ኣብ ኢንዶንዥያ፡ ብሓደጋ ኣውቶቡስ 26 ሰባት ሞይቶም

እታ ዝጸደፈት ኣውቶቡስ Image copyright Palembang Search and Rescue Agency/Instagram
ናይ ምስሊ መግለጺ እታ ዝጸደፈት ኣውቶቡስ

ኣብ ኢንዶንዥያ፡ ሓንቲ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ናብ ወሓዚ ዘለዎ ዓሚቕ ቦታ ብምጽዳፋ ብውሕዱ 26 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 13 ሰባት ብኸቢድን ፎኪስን ቆሲሎም።

እታ 50 ሰባት ጽዒና ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዞባ ሱማትራ ካብ ከተማ በንግኩሉ ናብ ፓለምባንግ እትጉዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ፡ ካብ መገዳ ስሒታ 150 ሜትሮ እያ ናብ ታሕቲ ጸዲፋ።

ልዕሊ 120 ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን፡ ነቶም ብሂወት ዝተረፉ ናብ ሕክምናዊ ክንክን ክረኽብሉ ዝኽእሉ ቦታ ኣብ ምብጽጻሕ ተዋፊሮም ኣለው።

ጠንቂ ምጽዳፍ እታ ኣውቶቡስ፡ ፖሊስ ኢንዶንዥያ የጻርዮ ከም ዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ሓደጋ ብኣቆጻጽራ ኢንዶንዥያ ለይቲ ሰዓት 11፡15 እዩ ኣጋጢሙ፡

ኣዛዚ ፖሊስ ፓጋር ኣላም ዶሊ ጉማራ፡ ፖሊስ ብህይወት ንዝተረኸቡ ናብ ውሑስ ሕክምና ዝረኽብሉ ቦታ ኣብ ምብጻሕ ቀዳምነት ሂቦም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ዶሊ ጉማራ ኣስዒቡ፡ ስድራቤት እቶም ግዳያት ናብ ሕክምና ብምኻድ ሬሳ መቕርቦም ከለልዩ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብ እንዶንዥያ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ኮይኑ፡ ዝበዝሐ ግዜ ብሰንኪ ዘይብቑዕ ትሕተ ቅርጺ ዝኽሰት ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።