ቡርኪና ፋሶ፡ ጅሃድ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 35 ሰባት ቀቲሎም

ወተሃደር ቡርኪናፋሶኣብ ዞባ ሱም ሓለዋ እናኣኻየደ Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ወተሃደር ቡርኪናፋሶኣብ ዞባ ሱም ሓለዋ እናኣኻየደ

ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ጅሃዳዊ ጉጅለ ፈጺመሞ ከምዝኽእሉ ዝግመት፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 35 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ከፋል ዞባ ሱም ዝርከብ ኣርቢዳ ዝብሃል ቦታ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ፡ ካብቶም ዝተቐተሉ እተን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾና ሰብ መዚ ቡርኪና ፋሶ ሓቢሮም።

ሰራዊት ቡርኪና ፋሶ ዳግመ መጥቓዕቲ ኣብ ዝገበረሉ ካብ ሰራዊቱ 8 ክቕተሉ እንከለዉ፡ ካብቶም ጅሃዳዊ ዕጡቓት ኣስታት 80 ከም ዝቕተለ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ቡርኪና ፋሶ ሮች ማርክ ክርስተሰያን ካቦረ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ እቶም 35 ሰባት ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ሓዘኑ ብምግላጽ፡ ኣባታ ሃገር ንክልተ መዓልቲ ዝጸንሕ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣዊጁ።

ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቓዕቲ ኣነ'የ ፈጺመዮ ዝብል ጉጅለ ኣይተረኸበን።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ እውን፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ብዝፈጸምዎ መጠቃዕቲ ብውሑዱ 14 ሰባት ከምዝቐተሉ ይፍለጥ።

ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ብጀሃዳዊ ጉጅለታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ቁጽሩ እናወሰኸ ከም ዝመጽአ እዩ ዝሕበር።

እዛ ብተዛማዲ ርግእቲ ዝነበረት ሃገር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ውሽጢ እታ ሃገር ብዝተለዓሉን ካብ ጎሮቤታ ማሊ መጺኦም መጥቃዕቲ ብዝፍጽሙ ጅሃዳዊ ዕጡቓት ናብ ዘይምርግጋእ ገጻ ተምርሕ ኣላ።

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ እዚ ብጅሃዳዊ ጉጅለታት ዝሰዓበ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት፡ ኣብዚ ዓመት ኣማኢት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፤ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ካብ ቤት ንብረቶም ንክዘናበሉ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ