ጅግና ሲኤንኤን ፍረወይኒ መብራህቱ፡ ኣብ መቐለ ዝተገበረላ ኣቀባብላ

ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሃን ሲኤንኤን፡ ንኢትዮጵያዊት ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና እዚ ዓመት ኢሉ ከምዝሸለማ ይፍለጥ።

ፍረወይኒ መብራህቱ፡ ወርሓዊ ጽግያት ክብሪ'ዩ ብምባል ዝሕጸብ መንዲል ንጽህና [ሞዴስ] ብምፍራይ ብፍላይ ኣብ ገጠር ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣማራጺ እተቕርበሉ ፋብሪካ ኣብ ከተማ መቐለ ከፊታ ኣብ ምስራሕ እትርከብ እያ።

ሓሙስ፡ ሽልማታ ሒዛ ናብ መቐለ ምስኣተወት፡ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ።

መግለጺ ስእሊ,

ፍረወይኒ ብሕሱም ዘይተፀበየቶ ድሙቕ ጽምብል ኣቀባብላ ህዝቢ ነቢዓ

መግለጺ ስእሊ,

ንኽብሪ ፍረወይኒ ዝተበርከተ ሕብሽቲ

መግለጺ ስእሊ,

ተምሃሮ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ: ንፍረወይኒ ኣብ እዋን እንግዶት ድራር ንእለት ስኢሎም ዘበርከቱላ ቅብኣ

መግለጺ ስእሊ,

ፍረወይኒ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሰረገላ ተሰቒላ ንህዝቢ የቐንየለይ እንትትብል:: ካብ ማይደገነ ተላዒላ ብኣደባባያት ሮማናት:ሓውዜንን ሃፀይ ዮሃንስ ኣቢላ ተዛዊራ

መግለጺ ስእሊ,

ፍረወይኒ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ: ምስ በፀሐት ህዝቢ ካባ ከዲኑ ኣክሊል ደፊኡ እንትቕበላ።

መግለጺ ስእሊ,

ተምሃሮ ኣብያተ ትምህርቲ ቃላሚኖ፡ ኒኮላስ፡ መርሃጥበብን ሸባ ኣካዳሚን ምስ ፍረወይኒ ስእሊ ተሳኢሎም።