኣብቲ ስርሒት ኢድ ቐጠር ምንባሩን ዘይምንባሩን ምንም መረጋገጺ ኣይተረኽበን።

Image copyright Qatar Ministry of Foreign Affairs
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቐጠር (ጸጋም) ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር

በቲ ሓደ ሸነኽ ኤርትራ፡ ኣብ ዞባ ሃገራት ዓረብ ካብ ዘለውዋ ኤምባሲታት እቲ ኣብ ቐጠር ዘሎ ዝዓበየ ምዃኑን፤ ቐጠር ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ናይ ተጻብኦ ስጉምቲ ክትወስድ ትኽእል እያ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ይዛረብ።

ኣብዚ እዋን እዚ ብፍላይ ዑጡቓት ሑቲ ምስ ስዑዲ፡ ስዑዲ ከኣ ምስ ቐጠር ዝርርብ ጀሚሮም ብምህላዎም እቲ ዞባ ካብ ጎንጽን ኩናትን ናብ ሰላም ገጹ ይዝንብል ብምህላው እቲ ናይ ምጥልላፍ ፖለቲካ ክሃስስ ከምዝኽእል ይግምቱ እቶም ተንተንቲ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዘይከምቅድሚ ሕጂ ምስ ሃገራት ዓረብ ጥቡቕ ዝምድና ትምስርት ኣላ። ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ክሳብ ወተሃደራዊ ስምምዕ ተፈራሪማ ኣላ። ኣብ ዕርቀ ሰላም መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝነኣድ ተራ ከምዝነበራ ይዝረብ እዩ። ምስ ስዑዲ እውን ምዉቕ ዝምድና ይምዕብል ኣሎ።

ስዑድን ኢሜረትን ኣብ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኢድ ከምዘለወን ስለዝንገር ንዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ እውን ጽላል እዩ።

ምናልባት እውን እቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ቐጠር ዘቕርቦ ዘሎ ክስታት እታ ንኤርትራ ናይ ወደባትን መዓስከራትን ክራይ እትኸፍል ኢሜሬት ትደፋፍኦ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ዓብደራሕማን።

እታ ንፖሊሲ ቐጠር እትድግፍ ማዕከን ተሌቪዥን ኣልጀዚራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንሓንሳብ እውን ሓቅታቱ ዘይተረጋገጸ ንኤርትራ ዝኸስስ ዜና ትፍኑ ብምንባራ ኤርትራ ነቲ ተግባር ከም ምንዕዓብ ክትርእዮ ከምእትኽእል እቶም ተንተንቲ ርእይተኦም የቐምጡ።

ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ንኣልጄዚራ ከም ዝፈርሕኣ ዝዛረብ ሓላፊ ማእከል ኣፍሪካን ፕሮግረስን ተንታኒ ፖለቲካን ዓሊ ህንዲ፡ "መንግስቲ ኤርትራ ጸገማት ምብራቕ ሱዳን ክትኣልዩ እንተደሊኹም ንዓይ ሓዙ ብምባል፤ እቲ ዕርቂ ምስ ኣፈጸሞ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ጸብለልትነት ነይሩዋ።

ሕጂ እውን ኣብ መዳያት ዲፕሎማሲ ስፍርኡ ንምትዕርራይን ብኡ ዝርከብ ረብሓ ንምርግጋጽን ዝገብሮ ዘሎን ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ዓሊ ህንዲ።

ተወሳኺ ዛንታ