ካዛኪስታን፡ 98 ተሳፈርቲ ሒዛ እትጎዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ወዲቓ

ኣባላት ስርሒት ህይወት ኣድሕን'ታ ሃገር ኣብቲ ከባቢ ከምዘለውን፡ ነቶም ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ውሑስ ቦታን ሆስፒታላትን ይወስድዎም ምህላዎም ተገሊጹ Image copyright Reuters

ኣብ ካዛኪስታ፡ 98 ተሳፈርቲ ጽዒና እትጎዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ብምውዳቓ፡ ብውሑዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ'ታ ሃገር ሓቢሮም።

እታ ንብረት መገዲ-ኣየር 'በክ' ዝኾነት ነፋሪት፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣልማቲ ምስተገበሰት ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ወዲቓ ተሓምሺሻ።

ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ እታ ነፋሪት ክትበርር እንከላ፡ እቲ ከባቢ ብግመ ተሸፊኑ ከምዝነበረ ገሊጹ። ሰብ-መዚ እቲ መዕረፎ ነፈርቲ፡ ዝደሓኑ ሰባት ከምዘለው ገሊጾም።

እታ ነፋሪት ካብ ከተማ ኣልማቲ ተበጊሳ፤ ናብ ናብ ርእስ-ከተማ ካዛኪስታን ኑር-ሱልጣን ክትበርር ምስተበገሰት እያ ተሓምሺሻ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ኣይተገልጸን።

ሰብ-መዚ እቲ መዕረፎ ነፈርቲ፡ እታ ነፋሪት 93 ተሳፈርትን 5 ሰራሕተኛታትን ሒዛ ከምዝነበረት ገሊጾም።

ህጻናት ሓዊሱ፡ ብውሕዱ 60 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖም ተገሊጹ'ሎ።

እታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ክልተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ እያ ወዲቓ። ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ የለን።

ኣባላት ስርሒት ህይወት ኣድሕን'ታ ሃገር ኣብቲ ከባቢ ከምዘለውን፡ ነቶም ዝደሓኑ ሰባት ናብ ውሑስ ቦታን ሆስፒታላትን ይወስድዎም ምህላዎም ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ካዛኪስታን ቛስም-ጆመራት፡ ንስድራ-ቤት እቶም ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ድሕሪ ምባል፡ እቶም ነዚ ሓደጋ ከጋጥም ዝገበሩ ብሕጊ ከምዝሕተቱ ኣመልኪቱ።

ኣብ ካዛኪስታን እዚ ናይ መጀመርያ ዝጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ኣይኮነን። ኣብ ጥሪ 2013፡ ብሓደጋ ነፋሪት ኣስታት 20 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን፡ ሓንቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተሰኪማ ዝነበረት ወተሃደራዊት ነፋሪት ብምሕምሻሻ፡ 27 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።