ኣብ ዶብ የመንን ስዑድ ዓረብን ብዝተፈጸመ ደብዳብ፡ 15 ኢትዮጵያውያን ተቐቲሎም

ኣብ የመን ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት በቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከምዝሞቱ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ Image copyright EPA

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዶብ የመንን ስዑድ ዓረብን፡ ብዝተጸመ ደብዳብ ከበድቲ ኣጽዋር፡ ብውሑዱ 15 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

እዘም ስደተኛታት ብስግረ ዶብ ኣቢሎም ናብ ስዑድ ዓረብ ንምስጋር ራጎ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ክፅበዩ ዝፀንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዝገለጾ፡ በቲ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ዝተቐተሉ ኮይኖም፡ ካብኣቶም እቶም 12 ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ገሊጹ።

ነቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ግን ኣይገለጸን።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ሑትን፣ ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ስሉሳዊ ጥምረትን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ የመን ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቕልውላው ተሸሚማ ትርከብ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ከምዚ ዝኣምሰለ ሓያል ወግእን ሰብኣዊ ቕልውላውን እውን እንተኾነ፡ ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ንየመን ኣቋሪጾም ንስዑዲ ምስጋር ኣየቋረጹን።

ወዲ 25 ዓመት ካሕሳይ እውን፡ ካብ ትግራይ ከተማ ውቕሮ ተበጊሱ ዝሐሸ ህይወት ከናዲ፡ ሕዚ ኣብ የመን እዩ ዘሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ክካየድ እንከሎ ብዓይኑ ከምዝረኣየን፤ ብውሑዱ 15 ኢትዮጽያውያን ከምዝተቐትሉን ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።

ካሕሳይ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ካብ ትግራይ ከተማ ውቕሮ ንበይኑ ተበጊሱ ናብ የመን ከምዝኣተወ ገሊጹ።

"እቲ መንገዲ ብደምቢ ስለዝፈልጦ፡ በይነይ እየ መጺአ" ብምባል፡ እቲ ካብ መረበቱ ክስደት ዝገበሮ ስእነት ከብቅዕ፡ ምስ ብድሆታትን ጸበባታትን ዶባት እናሰገረ፡ ኣብ ጫፍ ዶብ ስዑድ ዓረብ፡ ኣብ ግዝኣት የመን ኣብ ትርከብ ራጎ በጹሑ ኣሎ።

"ካብዚ (ካብ ራጎ)፡ ሓንቲ ገረብ እያ ዘላ፡ ንሳ እንተሓሊፈያ፡ ናብ ስዑድ ዓረብ ክኣትው እየ" ዝበለ ካሕሳይ፡ ካልኦት ብዙሓት ኢትዮጽያውያን ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ብተስፋ ከምዘቋምቱ ገሊጹ።

እቲ ዝጋጠመ ደብዳብ ድማ ከቢድ ምዝነበረን፡ በዚ መጺኡ ዘይበሃል ከቢድ ኣጽዋር ኣብ ማእከል ህዝቢ ከምዝወረደን ይዛረብ።

ፈለማ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝርከብ ቀረባ ቦታ ተመሳሳሊ ከቢድ ኣፅዋር ከምዝተተኮሰ ዝሕብር ካሕሳይ፡ ጸኒሑ ግና ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ደብዳብ ከምዝተፈፀመ ንቢበሲ ገሊጹ።

"ኣጋጣሚ ኣነ ካብቲ ደብዳብ ዝተፈፀመሉ ዳስ ስደተኛታት ቁሩብ ርሕቕ ኢለ ስለዝነበርኩ እየ ካብ ሞት ድሒነ" ዝበለ ካሕሳይ፡ እዚ ኣጋጣሚ ኣብ ስደተኛታት ከቢድ ስምባደ ከምዝፈጠረ ይሕብር።

Image copyright AFP

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ስደተኛታት ድማ፡ በቲ ደብዳብ ንዝተጎድኡ፡ ገንዘብ ብምውፃእ፡ ካብ ራጎ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ሰዓዳ ዝተብሃለ ማእኸል ጥዕና ከምዝወሰድዎም ገሊጹ።

"ብውሑዱ 15 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ፤ ካብቶም ናብ ሕክምና ዝኸዱ ዝተጎድኡ 35 ሰባት ከኣ ዝሞቱ ክህልዉ እዮም። በቲ ዝተተኮሰ ጋዝ ስለዝተቓጸሉ፡ መንነት ግዳያት ምፍላጥ ኣይከኣልን" ኢሉ።

እንተኾነ፡ እዚ ራጎ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ብዙሓት ካብ ክልል ትግራይ ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ስዑድ ዓረብ ንምስጋር ዝጥቀሙሉ መስመር ብምዃኑ፡ ገለ ካብቶም ግዳያት ተጋሩ ክኾኑ ከምዝኽሉ ይግለጽ።

ነቶም በዚ "ደብዳብ" ዝሞቱ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ከምዝቐበርዎም ካሕሳይ ሓቢሩ።

ካብቶም ዝተጎድኡ 35 ሰባት እቶም ትሽዓተ የመናውያን ከምዝኾኑ ዝሓበረ ካሕሳይ፡ ሓደጋ ዝበጽሖም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ረዳኢ ስኢኖም ከምዘለው ተዛሪቡ።

"ዝረድአና የለን፡ ኢትዮጵያዊ ንኢትዮጵያዊ፡ የመናውያን ድማ ንየመናውያን እዮም ዝሕግዙ። እንተልዩካ ሰሪሕካ ትበልዕ፡ እንተዘይልዩካ ድማ ተዓጺፍካ ትሓድር፤ ካብዚ ወፃኢ ዝሕግዘና የለን፤ ንመን ኢልኻ እሞ ክንገር ኣብዚ መን ክሰምዐና?" ብምባል እቲ ዘለዉሉ ኩነታት ከቢድ ምዃኑ ሓቢሩ።

"ሕዚ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ዘይኮነስ፡ ናብ ስዑድያ ክኣቱ እየ ዝሓስብ፤ ካብዚ ዘለኽዎ ብእግሪ ቀረባ እያ" ብምባል ብሰንኪ ድኽነት ናብ ዝገደፋ ዓዱ ክምለስ ድልየት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ድሕረ-ባይታ ቅልውላው የመን

ኣብ 2011 እቲ ኣብ ቱንዝያ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ቀልጢፉ'ዩ ናብ ከም በዓል ሊብያ፡ ግብጺ፡ ሶርያን የመንን ዝበላ ሃገራት ዓረብ ተላቢዑ።

እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ርእሰከተማ ሰንዓ ምስ ሓየለን ካብ ምቁጽጻር መንግስቲ ወጻኢ ምስ ኮነን እቲ ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝመርሓ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፡ ካብ ስልጣን ክወርድ ተገዲዱ።

ምክትሉ ዝነበረ ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ ንዕኡ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ደዪቡ። ይኹን 'ምበር፡ ፕረዚደንት ሓዲ፡ ክቆጻጸሮም ዘይክእል ብድሆታት'ዮም ገጢሞሞ።

ከም በዓል ኣልቃዒዳ ዝበሉ ጅሃዳውያን ጉጅለታት፡ ዘይምእዙዝ ሰራዊት፡ ብልሽውና፡ ሸቕለት-ኣልቦነትን ሕጽረት መሰረታውያን ሃለኽቲ ዝበሉ ጸገማት ክፈትሖም ብዘይ ምኽኣሉ፡ ናዕቢታት ቀጺሉ።

ኣብ መጀመርታ 2015 ከኣ እቶም ብኢራን ይድገፉ'ዮም ተባሂሎም ዝሕመዩ ዕጡቓት ሑቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮማ። መንግስቲ ፕረዚደንት ሓዲ ድማ ናብ ደበብ የመን ብምንስሓብ፡ ኣብ ከተማ ዓደን ኣትዩ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበረ ሰራዊት መንግስቲ ድማ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተመቐቒሉ፡ ከም ሃገራዊ ሰራዊት ፈሪሱ። እቲ ብፕረዚደንት ሃዲ ዝምራሕ መንግስቲ ከኣ ውሱን ሓይሊ ጥራይ ሒዙ ተሪፉ።

ብጽልዋ ኢራን ኣብ ጉዳይ የመን ዝሰግአት ሱዕዲ ዓረብ ድማ፡ ኣንጻር ሑቲ ቀጥታዊ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ክትወስድ ወሲና።

ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ዝሓቖፈ ወታሃደራዊ ልፍንቲ ብምምስራትን ነቲ ናብ ዓደን ዝተዓቑበ መንግስቲ ብምድጋፍን ካብ መጋቢት 2015 ጀሚራ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ናይ ኣየርን፡ ምድርን ባሕርን መጥቃዕትታት ከተካይድ ጸኒሓ።

ኣብ ኲናት የመን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ሞይቶም፡ ብዙሓት ካልኦት ቆሲሎም፡ ሚልዮናት ድማ ኣደዳ ዓጸቦን ጥሜትን ክኾኑ ተገዲዶም'ዮም።