ውድብ ብልጽግና- ብዓይኒ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ

ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ (ትዴፓ)፡ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ (ባይቶና)፡ ኣይተ ጸጋዘኣብ ሽሻየ (ሳወት)
መግለጺ ስእሊ,

ካብ ጸጋም፡ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ (ትዴፓ)፡ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ (ባይቶና)፡ ኣይተ ጸጋዘኣብ ሽሻየ(ሳወት)

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣካል እቲ ኣብታ ሃገር ጀሚረዮ ዝበሎ ለውጢ፡ ንዝሓለፉ 28 ዓመታት ከመሓድር ንዝጸንሐ ኢህወዴግ ብምፍራስ፡ ካልኦት ውድባት ብምሕዋስ 'ብልጽግና' ዝተብሃለ ሃገራዊ ፓርቲ ከምዝመስረተ ይገልጽ።

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ 'ብልጽግና' ዝበሃል ውድብ ብዕሊ ከምዝመዝገበን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓለፍትን ተወከልትን እቲ ሰልፊ ከምዝተመረጹ ኣብ መራኸቢ ማዕከናት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ሓዱሽ ፓርቲ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ዘሳትፍን ሓቀኛ ፌደራላዊ ስርዓት ንምትካል ዝሕግዝን ከምዝኾነ ይገልጽ።

መስራትን ዓብላላይን ግንባር ኢህወዴግ ዝነበረ ሰልፊ ህወሓት ግን እቲ ውህደት ንመተሓዳዳደሪ ደንቢ ናይቲ ግንባር ዘይተኸተለ፣ እዋኑ ዘይሓለወን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ናይታ ሃገር ዘፍርስን እዩ ኢሉ ብምቅዋም ኣካል እቲ ውህደት ከምዘይኮነ ገሊጹ እዩ።

እዚ ኩነታት፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ዘይምቅድዳው ክጋደድ ገይሩዎ ኣሎ።

"ብሽም ፌደራላዊ እዩ ዝብል፤ ብተግባር ግን ኣሃዳዊ እዩ"

ኣቦ መንበር ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፡ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ፡ "ንሕና ዘገድሰና ናይ ትግራይ ረብሓ ይሕለዶ ኣሎ ኣይሕሎን?" ዝብል ከምዝኾነ ይዛረብ።

"ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ሕቶ፡ ናይ ኢህወዴግ ናይ ምውህሃድ ሕቶ ኣይኮነን ነይሩ። ናይ ልምዓት፣ ናይ ዲሞክራሲ፣ ናጽነት፣ ልዕልና ሕጊ ናይ ምኽባርን ሕቶታት እዮም ነይሮም" ይብል ኣይተ ኪዳነ።

እቲ ውህደት ኣብ ውሽጢ'ቲ ግንባር ዝጸንሐ ናይ ምጥልላፍ ፖለቲካ ዝወለዶ ክስተት ከምዝኾነ ይኣምን።

ፓርቲ ብልጽግና ክምስርቶ ዝሓስብ ዘሎ ስርዓተ መንግስቲ እውን ንህልው ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘየእተወን ስርዓት ፌደራሊዝም ዘፍርስን ከምዝኾነን ኣይተ ኪዳነ ይገልጽ።

"ጉጅለ ብልጽግና ብሽም ፌደራላዊ ዝብል እዩ፤ ብተግባር ግን ኣሃዳዊ እዩ" ዝብል ኣይተ ኪዳነ፤ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንኣሃዳዊ ስርዓት ዝጥዕም ስለዘይኮነ እዩ 'ፌደራሊዝም ይቕበል እየ' ዝብል ዘሎ ይብል።

"ተገዲዱ እምበር፡ ብተግባር ካብ ኣሃዳውነት 'ውን ዝበኣሰ፡ ናይ ውልቀ ምልኪ፡ ካብ ቤተ መንግስቲ ናብ ቁሸትን ጣብያን ዝወርድ መስመር ንምዝርጋሕ ዝመጸ እዩ" ክብል ድማ ይነቅፍ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ውህደት ዝሃቀኖ ''ንህወሓት ዝወቕዐሉ ካልእ ጉጅለ'' ንምፍጣር እዩ ኢሉ ይኣምን።

ብመንጽር ረብሓ ትግራይ ድማ፡ ክልተ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ብሄራት ዝዕብልልዎ ምልካዊ ስርዓት ንምምስራት ዝግበር ዘሎ ጉያ ከምዝኾነን፡ ንትግራይ ከምዝጎድእን ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ይዛረብ።

"ንስኻትኩም ሽዱሽተ ፐርሰንት እዩ ብጽሒትኩም፤ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን፣ ኣብ ናይ ኢኮኖሚ ጉዳይ ይኹን፡ ኣብ ካሊእ ጉዳይ 'ብኣኣ መሰረት ኢና እነተኣናግደኩም' ዝብል እዩ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓሳብ'' ብምባል ንትግራይ ሓደጋ ዝኾነሉ ነጥቢ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Media House/TMH

መግለጺ ስእሊ,

ኣቦ መንበር ባይቶና ኣይተ ኪዳነ ኣመነ

"ንሕና ተጋሩ እዛ ዓዲ እዚኣ ደው ንክትብል ብዘበርከትናዮ ኣስተዋጸኦ ክንምዘን ኣለና በሃልቲ ኢና'' ብምባል፡ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፡ በዝሒ ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ውክልናን ተጠቃምነትን ከምዘይቕበል ኣይተ ኪዳነ ይገልጽ።

ኣቦ ወንበር ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ትግራይ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ብወገኑ፡ ብዛዕባ ውድብ ብልጽግና ዛጊድ ብሚድያ ካብ ዝሰምዖ ወጻኢ ዝተፈለየ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፤ ረብሓን ጉድኣቱን ንምግላጽ ግዚኡ ገና ከምዝኾነ ይዛረብ።

"ብልጽግና ፓርቲ ሕዚ እዩ ዝተሓዋወስ ዘሎ፤ ንጹር መርገጺታቱን ፖሊሲታቱን ምስ ፈለጥና፡ ብዓይኒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ፡ ቅቡል እዩ ወይ ቅቡል ኣይኮነን ኢልና እንዛረበሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን'' ዝብል ዶ/ር ኣረጋዊ፡ "ብልጽግና ፓርቲ ንህዝቢትግራይ ዘይጠቅም ኮይኑ እንተርእይናዮ ተቓውሞና ብግልጺ ክነስምዕ ኢና" ኢሉ።

ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ፡ ፖሊሲታት ብሃገር ደረጃ ከምዝወጽእን፡ ንሃገር ብዝረብሐሉ መገዲ ክፍጸምን ከምዝለዎን ይኣምን።

እንተኾነ፤ ኣብ ፓርላማ ዘሎ ውክልና ብዝምልከት ድማ ውሑድ ህዝቢ ኩሉሻብ ተስዓራይ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓራይ ዝኾነሉ ኣካይዳ ግን ተቐባልነት ከምዘይብሉ ዶ/ር ኣረጋዊ ይገልጽ። ብኣንጻሩ መጠናዊ ውክልና ክህሉ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን።

"እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ለውጢ፡ ጸረ ህዝቢ ትግራይ ዓይነት ኣከያይዳ ዘለዎ ይመሰል እዩ፤ ግን ከምኡ ኮይኑ ኣይረአየንን" ዝብል ዶ/ር ኣረጋዊ "እቶም ለውጢ ኣምጺኦም ዘለዉ ሰባት ጸረ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮኑን" ይብል።

እቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምቅድዳው ድማ ኣብ መንጎ ለውጢ ደላዪ ዝኾነ ፓርቲ ብጽግናን ውድብ ህወሓትን እምበር፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘራኽብ ከምዘይብሉ ይገልጽ።

"እዚ ለውጢ እዚ ብሓጺሩ፡ንህዝቢ ትግራይ ረብሓ ዝመጸ ዳኣምበር፡ ጸረ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን፤ ጸረ ህዝቢ ትግራይ ክውዕል እንተኾይኑ ካኣ ቀዳምነት እንቓወሞ ንሕና ኢና"።

ኣባል መተሓባበሪት ኮሚተ ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ጸጋዘኣብ ሽሻየ ድማ፡ "ውድብ ብልጽግና ንብሄራዊ ውዳበ እዝኒ ዘይህብ ይመስል'' ብምባል ሰባት ብብሄር ተወዲቦም ብሄራዊ ረብሐኦም ከረጋግጹ ዘተባብዕ ከምዘይኮነ ይገልጽ።

እዚ ኣካይዳ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንብሄራዊ ሓርነቱን ንመሰል ዓርሰ ውሳንኡን ዘካየዶ ቃልሲ ዝሸራርፍን፡ "ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ክተኽብረሉ ዘይትኽእል መድረኽ ዝፈጥርን እዩ" ይብል።

"ድሕሪ ውህደት ብሄርካ ኣብ ድሕሬኻ የለን፤ ናይ ብሄር ረብሓ ሒዝካ ኣይኮንካን እትቐርብ ናብቲ መድረኽ። ናይ ብሄር ረብሓ ከም ርእሲ ክተልዕል ትኽእል ኢኻ፡ ግን እቲ ዓንዲሑቐ ዝኾነ ብሄር ወኪልካ ኣይኮንካን ትመጽእ ዘለኻ፡ ኣብቲ መድረኽ ብኣብዝሓ ድምጺ እንተተሳዒርካ ድማ እቲ ናይ ብሄርካ ድልየት ብናይ ካልኦት ድልየት ተሳዒሩ ኣሎ ማለት እዩ" ብምባል ነቲ ኣወዳድባ ይነጽጎ።

እቲ ዝጸንሐ ብሄር መሰረት ዝገበረ ኣካይዳ፡ ሃገራዊ ስምዒት ክጉሕጓሕ ዝገበረን ቀንዲ መልዐሊ ዓሌታዊ ጎንጺታት ከምዝኾነን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ዝተፈላለዩ ኣመራርሓታት ተቓውሞን ይዛረቡ።

ብተወሳኺ እቲ ውድብ ሓቀኛ ስርዓት ፌደራሊዝም ዝትግበረሉን ተገሊሎም ዝጸንሑ ህዝቢታት ኣብ ውሳነታት እታ ሃገር ድምጺ ክህልዎም ዝገብርን ከምዝኾነ ይሕብሩ።

መግለጺ ስእሊ,

ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ፡ ኣመራርሓ ትዴፓ

"ካብኡ ሓሊፎም 'ውን 'ሕገ መንግስቲ የፍርስዎ ኣለዉ' ይብሉ እዮም። ሕገ መንግስቲ ዘፍርስ ዝነበረ መሪሕነት ህወሓት እዩ'' ብምባል፡ ህወሓት ብሽም ፌደራላዊ፤ ብተግባር ግን ኣሃዳዊ ኮይኑ ይዕፍንን የጋፍዕን ምንባሩ ዶ/ር ኣረጋዊ ይገልጽ።

ውሳነ ህወሓት ከመይ ይርእይዎ?

ብደረጃ ኣፈጸምቲ ነቲ ውህደት ዝተቓወመ ህወሓት፡ ናብ ጉባኤኡ ወሲዱ ከምዝዘራረበሉን ውሳኔታቱ ናብቲ ግንባር ከምዘቕርብን ብኣቦ መንበሩ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣቢሉ ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ ዘይተውሓጠሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ድማ ዝተፈላለዩ ሽማግለታት ብምልኣኽ ነቲ ውድብ ከእምን ከምዝፈተነን ይንገር።

ኣቦ መንበር በሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ኣይተ ኪዳነ ኣመነ፤ "እቲ ዋና ጉዳይ ናይ ህወሓት ምውሃድን ዘይምውሃድን ዘይኮነስ፡ ካብቲ ናይ ትማሊ ናይ ፖለቲካ ስሕተቱ ተማሂሩ፡ ሐዚ ናይ ትግራይ ድልየትን ረብሓን መሰረት ገይሩ ይኸይድ ኣሎዶ ኣይኸይድን ዝብል እዩ ከም ውድብ ዘተሓሳስበና'' ይብል።

ኮይኑ ግና "ህወሓት ናብዚ ማሕበር ኣይኣቱን ምባሉ ንሕና ከም ውድብ፡ ከም ኣወንታ ኢና ወሲድናዮ፡ ትኽክለኛ ስጉምቲ እዩ" ብምባል እቲ ውህደት መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ዝምልስ ዘይምዃኑ ይሕብር።

ብተወሳኺ ፓርቲ ብልጽግና፡ ህወሓት እንተዘይተወሃሂዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ኩለ መዳያዊ ጽዕንቶ ምግባሩ ኣይተርፍን ዝብል ኣይተ ኪዳነ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ኣካይድኡ ከመዓራርይ ይመክር።

"ቅድሚ ሕዚ ትዕግስቲ ዘድልዮም ነገራት እዮም ነይሮም፤ ሐዚ ካኣ ስጉምቲ ዘድልዮም ጉዳያት እዮም ዝመጽኡ ዘለዉ" ይብል።

ጉዳይ ውህደት ህወሓት ነቲ ውድብ እዩ ዝምልከት ዝብል፡ ኣባል መሪሕነት ሳወት ጸጋዘኣብ ሽሻየ ብወገኑ፡ ኮይኑ ግና "ብዓይኒ ረብሓ ትግራይ እንተርእይናዮ፡ ቅድሚ ሕዚ ሕወሓት 'ውን ኣብቲ ፌደራል ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ትሕሉ ነይራ ዝብል እምነት የብልናን፡ ንዕኡ ኢና ድማ ውድብ መስሪትና" ይብል።

ኣቦ መወንበር ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ፡ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ዝተፈለየ ቕዋም እዩ ዘለዎ።

ህወሓት ነቲ ውህደት ካብ ዝቃወመሎም ምኽንያታት ሓደ፡ እቲ ኣካይዳ ፌደራላዊ ስርዓት እታ ሃገር ንምፍራስ እዩ ዝብል እዩ። ዶ/ር ኣረጋዊ ግን በዚ ሓሳብ ኣይሰማማዕን።

"እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ሓሶት እዩ፤ እዚ ለውጢ እዚ ናብ ኣሃዳዊ ስርዓት ንምኻድ እዩ ዝብልዎ ዘለዉ ሓሶት እዩ። ኣነ ይከታተሎ ከምዘለኹ፡ እቶም ለውጢ መምጻእቲ ፌደራላዊ ስርዓት ዝድግፉ ደኣምበር ዝቃወሙ ኣይኮኑን" ብምባል ዝኾነ ዓይነት ኣሃዳዊ መንግስቲ ናይ ምትካል ኩነታት ከምዘይረአየ ይገልጽ።

"ቃልሲ ጥራይ ከምዝዓርቀና ደምዲምና ኢና"

"ንሕና ከም እንፈልጦ እቲ ኣካይዳ ባዕሉ ህወሓት እዩ ጀሚርዎ። ኣብ መወዳእታ ግን ብእኒ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ለውጢ ምስመጸኣ፡ ናታቶም ልዕልነት ክቕጽል ስለዘይከኣለ፡ ኮርዮም ዝኸዱ ኮይኖም እዮም ዝረኣዩኒ" ብምባል ህወሓት ነቲ ውህደት ዝተቓወመሉ ምኽንያት መትከላዊ ከምዘይኮነ ዶክተር ኣረጋዊ ይገልጽ።

ዶ/ር ኣረጋዊ፡ እቲ ብህወሓት ዝተወሰደ ስጉምቲ ልክዕ ከምዘይነበረ ይገልጽ።

"ብሓቂ ምእንቲ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበሉ እንተኾይኖም፡ ክራጋረጉ ነይሩዎም እምበር፡ ስቕኢልካ ሓደ እምባ ሒዝካ ሸፊትካ ኬድካ፡ ኣብ ትግራይ ዓሪድካ፡ እዙይባ እዙይባ እንተበልካ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረአየንን" ይብል።

ኣብታ ሃገር ብዝተፈጠረ ለውጢ ምኽንያት፡ ኣብ ዓዶም ኣትዮምን ናብ ህዝቦም ቀሪቦምን ክቃለሱ ከምዝኸኣሉ ዝዛረብ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ፡ "እቲ ለውጢ መጺኡ ዘኒሀ ሓሳብካ ብነጻ ናይ ምግላጽ እዩ፤ ተቓዋማይ ኮይንካ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ናይ ምንቅስቓስ ዕድላት ከፊቱልና እዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ኢና ድማ ካብ ናይ 30 ዓመት ስደት መጺእና እንንቀሳቐስ ዘለና" ይብል።

ብኣንጻሩ ህወሓት ግን "እዛ ለውጢ እዚኣ ስለዘይደልዩዋ፡ ኣብ መቐለ ዓሪዶም ከይትኣትዉና እዮም ዝብሉና ዘለዉ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Tsegazeab Fissehaye/FB

መግለጺ ስእሊ,

ኣይተ ጸጋዘኣብ ሽሻየ፡ ኣባል መተሓባበሪት ኮሚቴ ሳወት

ኣይተ ጸጋዘኣብን ኣይተ ኪዳነን ግን ብምኽንያት ናብ ኣሃዳዊነት ዝቐረበ ኣካይዳ እቲ ውሁድ ፓርቲ፡ ህወሓት ኣይንወሃሃድን ምባላ ክትምስገን ኣለዋ ዝብል ቅዋም እዩ ዘለዎም።

"እቲ ሐዚ ዝመጽእ ዘሎ ፕሮግራም ዝቐየሮ ፓርቲ ብልጽግና ስለዝኾነ 'ምበር፡ እቲ ናይ ቀደም ፕሮግራም እንተዝነብር ውህደት እድግፍ እየ ኢላ እያ" ይብል ኣይተ ጸጋዘኣብ።

ናይ ህወሓት ዘይምውሃድ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳንኣን መንግስታዊ ስልጣናን ሒዛ ክትቅጽል ከምዝሕግዛ ዝገልጽ ኣይተ ጸጋዘኣብ፡ ነዚ ስዒቡ ግን ክመጽኡ ዝኽእሉ ጽዕንቶታት ከምዝህልዉ ይዛረብ።

"ትግራይ ናይ ባዕላ ዝኾነ ዓርሰ ምሕደራ ሒዛ ክትጸንሕ፡ ናይ ባዕላ መንግስታዊ ሓይሊ ኣሕሊፋ ንከይትህብ፡ ብናይ ካልኦት ውሳነ ንከይትግዛእን ይረድእ እዩ" ይብል።

ብተወሳኪ እቲ ፓርቲ ነታ ሃገር ዝመርሐሉ መገዲ እንተተፈጢሩ፡ በቲ ዘጣየሶ ናይ ዶብን መንነትን ኮሚሽን ኣቢሉን ካልኦት ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ጸቕጢታት ክገብር ክፍትን ከምዝኸእል 'ውን ይሕብር።

ንትግራይ ዝመርሕ ዝኮነ ይኹን ፓርቲ ኣባል እቲ ውሁድ ብዘይ ምዃኑ ጽልዋ ክግበረሉ ዘኽእል ዝኾነ ዓይነት መስርሕ ክህሉ የብሉን ይብል፤ ኣይተ ኪዳነ።

"ማእከላይ መንግስቲ ቴሌ ናብ ምዕጻው፣ ኤልክትሪክ ናብ ምቁራጽ፣ ናይ ኣየር ጉዕዞን በጀትን ናብ ምቁራጽ እንተኣትዩ ግን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብሰለስተ ኣርባዕተ ኢድ ሓፍ ይብል ኣሎ ማለት እዩ" ይብል።

"ምስ ጉጅለ ብልጽግና ቃልሲ ጥራይ ከምዝዓርቀና ደምዲምና ኢና" ዝብል ኣይተ ኪዳነ፡ "ዝኽፈል ተኸፊሉ ዝግበር ተገይሩ፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ጸረ ተጋሩ ዝኾነ ስርዓት ክእለ ኣለዎ" ይብል።