ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ "ኣብ ረቒቕ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ዝልወጡ ነገራት ክህልው'ዮም"

ዶክተር ነመራ ኣማኻሪ ቁጠባ ቐዳማይ ሚኒስትር Image copyright Nemera FB

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ዝውሰዱ ዘለው ቁጠባዊ ምምሕያሻት ስዒቡ፡ ኢትዮጵያ ገዚፍ ልቓሕን ሓገዝ ገንዘብን ካብ ሃገራት ዓለም ትረክብ ኣላ።

ምስቲ ዝውሰድ ዘሎ ቁጠባዊ ምምሕያሽ ብዝተሓሓዝ ድማ፡ 'ሃገር ቦቆል ቁጠባ' ዝብል ኣካይዳ ከም ዝኽተል መንግስቲ ይገልጽ።

ኣብ ቀረባ፡ ትካል ገንዘብ ዓለም [ኣይኤምኤፍ] ንኢትዮጵያ 2.9 ቢሊዮን ዶላር ልቓሕ ገንዘብ ንክህባ ተሰማሚዑ'ዩ።

ንኣማኻሪ ቁጠባ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ነመራ ገበየሁ ማሞ፡ ኣብታ ሃገረ ብዛዕባ ዘሎ ቁጠባዊ ምምሕያሽ ከምኡ'ውን ኣይኤምኤፍን ካልኦት ትካላት ገንዘብ ዓለምን ንኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝህቡዋ ዘለው ገንዘባዊ ልቓሕ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።

ቢቢሲ፡ ኣይኤምኤፍ ገንዘባዊ ልቓሕ ክህብ እንከሎ፡ ናይ ባዕሉ ድመ ኹነት ብምቕማጥ'ዩ። ኢትዮጵያ ዚ ናይ 2.9 ቢሊዮን ዶላር ልቓሕ በየናይ መስርሕ'ያ ረኺባቶ?

ዶክተር ነመራ፡ ሓቂ'ዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣይኤምኤፍ ቅድመ ኹነት ብምቕማጥ'ዩ ልቓሕ ዝህብ ነይሩ። እዚ ድማ ካብ ማክሮ ኢኮኖሚ ክሳብ ታሕቲ ዘለው ነገራት ሓንቲ ሃገር ዝትንክፍ'ዩ። ሕጂ ግን ናይ ኢትዮጵያ ፍሉይ ዝገብሮ ንዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ዓመትን መንፈቕን እዛ ሃገር ብዙሕ ፖለቲካዊ ለውጢታት ትገብር ኣላ።

ነቶም ዘለው ቁጠባዊ ጸገማት ንምፍታሕ ድማ 'ሃገራዊ መበቆል' ዘለዎ መንገዲ ለውጢ ግብራዊ ክትገብር ጸኒሓ'ያ። ኣይኤምኤፍ ድማ ከምዚኦም ንዝበሉ ምንቅስቓሳት ናይ ምሕጋዝ ዝንባለ ኣለዎ። በዚ መገዲ መጺኦም'ዮም ንኢትዮጵያ ክንሕግዝ ኢና ዝበሉ።

ስለ'ዚ፡ ከምቲ ልሙድ ንሳቶም ዘቐመጡዎ ቅድመ ኹነት የለን። ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢድ መንግስቲ ዝጸንሑ ትካላት ናብ ብሕቲ ንምስግጋር፡ ከምኡ'ውን ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንምፍታሕ እትገብሮም ዘላ ስራሓት፡ ኣይኤምኤፍ ቅድሚ ምምጽኡ ዝተጀመሩ'ዮም።

ንሳቶም ድማ፡ ነዞም ናይ ለውጢ ሓሳባት ንድግፍ ኢና ኢሎም ነቲ ልቓሕ ሂቦምና።

ቢቢሲ፡ ስለ'ዚ እ ቅድመ ኩነት ዋላ ንኣይኤምኤፍ ተባሂሉ እንተዘይኮነ'ውን፡ ተማሊ ጸኒሑ እዩክንብልንኽእል?

ዶክተር ነመራ፡ ልክዕ፤ ግን ሕጂ እቶም ብ1980ታት ዝነበሩ መሓውራዊ ፕሮግራማት ኣይኤምኤፍ ኮነ ባንኪ ዓለም ሕጂ የለውን፤ እናላሕልሑ መጺኦም'ዮም። ካብ ተሞክሮኦም ተበጊሶም ነቲ ኣሰራርሓ እናፍኮስዎ መጺኦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ድማ፡ ካብ ምእካብ ግብሪ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘለው ጉዳያት ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ጸገም'ዮም ዘለው፤ ነዚ ክንፈትሕ ኣለና። ኣይኤምኤፍ ድማ ነዞም ጸገማት ንምውጋድ ንዝተወሰደ ተበግሶ ክድግፉ መጺኦም።

ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ቅልጣፈ እቲ ቁጠባዊ ዕብየት ዝውሰን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እምበር ብኻልእ ወገን ኣይኮነን።

ንሳቶም፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ጥራይ'ዮም ዝደልዩ። እዚ ለውጢ በቲ ዝድለ ኣንፈት'ዶ ይኸይድ ኣሎ? ዝብል ክፈልጡ ይደልዩ'ዮም። ኣብዚ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና፤ ግን ከምቲ ዝብሃል ቅድመ ኹነት ኣቐሚጦም ኢድ ኢትዮጵያ ንምጥዋይ ዓቕሚ ዝህልዎም ኣይመስለንን።

ቢቢሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዚ ገንዘብ በቲ ዝደልዮ መገዲ ወጻኢ ናይ ምግባር መሰል ኣለዎ'ዶ?

ዶክተር ነመራ፡ እወ፤ ከም ዝደለዮ ክብሃል እንከሎ ግን፡ መንግስቲ ዝተቐመጡ ሸቶታት ከዐውት ስለ ዘለዎ፡ ቀዳምነት ዝህበሎም ስራሕቲ ኣነጺሩ ግልጽነት ብዘለዎ መገዲ ነቲ ዝደልዮ ዕላማ ናይ ምውዓል ሙሉእ ስልጣን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ጉዳይ ፕራይቬታይዜሽን ብዙሓት ስራሕቲ ክህልው'ዮም።

ነቶም ኢንተርፕራይዛት ኣብ ምምሕያሽ፣ ዓቕሚ ኣብ ምህናጽ ግን ፋይናንሳዊ ድጋፍ ይደልዩ'ዮም። እቲ ዝረኸብናዮ ገንዘብ ኣብዚ'ዩ ክውዕል።

ቅድሚ 50 ዓመት ዘካትዕ ዝነበረ ጉዳይ፡ መንግስቲ ወጻኢኡ ክንኪ ኣለዎ ዝብል ሓሳቦም'ዩ። ሕጂ ዘሎ ቁጠባዊ ለውጢ ግን መንግስቲ ግብሪ ናይ ምእካብ ዓቕሙ ኣብ ምዕባይ ትኹረት ክገብር እምበር ወጻኢ ኣብ ምንካይ ኣይኮነን።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ለውጢ ኣብ ምግባርን ካብ ትሕዝቶ መንግስቲ ናብ ብሕቲ ምስጋርን ብዙሓት ስራሕቲ ኣለው። ኣብዚ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ስለ ዘድሊ፡ እቲ ገንዘብ ኣብዚ ከም ዝውዕል ክግበር'ዩ።

ካልኦት ቀዳምነት ክወሃቦም ይግባእ ዝተብሃሉ ጽላታት ሕርሻን ቱሪዝምን ኣለው፤ ኣብዚ'ውን ወፍሪ ክንገብር ኢና። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ድኽነት ክንኪ ስለ ዘለዎ፡ እዚ ገንዘብ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪት ናይ ምዃን ዓቕማ ብምዕባይ ናብ ወጻኢ እትልእኾ ፍርያት ብምውሳኽ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ክፈትሕ፣ ዕድል ስራሕ ክፈጥርን እቶት ከዕብን ኣለዎ።

ቢቢሲ፡ መንግስቲ ወጻኢታቱ ንምንካይ ዝገብሮም ድጎማታት ምልዓል ዘይኮነ እቶቱ ምዕባይ'ዩ ኢልካ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝዘተየሉ ረቒቕ ኣዋጅ 'ኤክሳይዝ ታክስ' ምስዚ ዝኸይድ ድዩ?

ዶክተር ነመራ፡ እወ፤ መንግስቲ ድኽነት ንምንካይን መሰረተ ልምዓት (ትሕተ ቕርጺ) ንምግፋሕን ኣብ ዝገብሮ ወጻኢ ለውጢ ኣይክገብርን፤ ከም ሓደ ዓብዪ ኣጀንዳ ዝስርሐሉ ዘሎ ጉዳይ ግን፡ ምእካብ ግብሪ'ዩ። ብልሽውና፣ ብኽነት ሃፍቲ ዝኣመሰሉ ጸገማት ንልምዋጥ'ውን ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።

እቲ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበ ረቒቕ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ድማ፡ በዚ ልክዕ እዩ ዝርኣይ። ዓቕሚ ምእካብ ግብሪ መንግስቲ ንምዕባይ፡ እቲ ናይ ንግዲ ባይታ ብዘይጎድእ መልክዑ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝፈርዩን ካብ ደገ ኣብ ዝኣትውን ገለ ምህርታት ናይ ፖሊሲ ምምሕያሽ ክግበር እዩ።

ኢትዮጵያ፡ ትሑት ግብሪ ብምእካብ'ያ ትፍለጥ፤ ኣብዚ ምምሕያሽ ንምምጻእ ዓበይቲ ስራሕቲ ይስርሑ ስለ ዘለው፡ ኣይኤምኤፍን ባንኪ ዓለምን ትኹረት ምስ ዝገብርሉ ብሓባር ዝኸይድ ይኸውን ኣሎ ማለት'ዩ።

ቢቢሲ፡ እዚ ኣዋጅ እንተጸዲቑ ግን ዋጋ ናይ ምውሳኽ ዝንባለታት ከምጽእ ይኽእል'ዩ ዝብሉ ስግኣታት ኣለው፤ ከመይ ትርእዮ?

ዶክተር ነመራ፡ ሕጂ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ክህልዎ'ዩ ዝብል ምዝራብ ክኸብደኒ'ዩ። ብዙሓት ዝልወጡ ነገራት ክህልው'ዮም። ንምንታይ'ዩ ኣድልዩ ንዝብል ግን፡ ብመጠን እቲ እንልእኾን ኣታዊ እንገብሮን ምህርቲ፡ መንግስቲ ዝእክቦ እቶት ኣዝዩ ትሑት ስለ ዝኾነ ኣገዳሲ ኾይኑ ረኺብናዮ ኣለና።

እቲ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረሰተብ ከይኸውን ግን ጥንቃቐ ክግበር'ዩ።

ቢቢሲ፡ ናብ ጉዳይ ኣይኤምኤፍ ንመለስ'ሞ፤ ድምር ኣቢልና እቲ ትካል ንኢትዮጵያ ዝሃባ ልቓሕ፡ መስርሕ'ፕራይቬታይዜሽን'ምስላጥ'ዩ ዶ ክንብል ንኽእል?

ዶክተር ነመራ፡ ኣይኤምኤፍ ዝሃቦ ገንዘብ፡ ኣብ ፕራይቬታይዜሽን ዝስርሑ ዘለው ለውጢታት ንምድጋፍ፣ እቲ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምልዋጥ ከምኡ'ውን ፋይናንስ ሃገራዊ ባንክ ንምምሕያሻት ዝውዕል'ዩ።

ፕራይቬታይዜሽን እቲ ቀንዲ ኣጀንዳ'ዩ ክብል ግን የጸግመኒ'ዩ።

ቢቢሲ፡ ኢትዮጵያ ከቢድ ዕዳ ልቓሕ ዘለዋ ሃገር'ያ፤ በዚ ደረጃ ካልእ ልቓሕ ክትወስድ ምተገብአ'ዶ?

ዶክተር ነመራ፡ ናይ ልቓሕ ጸቕጢ ዝብሃል እቲ እትወስዶ መጠን ኣይኮነን። ካብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝወሰድናዮ ልቓሕ እንክርአ፡ 60 ሚኢታዊት ዓመታዊ ሃገራዊ እቶት'ውን ኣይበጽሕን፤ ስለዚ እዚ ጸገም ዝፈጥር ኣይኮነን።

እቲ ዓብዪ ጸገም፡ ዝበዝሐ ዝተለቃሕናዮ ገንዘብ ብዓብዪ መጠን ወለድ ኣብ ሓጺር እዋን ዝኽፈል ምዃኑ'ዩ። ንግዲ ወጻኢ ኢትዮጵያ ድማ፡ ዶላር ናይ ምምጻእ ዓቕሙ ኣዝዩ ዝተሓተ'ዩ።

እዚ ሕጂ ካብ ባንኪ ዓለም፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኮነ ኣይኤምኤፍ ዝረኸብናዮ ልቓሕ ድማ፡ ብትሑት ወይ ድማ ዜሮ መጠን ወለድ ዝውሰኑ'ዮም። ዝምለሰሉ ግዜ'ውን ኣብ ነዊሕ እዋን'ዩ።

በዚ መሰረት እቶም ቅድም ኢልና ዝወሰድናዮም [ንኣብነት ካብ ቻይና] ልቓሕ'ውን፡ ናብ 'ትሑት ወይ ዜሮ መጠን ወለድ ክቕየሩ ኢና ንገብር ዘለና። እዚ፡ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጸቕጢ ልቓሕ ገንዘብ እናነከየ ንክኸይድ ክሕግዝ'ዩ።

ቢቢሲ፡ እቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝርከብ ዘሎ ልቓሕ ዝቕባበ ዋጋውጋድን፣ ስእነት ስራሕ ንምፍጣርን ዘለዎ ተራ እንታይ'ዩ?

ዶክተር ነመራ፡ እዚ ኹሉ ለውጢ ዝግበር ዘሎ፡ ፍርያምነት ዘፈር ብሕቲ ንምዕባይ'ዩ። ናይዚ ዓውዲ ፍርያምነት እንተዘይዓብዩ፡ ዕድላት ስራሕ ምፍጣር ኣይክኣልን፤ ንኢትዮጵያ ሓኒቑ ዝሓዛ፡ ናይዚ ዓውዲ ፍርያት ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ'ዩ።

ሕዚ እንዛረበሉ ዘለና 'ሃገራዊ መበቆል' ዘለዎ ቁጠባዊ ለውጢ፡ ሸቶኡ ብፍላይ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ ዕደና፣ ማኑፋክቸሪንግ [ኣግሮ ፕሮሰሲንግ] ምዕባይ'ዩ። እዞም ዓውድታት ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥርሉ ዓቕሚ ዝለዓለ ስለ ዝኾነ ቀዳምነት ክረኽቡ ገይርና ኣለና።

ቢቢሲ፡ 'ሃገራዊ መበቆል' ዘለዎ ጠባዊ ለውጢ እንታይ'ዩ?

ዶክተር ነመራ፡ ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን፤ ግን ሕዚ እንኽተሎ ምምሕያሽ ቁጠባ ኣተሓሳስባ 'ምድማር' ዝሓዘ፡ ኢትዮጵያዊ ኣተሓሳስባ ብምጥቃም እቶም ዘለው ጸገማት ፖለቲካል-ኢኮኖሚ ክንፈትሕ ኣለና ዝብል ናይቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ሓሳብ'ዩ።

ንዝሓለፉ 20 ኣዋርሕ ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዉን ቁጠባውን ለውጢ ድማ፡ ጸቕጢ ናይ ደገ ሓይሊ ዝወለዶ ዘይኮነ ካብ ውሽጥና ዝነቐለ ብምዃኑ፡ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ቁጠባ ተባሂሉ።

ቢቢሲ፡ ቀንዲ መግለጺታት እዚ ኣተሓሳስባ እንታይ'ዮም?

ክተር ነመራ፡ ሰለስተ ነገራት ኣለው። ምምሕዳር ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፡ ኣዝዩ ኣብ ዘስግእ ኩነታት'ዩ ዘሎ። ናይ ልቓሕ ጸቕጢ፣ ምንካይ ንግዲ ወጻኢ፣ ንግዲ ወጻእን ኣታውን ዘይምምጥጣን ዝፈጠሮ ምንጋዕ ዓብዪ ምኻኑ፣ ዝውውር ገንዘብ ዝተሓተ ምኻኑ ከምኡ'ውን ኣብ ቑጠባን ኢንቨስትመንትን ዘሎ ሚዛን ዘፍርሑ'ዮም ነይሮም።

ስእነት ስራሕን ዝቕባበ ዋጋን እውን ካልኦት ተወሰኽቲ ጸገማት ኮይኖም መጺኦም። እቲ ናይ ብሕቲ ዓውዲ ድማ፡ ብዙሓት ጸገማት ዝሓዘ'ዩ።

በዚ መሰረት፡ እዚ ሃገራዊ መበቆል ቑጠባዊ ለውጢ ትኹረት ዝገበረሎም ቀንዲ ጉዳያት፡ ምምሕዳር ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ቢዝነስን ሎጀስቲክስን ክመሓየሽ ምግባር'ዩ።

በዚ መንጽር፡ መዓድንን ቱሪዝምን እቶም ልዑል ቆላሕታ ዝግበረሎም ዓውዲታት'ዮም።

ተወሳኺ ዛንታ