ስጳኛ፡ ሰለስተ ኣባላት ሓንቲ ስደራ-ቤት ኣብ መሐምበሲ ጥሒሎም

ዝቕመጥዎ ዝነበሩ ሆተል Image copyright FERNANDO TORRES UGARTE/DIARIO SUR

ኣብ ስጳኛ፡ ንዕርፍቲ ከይዶም ዝነበሩ ሰለስተ ኣባላት ሓንቲ ስደራ-ቤት ኣብ መሓንበሲ ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ።

እቶም ኣብ 'ላኮስታ ዎርልድ' ዝተባህለ ሆተል ንዕረፍቲ ዝመጽኡ ኣባላት ሓንቲ ስድራ-ቤት፡ ኣብ ድሮ ልደት (Christmas Eve) ኣብ መሓንበሲ ጥሒሎም ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ከም ዝተረኽቡ ወነንቲ እቲ ሆተል ኣብ ዘውጽእዎ መገለጺ ሓቢሮም።

እቲ ሓደጋ፡ ሓንቲ ጓል ትሽዓተ ዓመት ክትሕንብስ እንከላ ጸገም ከም ዘጓነፋን፡ ሓዋን ኣቡኣን ንዓኣ ክድሕኑ ክብሉ ከም ዝጠሓሉን ተገሊጹ።

እቶም ኣብቲ ሆተል ዝነበሩ ህይወት ኣድሕን፡ ነቶም ሰለስተ ክድሕንዎም'ኳ እንተተጓየዩ፡ ናብ ህይወቶም ክመልስዎም ግን ኣይከኣሉን።

ኣካየድቲ እቲ ሆቴል፡ ብሞት እቶም ስድራ-ቤት ብዙሕ ከም ዝሓዘኑ ብምግላጽ ንስድራ-ቤት እቶም ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

እቲ ምምሕዳር ሆተል፡ ነቲ መርመራ ዘካይዱ ዘለው ሰበ-ስልጠን ምሉእ ምትሕብባር ይገብር ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ዝወጽኣ ሓበሬታ፡ እቲ ወላድን ጓሉን ካብ ብሪጣንያ ክኾኑ እንከለው፡ እቲ ሓደ ድማ ኣመሪካዊ ምዃኑ ተገሊጹ።

ቤት-ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንሓንቲ ብሪጣንያዊት ሰበይቲ ኣድላዪ ሓገዝ ይገብላ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ተወሳኺ ዛንታ